ትንቢት ኣሞጽ 2

BCVትግርኛ16 ፍቕድታት2:52 ስማዕ
ስማዕ 2:52 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ኣዕፅምቲ ንጉስ ኤዶምያስ ሓመድ ክሳዕ ዝኸውን ኣቃፂልዎ እዩሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ሞኣብ፥ መቅሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን።

2ስለዙይ ኣነ ናብ ምድሪ ሞኣብ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻት ቂርዮት ከዓ ህሙኽ ከብሎ እዩ። ሞኣብ ድማ ብዕግርግርን ብኣውያትን፥ ብድምፂ መለኸትን ክመውት እዩ።

3ንፈራዲኣ ኻብ ማእኸላ ኸጥፍእ እየ፤ ምስኡ ድማ ንዅሎም ኣሕሉቓ ኽቐትል እየ” ይብል እግዚኣብሄር።

4እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ሕጊ እግዚኣብሄር ጥሒሶም እዮምሞ፥ ትእዛዛተይውን ኣይሓለዉንሞ፥ ኣቦታቶም ዝተኸተልዎ ሓሰቶም ኣስሒትዎም እዩሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ይሁዳ፥ መቕሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን።

5ስለዙይ ናብ ይሁዳ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻት ኢየሩሳሌም ከዓ ህሙኽ ከብሎ እዩ።”

6እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ነቲ ፃድቕ ስለ ገንዘብ፥ ነቲ ፅጉም ድማ ስለ ሓደ ፅምዲ ሳእኒ ሸይጦምዎ እዮምሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት እስራኤል፥ መቕሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን።

7ንርእሲ ድኻታት ኣብ ልዕሊ ሓመድ ምድሪ ይረግፅዎ። ንመንገዲ ትሑታት ይጠዋውይዎ። ነቲ ቕዱስ ስመይ ከርክስዎ ኸዓ፥ ኣቦን ወድን ናብ ሓንቲ ሰበይቲ ይኣትዉ።

8ኣብቲ ጥቓ ዅሉ መሰውኢ፥ ነቲ ብትሕጃ ዝተወሰደ ኽዳውንቲ ተነፂፎምዎ ይድቅሱ፤ ኣብ ውሽጢ ቤት ኣምላኾም ድማ፥ ነቲ ንኻሕሳ ዝተወሰደ ወይኒ ይሰትዩ።

9“ኣነ ግና፥ ነቲ ቑመቱ ኸም ቁመት ዝግባ፥ ምፅንዑ ድማ ኸም ኣውሊዕ ንዝነበረ ኣሞራዊ፥ ካብ ቅድሚኣቶም ኣጥፋእኽዎ። ንፍረኡ ኻብ ላዕሊ፥ ንሰራውሩውን ካብ ታሕቲ ኣጥፋእኽዎ።

10ምድሪ እቲ ኣሞራዊ ምእንቲ ኽትወርሱ፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ኣውፃእኹኹም፤ ኣርብዓ ዓመት ድማ፥ ኣብ ምድረ በዳ መራሕኩኹም።

11ካብ ኣወዳት ደቅኹም ንነቢያት፥ ካብ ኣጓብዝኩም ከዓ ንናዝራውያን ኣተሳእኹ። ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ እዙይ ከምኡዶ ኣይኮነን? ይብል እግዚኣብሄር።

12ንስኻትኩም ግና ነቶም ናዝራውያን ወይኒ ኣስተኹምዎም፤ ንነቢያት ከዓ ‘ኣይትነበዩ’ ኢልኩም ኣዘዝኩምዎም።

13እንሆ፥ ከምቲ እንዳእቲ ዝመልአት ሰረገላ እትስጕድ፥ ከምኡ ኣነውን ክስጕደኩም እየ።

14ካብ ጐያዪ ህድማ ይጠፍእ፤ ብርቱዕውን ብብርተዐኡ ኣይብርትዕን፤ እቲ ሓያልውን ንነፍሱ ኣየድሕንን።

15በዓል ቀስቲ እውን ኣይቐውምን፤ እቲ ፈጣንውን ኣይድሕንን፤ ፈረሰኛውን ንባዕሉ ኣየድሕንን።

16ኣብ ማእኸል እቶም ሓያላትውን፥ እቲ የመና ተባዕ እኳ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ጥራሕ ዝባኑ ይሃድም” ይብል እግዚኣብሄር።

ትርጓሜ

2:1-8 እኩይ ትምኒት ልቢ ብብዙሕ መልክዓት ይግለጽ፤ እግዚኣብሔር ግና ንተግባርና ኸምኡውን ንሓሳባት ልብና ይርኢ። እቶም ብጭካነ ዝገብሩ፣ ብጭካነ ክሕደጎም እዮም። ካልኦት ህዝብታት ንሰባት ስለ ዝገበርዎም በደል ተሓሲቦም፤ ይሁዳ ግና ንእግዚኣብሔር ስለ ዘቖናጽልዎ ተሓሲቦም። ይሁዳ ንሕጊ እግዚኣብሔር ነዓቐቶ፤ ንሱውን ብቕንዕና ንብርቱዕ ምጥፋእ ኣሕሊፉ ሃቦም። ኣቦታቶም ዝኸዱሎም ሓሰውቲ፣ ማለት ኣማልኽቲ ምዃኖም ንሓጥኣቶም ምምኽናይ ኣይነበረሎምን። ዝኸፍኡ ፍንፉናትን ዝኸበዱ ምጭዋያትን ብገሊኦም እቶም ንእግዚኣብሔር ኣምለኽቲ ኢና ዝብሉ ዝተፈጸሙ እዮም። ከምዚ ዝበለ ተግባር ብዙሓት ናብ ዘይምእማንን ናብ ርኹስ ኣምልኾ ጣኦትን ይመርሕ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG እግዚአብሔር እንዲህ ይላል፦ “የኤዶምያስን ንጉሥ አጥንት አመድ እስኪሆን ድረስ አቃጥሎታልና ስለ ሦስት ወይም ስለ አራት የሞዓብ ኃጢአት መቅሠፍቴን ከማድረግ አልመለስም። አማርኛ ENGNIV This is what the Lord says: “For three sins of Moab, even for four, I will not turn back my wrath. Because he burned, a… English GAZBIB Amos ammas,“Waaqayyo akka jedhu! “Warri biyya Mo'aab lafee mootii Edoom gubanii nooraa mana diban waan godhataniif, ani… Afaan Oromoo BCV GIZ ከመዝ ይቤ እግዚአብሔር፦ በእንተ ሠላስ ኀጢአተ ሞአብ ወበእንተ አርባዕ ኢይመይጥ እስመ አውዐዩ አዕፅምቲሁ ለንጉሠ ኢዶምያ ለግምስስ። giz GAZGAZ Amos ammas,“Waaqayyo akka jedhu! “Warri biyya Mo'aab lafee mootii Edoom gubanii nooraa mana diban waan godhataniif, ani… Afaan Oromoo BCV aksum እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ኣዕፅምቲ ንጉስ ኤዶምያስ ሓመድ ክሳዕ ዝኸውን ኣቃፂልዎ እዩሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ሞኣብ፥ መቅሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን። ትግርኛ AMHNIV እግዚአብሔር እንዲህ ይላል፤ “ስለ ሦስቱ የሞዓብ ኀጢአት፣ ይልቁንም ስለ አራቱ፣ ቊጣዬን አልመልስም፤ የኤዶምን ንጉሥ ዐጥንት፣ ዐመድ እስኪሆን ድረስ አቃጥሎአልና፤ አማርኛ SWAHSUV Haya ndiyo asemayo Bwana; Kwa makosa matatu ya Moabu, naam, kwa manne, sitaizuia adhabu yake isimpate; kwa sababu aliic… Kiswahili