ትንቢት ዳንኤል 10

BCV aksumትግርኛ21 ፍቕድታት3:49 ስማዕ
ስማዕ 3:49 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ቂሮስ ኣብ ፋርስ ምስ ነገሰ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመቱ፥ ብልጣሶር ንዝተብሃለ ዳንኤል ራእይ ተርኣዮ። እቲ ነገር ሓቂ እዩ፤ ንሱውን ዓብዪ ውግእ ዝገልፅ ነበረ። ነቲ መልእኽቲ ምእንቲ ኽርዳእ፥ ብራእይ ምስትውዓል ተውሃቦ።

2በቲ ጊዜ እቱይ፥ ኣነ ዳንኤል ሰለስተ ሰሙን ምሉእ ሓዚነ ነበርኩ።

3እተን ሰለስተ ሰሙን ክሳዕ ዝውድኣ፥ ጥዑም መብልዕ ኣይበላዕኹን፤ ስጋን ወይንንውን ኣብ ኣፈይ ኣይኣተወን፤ ዘይትውን ኣይተቐባእኹን።

4ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ናይታ መጀመርታ ወርሒ፥ ኣብ ወሰን እቲ ዓብዪ ፈለግ ጤግሮስ ነበርኩ።

5ዓይነይ ቈላሕ ምስ ኣበልኩ ድማ፥ እንሆ፥ ብልሕፂ እንጣጢዕ ዝተኣልመ ዓለባ ዝተኸድነ፥ ኣብ ሕቘኡ ድማ ፅሩይ ወርቂ ዝናር ዝተቐነተ ሰብኣይ ረአኹ።

6ሰብነቱ ኸም ዘንፀባርቕ ዕንቊ፥ ገፁ ኸም መብረቕ፥ ኣዒንቱ ኸም ሃልሃልታ ፋና፥ ቀላፅሙን ኣእጋሩን ከም ርሱን ነሃስ፥ ድምፂ ቓላቱ ድማ ኸም ድምፂ ብዙሕ ህዝቢ ነበረ።

7ነቲ ራእይ ዝረአኽዎ ኣነ በይነይ ዳንኤል እየ፤ እቶም ምሳይ ዝነበሩ ሰባት፥ ነቲ ራእይ ኣይረአይዎን፤ ግና ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ወዲቕዎም ክሕብኡ ሃደሙ።

8ሽዑ ኣነ በይነይ ተረፍኩ፤ ነዝ ዓብዪ ራእይ እዙይውን ረአኹ፤ ሓይሊ ኣይተረፈንን፤ ሕብሪ ገፀይውን ተለወጠኒ።

9ድምፂ ቓሉ ሰማዕኹ፤ ድምፂ ቓሉ ምስ ሰማዕኹ፥ ደንጊፀ ናብ ምድሪ ብግምባረይ ተደፋእኹ።

10እንሆ ሓደ ኢድ ዳህሰሰኒ፤ ብብርከይን ብኢደይንውን ኣቖመኒ።

11ንሱውን “ኣታ ዝተፈተኻ ዳንኤል፥ ኣነ ሕዚ ናባኻ ተልኢኸ ኣለኹ፤ ቀጥ ኢልካ ደው በል እሞ፥ ነዝ ዝነግረካ ቓል ኣስተውዕሎ” በለኒ። እዝ ቓል እዙይ ምስ ተዛረበኒ፥ እናንቀጥቀጥኩ ደው በልኩ።

12መሊሱ ኸምዙይ በለኒ፦ “ዳንኤል፥ ኣይትፍራሕ፥ ካብታ ምስትውዓል ክትረክብ ኢልካ፥ ርእስኻ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘትሓትካላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚሩ፥ ፀሎትካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተሰሚዑ እዩ እሞ፥ ኣነውን ምእንቲ ቓልካ መፂአ እኒሀኹ።

13እቲ ሓለቓ መንግስቲ ፋርስ ግና ዕስራን ሓደን መዓልቲ ተቓወመኒ። እንሆ ኸዓ ሓደ ኻብቶም ዋናታት ኣሕሉቕ፥ ሚካኤል ክሕግዘኒ መፀ። ኣነውን ምስቶም ነገስታት ፋርስ ኣብኡ ሓደግክዎ።

14እዝ ራእይ እዙይ ንኽፍፀም፥ ገና ብዙሕ ዘመን ስለ ዝተረፎ፥ ንቕድሚት ንዳሕረዋይ ዘመን ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ ዝኸውን ክገልፀልካ፥ ሕዚ ናባኻ መፂአ ኣለኹ” በለኒ።

15ነዝ ቃላት እዙይ እናተናገረኒ እንተሎ፥ ገፀይ ናብ ምድሪ ኣድነንኩ፤ በሃምውን ኮንኩ።

16ድሕሪኡ ወዲ ሰብ ዝመስል ከናፍረይ ነኽአኒ፤ ሽዑ ኣፈይ ከፊተ ተዛረብኩ። ነቲ ኣብ ቅድመይ ቆይሙ ዝነበረውን ከምዙይ በልኩዎ፤ “ኦ ጐይታ፥ ካብቲ ራእይ ዝተልዓለ ተሳቐኹ፤ ሓይልውን ስኢነ ኣለኹ።

17ኣነስ ዝኾነ ሓይሊ ኣይተረፈንን፤ ምትንፋስ እኳ ስኢነ እየ እሞ፥ ኣነ ባርያኻ፥ ምሳኻ ምስ ጐይታይ፥ ከመይ ኢለ ኽዛረብ እኽእል?” በልክዎ።

18ሽዑ እቲ ሰብ ዝመስል፥ ዳህሰሰኒ፤ ኣበርትዐኒውን።

19ንሱ ኸዓ “ኣታ የመና ዝተፈተኻ ሰብ፥ ኣይትፍራሕ፤ ሰላም ንኣኻ ይኹን፤ በርትዕ፤ ፅናዕ” በለኒ። እናተዛረበኒ እንተሎ፥ በርታዕኹ እሞ፥ “ኦ ጐይታ፥ ኣበርቲዕኻኒ ኢኻ እሞ፥ ተዛረብ” በልኩዎ።

20ንሱ ድማ፥ “ስለ ምንታይ ናባኻ ኸም ዝመፃእኹዶ ፈሊጥካ ኣለኻ? ሕዚ ኸዓ ምስ ሓለቓ ፋርስ ክዋጋእ ቀልጢፈ ኽምለስ እየ። ኣነ ኽወፅእ እንተለኹ፥ እንሆ፥ እቲ ሓለቓ ግሪክ ክመፅእ እዩ።

21ኣቐዲመ ግና፥ እቲ ኣብ መፅሓፍ ሓቂ ዝተፅሓፈ እነግረካ ኣለኹ፤ ነዚኣቶም ንምቅዋም፥ ብዘይ ሚካኤል፥ እቲ ሓለቓኹም፥ ሓደ እኳ ዝረድአኒ የለን።”

ትርጓሜ

10:1-9። እዚ ምዕራፍ እዚ መጀመርታ ናይ ዳንኤል ናይ መወዳእታ ራእይ ይገልጽ፣ እዚ ራእይ ድማ ክሳብ መወዳእታ እቲ መጽሓፍ ዝቕጽል እዩ። ኵሉ ቅድሚ ምፍጻሙ ነዊሕ ጊዜ ክወስድ እዩ፤ ብዙሕ ድማ ገና ኣይተፈጸመን። ክርስቶስ ብኽብሪ ዝመልኦ ኣገባብ ንዳንኤል ተራእዮ፣ እዚ ድማ ብዛዕባኡ ልዕልን ክቡርን ገይርና ንኽንሓስብ ከባብዖና ይግባእ። ምእንታናን ምእንቲ ምድሓናን ዝገበሮ ምጽንባሕ ንደንቕ። ምንም ሓይሊ ኣብ ዳንኤል ኣይተረፈን። እቶም ዝዓበዩን ዝበለጹን ሰባት ምሉእ ምግላጽ ናይ መለኮታዊ ግርማ ክጻወሩ ኣይክእሉን እዮም፤ ከመይሲ ሓደ እኳ ሰብ ርእዩ ክነብር ኣይከአልን እዩ። ግናኸ፣ እቶም ዝኸበሩ ቅዱሳን ክርስቶስ ከመይ ከም ዝኾነ ይርእይዎ፣ ነቲ ርእየትን ድማ ክጻወርዎ ይኽእሉ። ክርስቶስ ኣብቶም ብሓጢኣት ዝተረጋገጹ ዘየናጉህ ክምሰል እኳ እንተኾነ፣ መንፈሶም ንምንዓው ኣብ ቃሉ እኹል ነገር ኣሎ።

10:10-21 ኣብ ዝኾነ ግዜ ምስ ኣምላኽ ሕብረት እንገብር እንተኾይንና፡ ናይቲ ብመካከልናን ቅዱስ ኣምላኽን ዘሎ ዘይውዳእ ርሕቀት ብግቡእ ክስምዓና ይግባእ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG በፋርስ ንጉሥ በቂሮስ በሦስተኛው ዓመት ብልጣሶር ለተባለው ለዳንኤል ነገር ተገለጠለት፤ ነገሩም እውነት ነበረ፥ እርሱም ታላቅ ጦርነት ነው፤ ነገሩንም አስተዋለ፥ በራእዩም ውስጥ ማስተዋል ተሰ… አማርኛ ENGNIV In the third year of Cyrus king of Persia, a revelation was given to Daniel (who was called Belteshazzar). Its message … English BCV ቂሮስ ኣብ ፋርስ ምስ ነገሰ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመቱ፥ ብልጣሶር ንዝተብሃለ ዳንኤል ራእይ ተርኣዮ። እቲ ነገር ሓቂ እዩ፤ ንሱውን ዓብዪ ውግእ ዝገልፅ ነበረ። ነቲ መልእኽቲ ምእንቲ ኽርዳእ፥ ብ… ትግርኛ GAZBIB Qiiros biyya Faaresitti mootii ta'ee waggaa sadaffaatti, dubbiin tokko Daani'el isa Belxishaazaar jedhamee moggaafamett… Afaan Oromoo BCV GIZ አመ ዐሠርቱ ዓመተ መንግሥቱ ለቂሮስ ንጉሠ ፋርስ ተከሥተ ቃለ እግዚኣብሔር ለዳንኤል ወተሰምየ ስሙ በልጣሳር ወእሙን ነገሩ ወኀይል ዓቢይ ተውህበ ሎቱ በውስተ ራእይ። giz GAZGAZ Qiiros biyya Faaresitti mootii ta'ee waggaa sadaffaatti, dubbiin tokko Daani'el isa Belxishaazaar jedhamee moggaafamett… Afaan Oromoo AMHNIV የፋርስ ንጉሥ ቂሮስ በነገሠ በሦስተኛው ዓመት፣ ብልጣሶር ለተባለው ዳንኤል ራእይ ታየው። መልእክቱ እውነት ነው፤ ስለ ታላቅ ጦርነትም የሚገልጽ ነበረ። መልእክቱንም ይገነዘብ ዘንድ በራእይ ማ… አማርኛ SWAHSUV Katika mwaka wa tatu wa Koreshi, mfalme wa Uajemi, Danieli, ambaye jina lake aliitwa Belteshaza, alifunuliwa neno; na n… Kiswahili