ግብሪ ሃዋርያት 23

BCV aksumትግርኛ35 ፍቕድታት5:58 ስማዕ
ስማዕ 5:58 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ሽዑ ጳውሎስ፥ ነቶም ኣብ መጋባእያ ዝተኣከቡ ኣትኲሩ እናጠመተ “ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ኣነ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፥ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሄር ብንፁህ ሕሊና እየ ዝተመላለስኩ” በሎም።

2ሓናንያ እቲ ሊቀ ካህናት ግና፥ ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኣፉ ኽፀፍዕዎ ኣዘዘ።

3ጳውሎስ ድማ ንእኡ “ኣታ ዝተለመፀ መንደቕ፥ እግዚኣብሄር ክወቕዐካ እዩ። ንስኻ ብሕጊ ኽትፈርደኒ ኣብ መንበር ተቐሚጥካስ፥ ብዘይ ሕጊ ኽወቕዑኒዶ ትእዝዝ ኣለኻ?” በሎ።

4እቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኸዓ፥ “ንምንታይ ንናይ እግዚኣብሄር ሊቀ ካህናት ትፃረፍ ኣለኻ?” በልዎ።

5ጳውሎስ ድማ “ኣሕዋተይ፥ ሊቀ ካህናት ምዃኑ ብዘይምፍላጠይ እየ፤ ‘ንሹም ህዝብኻ ኣይትፅረፍ’ ዝብል ተፅሒፉ እዩ እሞ” በሎም።

6ጳውሎስ ከዓ ገሊኣቶም ሰዱቃውያን፥ ገሊኣቶም ፈሪሳውያን ምዃኖም ምስ ፈለጠ፥ ኣብቲ መጋባእያ ዓው ኢሉ “ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ኣነ ፈሪሳዊ ወዲ ፈሪሳዊ እየ፤ ምዉታን ከም ዝትስኡ ተስፋ ስለ ዝገብር እዩ፥ ዝፍረደኒ ዘሎ” በሎም።

7እዙይ ምስ ተዛረበ፥ ኣብ መንጎ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ባእሲ ኾነ፤ እቲ ኣኼባውን ተፈላለየ።

8ሰዱቃውያን፥ ትንሳኤ ሙታን፥ መልኣኽ፥ ወይ መንፈስ የለን ዝብሉ እንትኾኑ፥ ፈሪሳውያን ግና እዝ ኵሉ ኸም ዘሎ ይኣምኑ ነበሩሞ።

9ብዙሕ ዋዕዋዕታ ድማ ኾነ፤ ካብ ወገን ፈሪሳውያን ዝኾኑ ሓድሓደ መምህራን ሕጊ፥ “ኣብዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ሓደኳ ኽፉእ ነገር ኣይረኸብናን፤ መንፈስ ወይ መልኣኽ ተናጊርዎ እንተ ኾነኸ፥ እንታይ ንፈልጥ?” እናበሉ ተሲኦም ተኸራኸሩ።

10ብዙሕ ባእሲ ምስ ኮነ፥ እቲ ሓለቓ ሽሕ፥ እቶም ህዝቢ ንጳውሎስ ከይምንዝዕዎ ፈሪሑ፥ ነቶም ወታደራት “ወሪድኩም ካብ ማእኸሎም ሒዝኩም፥ ናብ ሰፈር ወታደራት ኣብፅሕዎ” ኢሉ ኣዘዞም።

11በታ ኻልአይቲ ለይቲ ኸዓ፥ ጐይታ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሉ፥ “ጳውሎስ፥ ከምቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ብዛዕባይ ዝመስከርካዮ፥ ከምኡውን ኣብ ሮሜ ክትምስክረለይ ኢኻ እሞ፥ ኣይዞኻ” በሎ።

12ምድሪ ምስ ወግሐ ኸዓ ኣይሁድ፥ “ንጳውሎስ ክሳዕ እንቐትሎ ኣይንብላዕ፥ ኣይንስተ” ኢሎም ተመሓሓሉ።

13እቶም ከምዙይ ዝተማሓሓሉ ድማ፥ ካብ ኣርብዓ ዝበዝሑ ነበሩ።

14ንሳቶም ከዓ፥ ናብ ሊቃነ ካህናትን ናብ ሽማግለታትን ከይዶም፥ “ንሕና ‘ንጳውሎስ እንተይቀተልና፥ ዝኾነ ኸይንጥዕም ተመሓሒልና ኣለና’።

15ሕዚ ድማ ንስኻትኩም፥ ምስቶም ኣብ መጋባእያ ዝተኣከቡ ዄንኩም፥ ንጳውሎስ ናባኻትኩም ከውፅኦ እሞ፥ ኣፀቢቕኩም ክትምርምሩ ኸም ዝደለኹም ጌርኩም፥ ነቲ ሓለቓ ሽሕ ንገርዎ፤ ንሕና ኸዓ ኣባኻትኩም እንተይበፅሐ ኽንቀትሎ ተዳሊና ኣለና” በልዎም።

16ወዲ ሓፍቱ ንጳውሎስ ከዓ፥ ነዝ ምኽሮም ሰሚዑ ኸደ፤ ናብቲ ሰፈር ወታደር ኣትዩ ድማ፥ ንጳውሎስ ነገሮ።

17ጳውሎስ ድማ፥ ካብቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ ንሓደ ፀዊዑ፥ “እዝ ወዲ እዙይ፥ ንሓለቓ ሽሕ ዝነግሮ ነገር ኣለዎ እሞ፥ ናብኡ ውሰዶ” በሎ።

18እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኸዓ፥ ሒዙ ምስኡ ወሲዱ፥ ናብቲ ሓለቓ ሽሕ ኣእተዎ እሞ “እቲ እሱር ጳውሎስ፥ ናብኡ ፀዊዑ፥ እዝ ወዲ እዙይ ዝነግረካ ዘረባ ስለ ዘለዎ፥ ናባኻ ኸእትዎ ለሚኑኒ” በሎ።

19እቲ ሓለቓ ሽሕ ከዓ፥ ነቲ ወዲ ብኢዱ ሒዙ፥ ንበይኑ ኣግልስ ኣቢሉ፥ “እቲ ኽትነግረኒ እትደልዮ እንታይ እዩ” ኢሉ ጠየቖ።

20ንሱ ኸዓ “ኣይሁድ፥ ንጳውሎስ ብዛዕባኡ ኣፀቢቖም ክጥይቕዎ ኸም ዝደለዩ ኣምሲሎም፥ ፅባሕ ናብ መጋባእያ ኽተውርደሎም ክልምኑኻ ተማኺሮም ኣለዉ።

21ካብኣቶም ካብ ኣርብዓ ዝበዝሑ ሰባት ይፀናተዉ ኣለዉ፤ ንእኡ ኽሳዕ ዝቐትልዎ ድማ፥ ከይበልዑን ከይሰትዩን ተመሓሒሎም ኣለዉ። ሕዚ ኽሳዕ እትልእኸሎም እዮም ዝፅበዩ ዘለዉ። ንስኻ ግና ሕራይ ኣይትበሎም” በሎ።

22ድሕሪዙይ እቲ ሓለቓ ሽሕ ነቲ ወዲ “ንኣይ ከም ዝነገርካኒ፥ ንኻልእ ኣይትንገር” ኢሉ፥ ኣጠንቂቑ ሰደዶ።

23ብድሕሪኡ ንኽልተ ኣሕሉቕ ሚእቲ ፀዊዑ፥ “ንቂሳርያ ዝኸዱ ኽልተ ሚእቲ ወታደራት፥ ሰብዓ ፈረሰኛታት፥ ክልተ ሚእቲ ሰብ ኲናት፥ ለይቲ ብሳልሰይቲ ሰዓት ኣዳልዉ።

24ንጳውሎስ ከዓ መፅዓኛ ቐርቡሉ፤ ናብ ፊልክስ እቲ ገዛኢ ቂሳርያ ድማ ኣብፅሕዎ” በሎም።

25ከምዙይ ኢሉውን መልእኽቲ ፀሓፈ፦

26“ካብ ቀላውዴዎስ ሉስዮስ፥ ናብ ክቡር ሹም ፊልክስ፥ ሰላም ንኣኻ ይኹን።

27ነዝ ሰብኣይ እዙይ ኣይሁድ ሒዞም፥ ክቐትልዎ ደልዮም ነበሩ፤ ኣነ ግና ሮማዊ ዜጋ ምዃኑ ምስ ፈለጥኩ፥ ምስ ወታደራት መፂአ ኣናገፍክዎ።

28እቲ ዝኸሱሉ ምኽንያት ክፈልጥ ደልየ ኸዓ፥ ናብ መጋባእያኣቶም ኣቕረብክዎ።

29ሽዑ ብዛዕባ ኽርክር ሕጎም ከም ዝኸሰስዎ ደኣ እምበር፥ ናብ ሞት ወይ ናብ ማእሰርቲ ዘብፅሕ ክሲ፥ ከቶ ኣይረኸብኩሉን።

30ነዝ ሰብኣይ እዙይ ይፀናተውዎ ኸም ዘለዉ ምስ ሰማዕኹ ኸዓ፥ ብቕልጡፍ ናባኻ ሰዲደዮ ኣለኹ፤ ነቶም ከሰስቱውን፥ ኣብ ቕድሜኻ ክኸስዎ ኣዚዘዮም ኣለኹ፤ ደሓን ኩን።”(ሀ)

31እቶም ወታደራት ድማ ኸምቲ ዝተኣዘዝዎ፥ ንጳውሎስ ወሲዶም፥ ብለይቲ ናብ ኣንቲጳጥሪስ ኣብፅሕዎ።

32ንፅባሒቱ ነቶም ፈረሰኛታት ምስኡ ክኸዱ ሓዲጎምዎም፥ ናብ ሰፈሮም ተመለሱ።

33እቶም ፈረሰኛታት ናብ ቂሳርያ ምስ ኣተዉ ድማ፥ ነታ መልእኽቲ ንፊልክስ ሃብዎ፤ ንጳውሎስውን ኣብ ቅድሚኡ ደው ኣበልዎ።

34ነታ መልእኽቲ ምስ ኣንበባ ኸዓ፥ ናይ መን ግዝኣት ተወላዳይ ምዃኑ ጠየቖ። በዓል ቂልቅያ ምዃኑ ምስ ፈለጠ፥

35“እምበኣር ከሰስትኻ ምስ መፁ፥ ሽዑ ኽሰምዐኩም እየ” በሎ። ኣብ ናይ ሄሮድስ ቤተ መንግስቲ ኣእትዮም ንኽሕልውዎ ኸዓ ኣዘዘ።

ትርጓሜ

23:1-5 ኣብዚ ሕብሪ ሓቀኛ ሰብ ንርኢ። ንሱ ንኣምላኽ ኣብ ቅድሚኡ የንብር እሞ፡ ኣብ ቅድሚኡ ዀይኑ ድማ ይነብር። ንዚብሎን ንዚገብሮን ኵሉ ብሕልና ይምርምሮ እሞ፡ በቲ ዘለዎ ዝበለጸ ፍልጠት መሰረት ድማ፡ ካብ ኵሉ እኩይ ይርሕቕ፡ ንሰናይ ከኣ ይጸንዕ። ኣብ ኵሉ ቓላቱን ኣካይድኡን ሕልናዊ እዩ። እቶም ከምዚ ገይሮም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዚነብሩ፡ ከም ጳውሎስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽን ናብ ሰብን ትብዓት ከም ዚህልዎም ይኽእል እዩ።

እኳ ደኣ እቲ መልሲ ጳውሎስ ቅኑዕ ወቐሳን ትንቢትን ዝሓዘ እንተነበረ፡ ንሱ ግና፡ በቲ ዝተገብረሉ ኣገባብ ኣዝዩ ተቖጢዑ ዚመስል እዩ። ንዓበይቲ ሰባት ብዛዕባ ጌጋኦም ኪንገሮም ይከኣል እዩ፡ ህዝባዊ ቅርሕንቲ ኸኣ ብቕኑዕ ኣገባብ ኪቐርብ ይኽእል እዩ። ግናኸ ሕጊ ኣምላኽ ነቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ኣኽብሮት ይሓትት።

23:6-11 ፈሪሳውያን ብእምነት ናይ ኣይሁድ ቤተ ክርስትያን ቅኑዓት ነበሩ። ሰዱቃውያን ንቅዱሳት ጽሑፋትን መለኮታዊ ምግላጽን ፈጺሞም ኣይቕበሉን ነበሩ፤ መጻኢ ህይወት ከምዘየለ ይኽሕዱ ነበሩ፤ ናይ ዘለኣለማዊ ሓጎስ ተስፋ የብሎምን፡ ናይ ዘለኣለማዊ ስቓይ ድማ ፍርሂ ኣይነበሮምን። ጳውሎስ ክርስትያን ስለዝኾነ ምስ ተሓተተ፡ ብሓቂ ንሱ ብምኽንያት ተስፋ ትንሳኤ ምዉታት ከምዝተሓተተ ክዛረብ ይኽእል ነበረ። እዚ ንሱ ኣብዛ ብክርክር ዝሓዘት ነጥቢ ዘርኣዮ ኣረኣእያ፡ ነቶም ፈሪሳውያን ካብ ምጽራር ንምእላዮም፡ ከምኡውን ካብቲ ዘይሕጋዊ ዓመጽ ንኽከላኸልዎ ንምምራሕ ቅኑዕ ተግባር ነበረ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ጳውሎስም ሸንጎውን ትኵር ብሎ ተመልክቶ፦ “ወንድሞች ሆይ፥ እኔ እስከዚች ቀን ድረስ በመልካም ሕሊና ሁሉ በእግዚአብሔር ፊት ኖሬአለሁ” አለ። አማርኛ ENGNIV Paul looked straight at the Sanhedrin and said, “My brothers, I have fulfilled my duty to God in all good conscience to… English BCV ሽዑ ጳውሎስ፥ ነቶም ኣብ መጋባእያ ዝተኣከቡ ኣትኲሩ እናጠመተ “ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ኣነ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፥ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሄር ብንፁህ ሕሊና እየ ዝተመላለስኩ” በሎም። ትግርኛ GAZBIB Phaawulos ija warra yaa'ii keessa ilaalee, ?Jarreen obboloota nana! Ani hamma guyyaa har'aatti garaan koo utuu ana hin … Afaan Oromoo BCV GIZ ወነጺሮ ጳውሎስ ዐውደ ይቤሎሙ፦ “አንሰኬ ኦ አኀውየ በኵሉ ትምህርት ሠናይ ተፀመድክዎ ለእግዚአብሔር እስከ ዛቲ ዕለት።” giz GAZGAZ Phaawulos ija warra yaa'ii keessa ilaalee, ?Jarreen obboloota nana! Ani hamma guyyaa har'aatti garaan koo utuu ana hin … Afaan Oromoo AMHNIV ጳውሎስም ወደ ሸንጎው ትኵር ብሎ በመመልከት፣ “ወንድሞች ሆይ፤ እኔ እስከዚች ቀን ድረስ በእግዚአብሔር ፊት በንጹሕ ሕሊና ተመላልሻለሁ” አለ። አማርኛ SWAHSUV Paulo akawakazia macho watu wa baraza, akasema, Ndugu zangu, mimi kwa dhamiri safi kabisa nimeishi mbele za Mungu hata … Kiswahili