ትንቢት ዳንኤል 12

BCV aksumትግርኛ13 ፍቕድታት2:40 ስማዕ
ስማዕ 2:40 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1“በቲ ዘመን እቱይ፥ እቲ ምእንቲ ደቂ ህዝብኻ እስራኤል ዝቐውም፥ ዓብዪ ሓለቓ ሚካኤል፥ ክትስእ እዩ። ሽዑ መንግስቲ ኻብ ዝተመስረተ ጊዜ ጀሚሩ፥ ክሳዕ እቲ ዘመን እቱይ ተርእዩ ዘይፍለጥ፥ ዓብዪ ናይ መከራ ጊዜ ክኸውን እዩ። ግና በታ ጊዜ እቲኣ፥ ካብ ህዝብኻ፥ እቲ ዅሉ ኣብ መፅሓፍ ህይወት ተፅሒፉ ዝተረኽበ፥ ክድሕን እዩ።

2ካብቶም ኣብ ውሽጢ ሓመድ ምድሪ ዝደቀሱ፥ ብዙሓት ክትስኡ እዮም፤ ገሊኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት፥ ገሊኣቶም ከዓ ናብ ሕፍረትን ናብ ናይ ዘለኣለም ሓሳርን ክትስኡ እዮም።

3እቶም ጠቢባን፥ ከም ናይ ሰማይ ፀዳል ክበርሁ እዮም፤ እቶም ንብዙሓት ናብ ፅድቂ ዝመርሑውን፥ ከም ከዋኽብቲ ንዘለኣለመ ኣለም ክበርሁ እዮም።

4“ንስኻ ግና፥ ኣታ ዳንኤል፥ መወዳእታ ዓለም ክሳዕ ዝኸውን፥ ነዘን ቃላት እዚኣተን ዕፀወን፥ ነዛ መፅሓፍ እዚኣ ኸዓ ሕተማ። ብዙሓት ናብዙይ ናብቱይ ክጓየዩ እዮም፤ ፍልጠትውን እናበዝሐ ክኸይድ እዩ።”

5ኣነ ዳንኤል ከዓ ጠመትኩ፤ እንሆውን፥ ክልተ ኻልኦት ሰባት፥ እቲ ሓደ ኣብ ነዘው ገምገም ሩባ፥ እቲ ኻልኣይ ድማ ኣብ ንየው ገምገም ሩባ ደው ኢሎም ነበሩ።

6ሓደ ኻብኣቶም፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ማይ ሩባ ንዝነበረ፥ ልሕፂ እንጣጢዕ ንዝተኸደነ ሰብ “እዝ ዘደንቕ ነገር መወዳእታኡ መኣዝ ክኸውን እዩ?” በሎ።

7እቲ ኻብ ልሕፂ እንጣጢዕ ዝተሰርሐ ዓለባ ዝተኸድነን፥ ኣብ ልዕሊ ማይ እቲ ሩባውን ደው ኢሉ ዝነበረ ሰብ፥ ንየማነይትን ፀጋመይትን ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ኣቢሉ ኣልዓለ እሞ “ንዘመንን ዘመናትን ፍርቂ ዘመንን እዩ። ነቲ ሓይሊ ምብታን እቲ ቅዱስ ህዝቢ ጠሪሶም ምስ ሰበርዎ፥ እዝ ዅሉ ነገር እዙይ ክፍፀም እዩ” ኢሉ ብስም እቲ ንዘለኣለም ህያው ኮይኑ ዝነብር ኣምላኽ፥ ክምሕል እንተሎ ሰማዕኽዎ።

8ሰማዕኹ ድማ፥ ግና ስለ ዘየስተውዓልኩ “ጐይታይ፥ ናይዝ ኵሉ መወዳእታ እንታይ እዩ?” በልኩ።

9ንሱውን ከምዙይ በለኒ፦ “ዳንኤል፥ እዝ ነገር እዙይ ክሳዕ መወዳእታ ዘመን ዕፅውን ሕቱምን እዩሞ ኺድ።

10ብዙሓት ሰባት ሰብነቶም ከፅርዩን ከፃዕድውን ክነፅሩን፥ ኣበር ዘይብሎምውን ክኾኑ እዮም። እቶም ክፉኣት ግና፥ ብኽፍኣቶም ክፀንዑ እዮም። ነዝ ነገር እዙይ ዘስተውዕልዎ፥ እቶም ለባማት ጥራሕ እዮም እምበር፥ እቶም ክፉኣት ኣየስተውዕልዎን እዮም።

11“እቲ መዓልታዊ መስዋእቲ ኻብ ዝተቛረፀሉን፥ እቲ ጥፍኣት ዘምፅእ፥ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ዝትከለሉን ዘመን ጀሚሩ፥ ሽሕን ክልተ ሚእትን ተስዓን መዓልቲ እዩ።

12እተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሓሙሽተን መዓልቲ ኽሳዕ ዝሓልፋ፥ ዕጉስ ኮይኑ ዝፀንሕ ሰብ ምስጉን እዩ።

13“ንስኻ ግና ኽሳዕ መወዳእታ መንገድኻ ኺድ፤ ንስኻውን ክትዓርፍ ኢኻ፤ ግና ኣብ መወዳእታ ዘመን ኣብ ዕፃ ኽፍልኻ ኽትቐውም ኢኻ።”

ትርጓሜ

12:1-4

ሚካኤል፡ መን ከም ኣምላኽ ማለት እዩ፡ ስሙን ናይ ዓቢይ መስፍን ዝብል ማዕርግኡን ድማ ነቲ መለኮታዊ መድሓኒ የመልክት። ክርስቶስ ንደቂ ህዝብና ብዓንዲኦም ከም መስዋእቲ ኮይኑ ደው በለ፡ መርገም ንእነኦም ጾረ፡ ካብኦም ድማ ንምውሳዱ። ኣብ ዝፋን ጸጋ ንእነኦም ብምምላኽ ደው ይብል። ድሕሪ ምጥፋእ ፀረ-ክርስቶስ ድማ፡ ጐይታ የሱስ ኣብ ዳሕራይ መዓልቲ ኣብ ምድሪ ደው ክብል እዩ፡ ንምልእቲ ቤዛነት ኩሎም ህዝቡ ኸኣ ክግለጽ እዩ። ኣምላኽ ካብ ስደት ምድሓን ክገብረሎም ከሎ፡ ከም ህይወት ካብ ምዉታት እዩ። ወንጌሉ ክስበኽ ከሎ፡ ብዙሓት ኣብ ሓመድ ዝድቅሱ፡ ኣይሁድን ኣህዛብን፡ ብእኡ ካብቲ ናይ ኣይሁዳውያን ኣህዛባዊነቶም ክበራበሩ እዮም። ኣብ መወዳእታ ኸኣ እቶም ኣብ ሓመድ ዝድቅሱ ብዙሓት ክበራበሩ እዮም፡ ብዙሓት ንህይወት ክትንስኡ እዮም፡ ብዙሓት ከኣ ንውርደት። ኣብቲ ናይ መጻኢ ኩነታት፡ ክብሪ ንኹሎም ቅዱሳን ተሓዝዩ ኣሎ፡ ንኹሎም ጥበበኛታት፡ ማለት ንነፍሶምን ንዘለኣለማዊ ህይወቶምን ጥበበኛታት ንዝኾኑ። እቶም ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ዚመልሱ፡ ሓጢኣተኛታት ካብ ስሕተት መንገዶም ዚመልሱ፡ ነፍሶም ካብ ሞት ንምድሓን ዚሕግዙ፡ ያእቆብ 5:20፡ ኣብ ክብሪ እቶም ናብ ሰማይ ዝሓገዝዎም ክካፈሉ እዮም፡ እዚ ኸኣ ናብ ክብሮም ክውስኸሎም እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG “በዚያም ዘመን ስለ ሕዝብህ ልጆች የሚቆመው ታላቁ አለቃ ሚካኤል ይነሣል፤ ሕዝብም ከሆነ ጀምሮ እስከዚያ ዘመን ድረስ እንደ እርሱ ያለ ያልሆነ የመከራ ዘመን ይሆናል፤ በዚያም ዘመን በመጽሐፉ… አማርኛ ENGNIV “At that time Michael, the great prince who protects your people, will arise. There will be a time of distress such as … English BCV “በቲ ዘመን እቱይ፥ እቲ ምእንቲ ደቂ ህዝብኻ እስራኤል ዝቐውም፥ ዓብዪ ሓለቓ ሚካኤል፥ ክትስእ እዩ። ሽዑ መንግስቲ ኻብ ዝተመስረተ ጊዜ ጀሚሩ፥ ክሳዕ እቲ ዘመን እቱይ ተርእዩ ዘይፍለጥ፥ ዓ… ትግርኛ GAZBIB Yommus inni anatti dubbachaa ture,“Yeroo sanatti Mikaa'el ergamaa inni guddichi ijoollee saba keef dhaabatu in ka'a; ye… Afaan Oromoo BCV GIZ ወውእተ አሚረ ይትነሣእ ሚካኤል መልአክ ዓቢይ ዘይትቃወም ለደቂቀ ሕዝብከ ወይከውን ዐቢየ ሕማመ እምኔሁ ወምንዳቤ ዘኢኮነ ከማሁ እምአመ ተፈጥረ አሕዛብ ዲበ ምድር እስከ ውእቱ አሚር፤ ወይድኅ… giz GAZGAZ Yommus inni anatti dubbachaa ture,“Yeroo sanatti Mikaa'el ergamaa inni guddichi ijoollee saba keef dhaabatu in ka'a; ye… Afaan Oromoo AMHNIV “በዚያን ዘመን ስለ ሕዝብህ የሚቈመው ታላቁ አለቃ ሚካኤል ይነሣል። መንግሥታት ከተመሠረቱበት ጊዜ ጀምሮ እስከዚያ ዘመን ድረስ ታይቶ የማይታወቅ ታላቅ የመከራ ጊዜ ይሆናል። ነገር ግን በዚያ… አማርኛ SWAHSUV Wakati huo Mikaeli atasimama, jemadari mkuu, asimamaye upande wa wana wa watu wako; na kutakuwa na wakati wa taabu, mfa… Kiswahili