መጽሓፍ መክብብ 6

BCVትግርኛ12 ፍቕድታት2:10 ስማዕ
ስማዕ 2:10 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝረአኽዎ ኽፉእ ነገር ኣሎ፤ ንሱውን ኣብ ልዕሊ ሰብ የመና ዝኸበደ እዩ።

2እግዚኣብሄር ንሰብ ሃብትን ጥሪትን ክብርን ሃቦ፤ ካብቲ ዅሉ ዝደልዮ ንነፍሱ ሓንቲ እኳ ኣይጐደሎን፤ ግና ኻልእ ሰብ ይበልዖ እምበር ካብኡ ኽበልዕ እግዚኣብሄር ስልጣን ኣይሃቦን። እዙይ ከዓ ኸንቱን ዝኸፍአ ጕድኣትን እዩ።

3ሰብ ሚእቲ ቘልዑ እንተ ዝወልድ፥ ብዙሕ ዓመታት ብህይወት እንተ ዝነብር፥ መዓልቲታት ዕድሜኡውን እንተ ዝበዝሕ፥ ግና ነፍሱ ብሰናይ ነገር እንተ ዘይፀገበት፥ ብቑዕ ቀብሪውን እንተ ዘይረኸበ፥ ካብኡስ ቍላዕ ይሐይሽ፤ እብል ኣለኹ።

4ብኸንቱ ይመፅእ፤ ብፀልማትውን ይኸይድ እዩሞ ስሙ ብፀልማት ይኽወል።

5ንፀሓይ ኣይረአያን፤ ዝኾነ ነገርውን ኣይፈለጠን፤ ካብቱይ ነዙይ ዝበለፀ ዕረፍቲ ኣለዎ።

6ሽሕ ዓመት ክልተ ሻዕ ብህይወት እንተ ዝነብር፥ ግና ሰናይ ነገር እንተ ዘይረአየ ዅሎም ናብ ሓደ ቦታ ዝኸዱዶ ኣይኮኑን?

7ኵሉ ድኻም ሰብ ንኣፉ እዩ፤ ነፍሱ ግና ኣይትፀግብን።

8ካብ ዓሻ ንለባም ሕልፉ እንታይ እዩ? ኣብ ቅድሚ ህያዋን ምኽያድ ንዝፈልጥ ድኻኸ ረብሓኡ እንታይ እዩ?

9ብዓይኒ ምርኣይ ብነፍሲ ኻብ ምቕብዝባዝ ይሐይሽ፤ እዙይውን ከንቱ እዩ፤ ንፋስ ከም ምኽታል እዩ።

10ነቲ ዝኾነ ዅሉ ኣቐዲሙ ስም ወፂኡሉ እዩ፤ ሰብ ከም ዝኾነውን ተፈለጠ፤ ምስቲ ኻብኡ ዝበርትዐ ኽፋረድ ኣይኽእልን።

11ንኸንቱ ዘብዝሐ ብዙሕ ነገር ኣሎሞ፥ እዙይ ንሰብ እንታይ ይጠቅም?

12ኣብዝ ሓፂር፥ ከንቱ፥ ከም ፅላሎት ዝሓልፍ ህይወት ወዲ ሰብ፥ እቲ ዝሐሸ ነገር እንታይ ከም ዝኾነ ዝፈልጥ መን እዩ? ወይ ከዓ ንሰብ ብድሕሪኡ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ እንታይ ከም ዝኸውን መን ክነግሮ ይኽእል?

ትርጓሜ

6:1-6 ሓደ ሰብ ንግዳማዊ ባህታ ዝኸውን ኩሉ ዘድልዮ ንብረት ብዙሕ ግዜ ኣለዎ፤ እንተኾነ ግና እግዚኣብሔር ናብ ስስዔ ወይ ናብ ክፉእ ባህርያት ይገድፎ፣ ስለዚ ድማ ነቲ ዘለዎ ንብረት ብጽቡቕ ወይ ብምቾት ኣይጥቀመሉን። በዚ ወይ በቲ መገዲ ንብረቱ ናብ ካልኦት ይኸይድ፤ እዚ ከኣ ከንቱነትን ክፉእ ሕማምን እዩ። ብብዙሕ ደቅታት ዝመልኤ ስድራ ቤት ኣብ እስራኤላውያን ፍቑር ሃረርታን ዓብዪ ክብሪን ነበረ፤ ነዊሕ ዕድመ ድማ ናይ ደቂ ሰብ ብሓፈሻዊ ድሌት እዩ። እኳ ደኣ እዚ ኩሉ ተወሳኺ ክህልዎ እውን፣ ሰብ ነቲ ሃብቱን ስድራ ቤቱን ህይወቱን ብሓቂ ኪጥቀመሉ ኣይኽእልን። ከምዚ ዝበለ ሰብ ኣብ ጉዕዞ ህይወቱ ንገለ ዕላማ ወይ ጥቕሚ ከም ዘይተወልደ ይመስል።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6