ትንቢት ኣሞጽ 3

BCVትግርኛ15 ፍቕድታት2:37 ስማዕ
ስማዕ 2:37 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኽዎ ወገን ዝተናገርክዎ እዝ ቃል ስምዑ፤ ከምዙይውን በለ፦

2“ኣነ ኻብ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ንኣኻትኩም ንበይንኻትኩም ፈለጥኩኹም፤ ስለዙይውን ብሰንኪ ዅሉ ሓጢኣትኩም ክቐፅዐኩም እየ።”

3ክልተ ሰባት እንተይተሰማምዑዶ፥ ብሓደ ይኸዱ እዮም?

4ኣንበሳኸ ግዳይ እንተይረኸበዶ፥ ኣብ ዱር ይጓዝም እዩ? ወይ ከዓ ሽደን ኣንበሳኸ ዝኾነ እንተይሓዘዶ ኻብ ጕድጓዱ የድምፅ እዩ?

5መፈንጠር ኣብዘይብሉዶ፥ ዒፍ ብመፈንጠር ይተሓዝ እዩ? መፈንጠርከ ዝኾነ እንተይሓዘዶ፥ ካብ ምድሪ ይነጥር እዩ?

6መለኸት ኣብ ከተማ እንትንፋሕኸ፥ ህዝብዶ ኣይድንግፅን እዩ? እግዚኣብሄር እንተይኣዘዘኸ፥ ንኸተማዶ ኽፉእ ይወርዳ እዩ?

7ብሓቂ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምስጢሩ ንባሮቱ ነቢያት እንተዘይገሊፁሎም፥ ሓደ እኳ ኣይገብርን እዩ።

8ኣንበሳ ጓዚሙኸ ዘይፈርሕ መን እዩ? ጐይታ እግዚኣብሄር ተዛሪቡኸ ዘይንበ መን እዩ?

9ነቶም ኣብ ኣደራሻት ኣዛጦንን፥ ኣብ ምድሪ ግብፅን ዝነብሩ “ኣብ ርእሲ እምባታት ሰማርያ ተኣከቡ፤ ነቲ ኣብ ማእኸላ ዘሎ ዓብዪ ዕግርግርን፥ ነቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ግፍዕን ተመልከቱ” ኢልኩም ኣውጁ።

10“እዚኣቶም ዓመፃን ዘረፋን ኣብ ኣዳራሻቶም ይእክቡ፤ ቅኑዕ ምስራሕውን ኣይፈልጡን እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።

11ስለዙይ ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ኣብ ዙርያ እታ ምድሪ ፀላኢ ኽመፅእ እዩ፤ ሓይልኺ ኻባኺ ኸውርድ እዩ፤ ንኣዳራሻትክውን ክብዝብዞ እዩ።”

12እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ጓሳ ኻብ ኣፍ ኣንበሳ፥ ክልተ እግሪ ወይ ሓንቲ ቍራፅ እዝኒ ኸም ዘናግፍ፥ ከምኡ ኻብቶም ኣብ ሰማርያ ኣብ ልዕሊ ጫፍ ዓራቶም፥ ኣብ ደማስቆውን ኣብ ምንፃፎም ዝተቐመጡ ደቂ እስራኤል ክድሕኑ እዮም።

13ስምዑ፤ ኣብ ልዕሊ ቤት ያእቆብ ከዓ መስክሩ” ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት።

14“በታ ኣነ ንህዝቢ እስራኤል፥ ብሰንኪ ሓጢኣቶም ዝቐፅዐላ መዓልቲ፥ ንመሰውኢታት ቤቴልውን ክብቀሎ እየ። እቶም ኣቕርንቲ መሰውኢ ድማ ኽስበሩ እዮም፤ ናብ ምድሪ እውን ክወድቁ እዮም።

15ንቤት ክረምትን ንቤት ሓጋይን ከዕንወን እየ፤ እቶም ብስኒ ሓርማዝ ዘጌፁ ኣባይቲ ኸዓ ኽድምሰሱ እዮም፤ ዓበይቲ ኣባይቲውን ክፈርሱ እዮም” ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር።

ትርጓሜ

3:1-8 ኣምላኽ ንዓና ዝገበሮም ፍሉያት ሞገሳት፣ ሓጢኣት ካብ ምግባር እንተዘይዓገቱና፣ ካብ ቅጽዓት ኣየድሕኑናን እዮም። ቅድሚኡ ምስኡ ሰላም እንተዘይደለዩ፣ ምስ ኣምላኽ ሕብረት ከም ዝህልዎም ክጽበዩ ኣይክእሉን እዮም። ምሕዝነት ኣብ ዘየብሉ ሕብረት ኣይህሉን። ኣምላኽን ሰብን እንተዘይተሰማምዑ ሓቢሮም ክኸዱ ኣይክእሉን እዮም። ክብሩ እንተዘይደለና ምስኡ ኽንከይድ ኣይንኽእልን። ብዘይ ፍሉይ፣ ምቕድስቲ ጸጋ፣ ኣብ ናይ ግዳም መሰላት ኣይንተኣማመን። ናይ ቃልን ናይ ኣምላኽ ኣመሓድሮን መፈራርሒታት ንሓጢኣት ሰብ ርግጽ እዮም፣ እሞ ኸኣ ፍርድታት ኣምላኽ ቀሪቦም ምህላዎም ብርግጽ ይሕብሩ። ኣምላኽ ዝሰደዶ መከራ ዕዮኡ ክሳብ ዝዛዝም ኣየንሲእን እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6