ግብሪ ሃዋርያት 7

BCV aksumትግርኛ57 ፍቕድታት8:20 ስማዕ
ስማዕ 8:20 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እቲ ሊቀ ካህናት ንእስጢፋኖስ “እዝ ነገር ከምዙይ ድዩ?”(ሀ) ኢሉ ጠየቖ።

2ንሱ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ኣቱም ኣሕዋትናን ኣቦታትናን ስምዑ። ነቦና ኣብርሃም፥ ኣብ ካራን እንተይተቐመጠ ገና ኣብ መስጴጦምያ እንተሎ፥ ናይ ክብሪ ኣምላኽ ተርኣዮ እሞ፥

3‘ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ውፃእ፤ ናብቲ ኣነ ዘርእየካ ምድሪ እውን ኪድ’ በሎ።

4ሽዑ ኻብ ምድሪ ከለዳውያን ወፂኡ፥ ኣብ ካራን ተቐመጠ። ኣቦኡ ምስ ሞተ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር ካብኡ፥ ናብዛ ሕዚ እትነብሩላ ዘለኹም ምድሪ ኣውፅኦ።

5ኣብኣ ኽንዲ መርገፂ እግሪ እትኣክል እኳ ርስቲ ኣይሃቦን፤ እንተ ኾነ ውሉድ ዘይብሉ እንተሎ፥ እታ ምድሪ ንእኡን ብድሕሪኡውን ንዘርኡ፥ ርስቲ ገይሩ ኸም ዝህቦ ተስፋ ሃቦ።

6እግዚኣብሄር ድማ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦ ‘ዘርእኻ ኣብ ካልእ ሃገር ስደተኛታት ክኾኑ እዮም፤ ነርባዕተ ሚእቲ ዓመት ከዓ፥ ከም ባርያ ኽገፍዕዎምን ከሳቕይዎምን እዮም።

7ኣነ ግና፥ ነቶም ዝገዝእዎም ህዝቢ ኽፈርዶም እየ’ ‘ብድሕሪዙይ ካብኡ ወፂኦም፥ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ኸምልኹኒ እዮም።’

8ኪዳን ከም ዝኣተወሉ ኸርኢ ድማ፥ ናይ ግርዘት ስርዓት ሃቦ። ኣብርሃም ከዓ፥ ንይስሓቅ ምስ ወለደ ብሻምነይቲ መዓልቲ ገረዞ፤ ይስሓቅ ድማ ንያእቆብ፥ ያእቆብ ከዓ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ኣቦታት ነገድ እስራኤል።

9“እቶም ቀዳሞት ኣቦታት ነገድ እስራኤል ድማ፥ ንዮሴፍ ስለ ዝቐንኡሉ፥ ናብ ግብፂ ሸጥዎ፤ እግዚኣብሄር ግና ምስኡ ነበረ።

10ካብ ኵሉ መከራኡ ኸዓ ኣውፅኦ፤ ኣብ ቕድሚ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ድማ፥ ሞገስን ጥበብን ሃቦ፤ ንሱውን ኣብ ግብፅን ኣብ ኵሉ ቤቱን፥ ኣዛዚ ገይሩ ሸሞ።

11ኣብ ኵሉ ግብፅን ከነዓንን ከዓ፥ ጥሜትን ብዙሕ መከራን ኮነ፤ ኣቦታትና ድማ ዝምገብዎ ሰኣኑ።

12ሽዑ ያእቆብ፥ ኣብ ግብፂ እኽሊ ኸም ዝርከብ ምስ ሰምዐ፥ ነቦታትና ንመጀመርታ ጊዜ ለኣኾም።

13ኣብ ካልኣይ መንገዶም ከዓ፥ ዮሴፍ ነሕዋቱ መንነቱ ገለፀሎም። ዓሌቱውን ብፈርዖን ተፈለጠ።

14ዮሴፍ ድማ፥ ነቦኡ ያእቆብን፥ ነቶም ሰብዓን ሓሙሽተን ዝኾኑ ዅሎም ኣዝማዱን፥ ልኢኹ ፀውዖም።

15ያእቆብ ድማ ናብ ግብፂ ወረደ፤ ንሱ ሞተ፤ ኣቦታትናውን ሞቱ።

16ናብ ሴኬምውን ኣግዓዝዎም፤ ኣብቲ ኣብርሃም ካብ ደቂ ኤሞር ብወርቂ ዝዓደጎ መቓብር፥ ኣብ ሴኬም ቀበርዎም።

17“እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ብማሕላ ዝሃቦ ዘመን ተስፋ ምስ ቀረበ፥ ኣብ ግብፂ ኸዓ ንዮሴፍ ዘይፈልጥ ካልእ ንጉስ ክሳዕ ዝነግስ፥ እቲ ህዝቢ ኣብ ግብፂ እናወሰኸን እናበዝሐን ከደ።

19እዝ ንጉስ እዙይ እቶም ህፃናቶም(ለ) ብህይወት ምእንቲ ኸይነብሩ፥ ኣብ ልዕሊ ዓሌትና ብተንኰል ተልዒሉ፥ ነቦታትና ኽሳዕ ናብ ምድርባይ ደቆም ዝበፅሑ፥ ገፍዖም።

20ሙሴ ድማ በቲ ዘመን እቱይ ተወለደ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርውን ምልኩዕ ነበረ፤ ሰለስተ ወርሒ ድማ፥ ኣብ እንዳ ኣቦኡ ፀንሐ።

21ምስ ተደርበየ፥ ጓል ፈርዖን ኣልዒላ ወዳ ክኸውን ኣዕበየቶ።

22ሙሴ ድማ፥ ኵሉ ጥበብ ግብፃውያን ተምሃረ፤ ብቓሉን ብስርሑን ከዓ ብርቱዕ ኾነ።

23“ሙሴ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ምስ ኮነ፥ ነሕዋቱ ደቂ እስራኤል ክሪኦም ብልቡ ሓሰበ።

24ሓደ ኻብቶም ኣሕዋቱ እንትግፋዕ ምስ ረአየ፥ ዘርዩ ነቲ ግብፃዊ ብምቕታል ሕነ ፈደየሉ።(ሐ)

25እግዚኣብሄር፥ ብኢዱ ገይሩ ኸድሕኖም ከም ዝደለየ፥ ኣሕዋቱ ዝፈልጡ መሲልዎ ነበረ፤ እንተ ኾነ ንሳቶም ኣይተረድኡን።

26ንፅባሒቱ ኽልተ ኻብቶም ኣሕዋቱ፥ ክበኣሱ እንተለዉ ረኸቦም፤ ከተዓርቖም ደልዩ ኸዓ ‘ኣቱም ሰባት፥ ንስኻትኩምስ ኣሕዋት ኢኹም፤ ስለ ምንታይ ንስንሳትኩም ትበኣሱ?’ በሎም።

27እቲ ንብፃዩ ዝዕምፆ ዝነበረ ግና፦ ‘ንኣኻ፥ ኣብ ልዕሌና ሓለቓን ፈራድን ገይሩ፥ መን ሸመካ?

28ከምቲ ትማሊ ነቲ ግብፃዊ ዝቐተልካዮ ንኣይውን ክትቀትለኒዶ ደሊኻ?’ በሎ።

29ሙሴ፥ እዝ ዘረባዙይ ምስ ሰምዐ፥ ሃደመ፤ ኣብ ምድሪ ምድያም ድማ፥ ስደተኛ ኾይኑ ተቐመጠ፤ ኣብኡ ኸዓ ኽልተ ቘልዑ ወለደ።

30“ኣብ ምድያም ኣርብዓ ዓመት ምስ ተቐመጠ ድማ፥ ኣብ ምድረ በዳ ደብረ ሲና መልኣኽ(መ) ብዝነድድ ቈጥቋጥ ተርኣዮ።

31ሙሴ ነዝ ትርኢት እዙይ ምስ ረአየ ተገረመ፤ ክጥምቶ እንተ ቐረበ ድማ፦

32‘ኣነ ኣምላኽ ኣቦታትካ፥ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን እየ’ ዝብል ድምፂ እግዚኣብሄር ሰምዐ። ሽዑ ሙሴ ኣንቀጥቀጠ፤ ክጥምት ከዓ ኣይደፈረን።

33እግዚኣብሄር ድማ ‘እዛ ደው ኢልካላ ዘለኻ ቦታ፥ ቅድስቲ ምድሪ እያ እሞ፥ ኣሳእንካ ኻብ እግርኻ ኣውፅእ።

34ናይቶም ኣብ ግብፂ ዘለዉ ህዝበይ ግፍዒ ብርግፅ ረአኹ፤ ገዓሮምውን ሰማዕኹ፤ ከድሕኖም ድማ ወረድኩ፤ ሕዚ ኸዓ ነዓ፥ ናብ ግብፂ ኽልእኸካ እየ’ በሎ።

35“ነዝ ኣባና ‘ሓለቓን ፈራድን ገይሩ፥ መን እዩ ዝሸመካ?’ ኢሎም ዝኸሓድዎ ሙሴ፥ ንእኡ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ቈጥቋጥ ብዝተርኣዮ መልኣኽ ገይሩ፥ ሓለቓን መውፅኢ ሓራን ምእንቲ ክኸውን ለኣኾ።

36ንሱ ኸዓ ኣብ ግብፅን ኣብ ባሕሪ ኤርትራን፥ ነርብዓ ዓመት ዝኣክል፥ ኣብ ምድረ በዳ ምልክትን ተኣምራትን እናገበረ ኣውፅኦም።”

37“እዝ ሙሴ እዙይ እዩ፥ ንደቂ እስራኤል ‘ከምቲ ንኣይ ዘተስአ፥ እግዚኣብሄር ካብ ኣሕዋትኩም፥ ከማይ ዝበለ ነቢይ ከተስአልኩም እዩ’ ዝበሎም።

38ኣብ ምድረ በዳ ምስቲ ማሕበርን፥ ምስቲ ኣብ ደብረ ሲና ዝተዛረቦ መልኣኽን፥ ምስ ኣቦታትናን ዝነበረ፥ ናባና ንኸመሓላልፎ ድማ፥ ናይ ህይወት ቃል ዝተቐበለ፥ ንሱ ሙሴ እዩ።

39ኣቦታትና ኣበይዎ እምበር፥ ክእዘዝዎ ኣይደለዩን፤ ብልቦምውን ናብ ግብፂ ተመለሱ።

40ንኣሮን ድማ ‘እቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅአና ሙሴ፥ እንታይ ከም ዝኾነ ስለ ዘይንፈልጥ፥ ቀቅድሜና ዝኸዱ(ሠ) ኣማልኽቲ ግበረልና’ በልዎ።

41በቲ ቕነ እቱይ፥ ብምስሊ ምራኽ ጣዖት ኣቖሙ፤ መስዋእቲ ድማ ሰውኡሉ፤ ብስራሕ ኣእዳዎምውን ደስ በሎም።

42እግዚኣብሄር ግና ኻብኣቶም ረሓቐ፤ ንኸዋኽብቲ ሰማይ ከምልኹ ኸዓ ሓደጎም። እዙይ ድማ ኸምቲ ኣብ መፅሓፍ ነቢያት ዝተፅሓፈ፦ ‘ኦ ቤት እስራኤል፥ ኣብ ምድረ በዳ ነርብዓ ዓመት ዝኣክል፥ ሕሩድ ኮነ መስዋእትታት ዘቕረብኩምለይዶ ነይሩኩም እዩ?

43ንስኻትኩም ነቶም ክተምልኽዎም ኢልኩም ዝሰራሕኹምዎም ምስልታት፥ ድንኳን ሞሎኽን ኮኸብ ሬፋን ኣምላኽኩምን ኢኹም፥ ምሳኻትኩም ዝተማላእኹም፤ ኣነ ኸዓ ኻብ ባቢሎን ንንየው፥ ከም እትስደዱ ኽገብረኩም እየ።’

44“ኣቦታትና ኣብ ምድረ በዳ፥ ናይ ምስክር ድንኳን ነበረቶም፤ ንሳ ኸዓ እታ እግዚኣብሄር ንሙሴ፥ ከምታ ዝረአያ ምስሊ ገይሩ ኽሰርሓ ዝኣዘዞ እያ።

45ኣቦታትና ምስ ተቐበልዋ ኸዓ፥ ብኢያሱ ተመሪሖም፥ ናብታ እግዚኣብሄር ንኣህዛብ፥ ካብ ገፅ ኣቦታትና ኣሳጒጉ ዘውረሶም ሃገር ኣእተውዋ፤ ክሳዕ ዘመን ዳዊትውን ኣብኡ ፀንሐት።

46ዳዊት ድማ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ ረኸበ፤ ንኣምላኽ ያእቆብ ዝኸውን መሕደሪ ኽሰርሕ ከዓ ለመነ።

47ቤት ዝሃነፀሉ ግና ሰሎሞን እዩ።

48ከምቲ ነቢይ፦ ‘ሰማይ ዙፋነይ እዩ፤ ምድሪ ኸዓ መርገፂ እግረይ እያ፤ ከመይ ዝበለ ቤት ደኣ ኢኹም እትሃንፁለይ? ይብል እግዚኣብሄር፤ ከመይ ዝበለ ስፍራኸ እዩ እቲ ኣነ ዝዓርፈሉ? ነዝ ዅሉ ነገራትስ ኢደይዶ(ረ) ኣይኮነን ዝገበሮ?’ ዝበሎ፥ እቲ ልዑል እግዚኣብሄር፥ ብኢድ ሰብ ኣብ ዝተሃንፀ ቤት ኣይነብርን እዩ።

51“ኣቱም ተረርቲ ኽሳድ፥ ልብኹምን ኣእዛንኩምን ዘይተገረዘ፤ ንስኻትኩምውን ከም ኣቦታትኩም፥ ንመንፈስ ቅዱስ ኵሉ ጊዜ ትቃወምዎ ኣለኹም።

52ካብ ነቢያትከ፥ ኣቦታትኩም ዘየሳጐጕዎ መን ኣሎ? ንሳቶም፥ ነቶም ብዛዕባ ምምፃእ እቲ ፃድቕ፥ ኣቐዲሞም ንዝነገሩ ቐተልዎም፤ ሕዚ እውን ንስኻትኩም፥ ነቲ ፃድቕ ኣሕሊፍኩም ብምሃብ ቐተልኩምዎ።

53ንስኻትኩም ነቲ ሕጊ፥ ብኢድ መላእኽቲ ተቐቢልኩምዎ ኔርኩም፤ እንተ ኾነ ኣይሓለኹምዎን።”

54ንሳቶም ከዓ ነዙይ ምስ ሰምዑ፥ ልቦም ነደደ፤ ኣስናኖምውን ሓርቀሙሉ።

55ንእስጢፋኖስ ግና መንፈስ ቅዱስ መልኦ፤ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ክብሪ እግዚኣብሄርን፥ ኢየሱስ ድማ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ቆይሙን(ሰ) ረአየ።

56ሽዑ “እንሆ ሰማይ ተኸፊቱ፥ ወዲ ሰብ ድማ፥ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ቆይሙ እርኢ ኣለኹ” በለ።

57ንሳቶምውን ዓው ኢሎም ድምፂ እናስምዑ፥ ኣእዛኖም ደፊኖም ድማ፥ ብሓደ ልቢ ኾይኖም ናብኡ ጐየዩ።

58ካብታ ኸተማ ኣውፂኦም ከዓ፥ ብእምኒ ቐጥቂጦም ቀተልዎ፤ እቶም ዝቐተልዎ ድማ፥ ክዳውንቶም ኣብ ጥቓ ኣእጋር ሳውል ዝበሃል ጐበዝ ኣንበሩ።

59ብእምኒ ቐጥቂጦም ክቐትልዎ እንተለዉ ኸዓ እስጢፋኖስ “ኦ ጐይታ ኢየሱስ! ንነፍሰይ ተቐበላ” ኢሉ ፀለየ።

60ተንበርኪኹ ኸዓ ብዓብዪ ድምፂ “ኦ ጐይታ፥ ነዙ ሓጢኣት እዙይ ኣይትቝፀረሎም” በለ። እዙይ ምስ በለውን ዓረፈ።

ትርጓሜ

7:1-16 እስጢፋኖስ ንኣምላኽ ዘጸርፍን ካብ ቤተ ክርስትያን ዝኸሐደን ተባሂሉ ተኸሲሱ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ፡ ኣነ ወዲ ኣብርሃም እየ፣ ኢሉ ኣንጺሑዎም፡ በዚ ድማ ይምካሕ ነይሩ። እቲ ንኣብርሃም ዝተገብረ ምብጻሕ ብዝዘሓለ ስጉምትታት ናብ ምፍጻሙ ዘቕነዐሉ ኣገባብ፡ ብንጹር መንፈሳዊ ትርጉም ከም ዝነበሮን እታ ዝተሓስበት ምድሪ ድማ ሰማያዊት ምዃናን የርኢ። ኣምላኽ ኣብ ጸገማት ዮሴፍ ምሳኡ ነበረ። ብሓይሊ መንፈሱ ድማ ንእኡ ንነፍሱ መጸናንዒ ብምሃብ ከምኡ እውን ነቶም ዝርከቦም ዝነበረ ሰባት ኣብ ቅድሚኦም ሞገስ ብምሃብ ምሳኡ ነበረ። እስጢፋኖስ ንኣይሁድ፡ ነቲ ብኽብሪ እታ ሃገር ዝምክሕዎ ዝነበሩ ንምግታእ፡ ብዛዕባ እቲ ትሑት መጀመርያኦም የዘኻኽሮም። ከምኡ እውን ብዛዕባ እቲ ወለዲ ነገድታቶም ንሓዎም ዮሴፍ ብምቕናኦም ዝገበሩዎ ክፉእ ተግባር የዘኻኽሮም። እቲ ሓደ መንፈስ ድማ ናብ ክርስቶስን ኣገልገልቱን ገጾም ገና ይዓዪ ነይሩ እዩ። እምነት እቶም ወለዲ፡ ኣብ ምድሪ ከነኣን ክቕበሩ ብምምማዮም፡ ንሰማያዊት ሃገር ከም ዝሓስቡ ብንጹር የርኢ ነይሩ። እቶም ዝተዛብዑ ልምድታትን ኣረኣእያታትን ናብ ቐዳማይ ምንጮም ምምላስ ጽቡቕ እዩ። ንባህሪን ፍረታትን ናይቲ ምስጋት ዘምጽእ እምነት ክንፈልጥ እንተ ደኣ ኮይንና፡ ንባህሪ ኣቦ እቶም እሙናት ክንምርምር ኣሎና። ጽውዓኡ፡ ንሓይሊን ነጻነትን ናይ መለኮታዊ ጸጋ የርኢ፡ ከምኡ እውን ንባህሪ ሓዳስ ልደት። ኣብዚ ድማ ንርኢ፡ ግዳማዊ ቅርጽታትን ፍልልያትን ምስ ካብ ዓለም ምፍላይን ንኣምላኽ ምውፋይን ክነጻጸሩ እንከለዉ፡ ብኸንቱ ምዃኖም።

7:17-29 ናይ ኣምላኽ ተስፋታት ብዝዘግየ ምፍጻሙ ኣይንተስፋ ቑረጽ። እዋናት ስቅያት መብዛሕትኡ ግዜ ንቤተ ክርስትያን ዘመናት ዕብየት እዮም። ኣምላኽ፡ መዓልቲ ህዝቡ ብዝበለጸ ኣብ ዝጸልመተሉን ጭንቀቶም ድማ ብዝበለጸ ኣብ ዝጠሓለሉን እዋን፡ ምድሓኖም የዳሉ ኣሎ። ሙሴ ኣዝዩ መልክዓም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ መልክዓም ነይሩ። እዚ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዓብዪ ዋጋ ዘለዎ ጽባቐ ቅድስና እዩ። ኣብ ጥፍሽኡ ብድንቂ ተሓልዩ፤ ምኽንያቱ ኣምላኽ ፍሉይ ኣገልግሎት ክጥቀመሎም ንዝሓስቦም ፍሉይ ክንክን ይገብር እዩ። እምበኣርከስ፡ ነቲ ሕጻን ሙሴ ብኸምዚ ኣገባብ እንተሓልይዎ፡ ክሳዕ ክንደይኮን ንረብሓታት ቅዱስ ወዱ የሱስ ካብቶም ኣብኡ ዝተኣከቡ ጸላእቲ ዝያዳ ክሕልዎ እዩ! እስጢፋኖስ ንክርስቶስን ወንጌሉን ንምክልኻል ኣብ ዝገበሮ ምጥርናፍ ኣሳደድዎ። ኣንጻር እዚ ድማ ንሙሴን ሕጉን ከም መሰረት ኣቕረቡ። ብፍቓዶም ንብርሃን ዓይኖም እንተዘይዓጺዮም፡ ኣምላኽ በዚ የሱስ ገይሩ፡ ካብቲ ናይ ግብጺ ዝኸፍአ ባርነት ከድሕኖም ምዃኑ ክርድኦም ይኽእል እዩ። ሰባት መከራኦም እንተ ኣናውሕዎ እኳ፡ ጐይታ ግና ንኣገልገልቱ ክንክን ይገብር፡ ሓሳባቱ ናይ ምሕረት ድማ ብተባዕትነት የፍጽሞም።

7:30-41 ሰባት ኣምላኽ ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ንሱ ዝሓይሽ ዝርእዮ ክገብር ኣይክእልን እዩ እንተደኣ ኢሎም ሓሲቦም፡ ርእሶም የታልሉ። ንህዝቡ ናብ ምድረበዳ ከምጽኦም፣ ኣብኡ ድማ ብምጽንናዕ ክዛረቦም ይኽእል እዩ። ንሙሴ ብሃልሃልታ ሓዊ ተራእዮ፣ ግናኸ እታ ቁጥቋጥ ኣይተቓጸለትን። እዚ ድማ ኣብ ግብጺ ናይ እስራኤል ኩነታት የመልክት ነይሩ። ኣብኡ፣ ኣብ ሓዊ መከራ እኳ እንተነበሩ፣ እንተኾነ ግና ኣይተቓጸሉን።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6