1ድሕሪዙይ ጳውሎስ ካብ ኣቴና ወፂኡ፥ ናብ ቆሮንቶስ ከደ።
2ቀላውዴዎስ ቄሳር፥ ኵሎም ኣይሁድ ካብ ሮሜ ክወፁ ኣዚዙ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ምስ ሰበይቱ ጵርስቅላ ኻብ ኢጣልያ ሽዑ ቕነ ዝመፀ፥ ሓደ ኣቂላስ ዝበሃል ኣይሁዳዊ በዓል ጳንጦስ፥ ኣብ ቆሮንቶስ ነበረ። ጳውሎስ ከዓ ምስኣቶም ተራኸበ።
3ከምኣቶም ሰፋዪ ድንኳን ስለ ዝነበረ ድማ፥ እናሰርሐ ምስኣቶም ተቐመጠ።
4ሰንበት ሰንበት፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ(ሀ) እናሰበኸ ድማ፥ ንኣይሁድን ንግሪካውያንን የረድኦም ነበረ።
5ሲላስን ጢሞቴዎስን ካብ መቄዶንያ ናብ ቆሮንቶስ ምስ መፁ፥ ጳውሎስ፥ ኢየሱስ መሲሕ ከም ዝኾነ፥ ኣበርቲዑ ይምስክር ነበረ።
6ንሳቶም ምስ ተቓወምዎን ምስ ፀረፍዎን ግና፥ ክዳኑ ነጊፉ፥ “ደምኩም ኣብ ርእስኹም ይኹን፤ ኣነ ንፁህ እየ፤ ድሕሪ ሕዚ ናብ ኣህዛብ ክኸይድ እየ” በሎም።
7ካብኡ ወፂኡ ድማ፥ ኣብ እንዳ እቲ ገዛኡ ኣብ ጥቓ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ዝነበረት፥ ንእግዚኣብሄር ዘምልኽ ኢዮስጦስ ናብ ዝበሃል ሰብ ኣተወ።
8ቀርስጶስ ዝበሃል መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ከዓ፥ ምስ ስድራ ቤቱ ብጐይታ ኣመነ፤ ብዙሓት ካብ ሰብ ቆሮንቶስውን፥ ትምህርቲ ጳውሎስ ሰሚዖም፥ ኣመኑን ተጠመቑን።
9ጐይታ ኸዓ፥ ንጳውሎስ ለይቲ ብራእይ ከምዙይ በሎ፦ “ኣይትፍራሕ፤ ተዛረብ ደኣ እምበር ስቕ ኣይትበል።
10ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሕ ህዝቢ ኣለኒ፤ ኣነ ምሳኻ ስለ ዝኾንኩ ድማ፥ ክጐድአካ ዝኽእል ሓደኳ የለን” በሎ።
11ጳውሎስ ኣብ ማእኸሎም ቃል እግዚኣብሄር እናመሃረ፥ ዓመትን መንፈቕን ኣብ ቆሮንቶስ ተቐመጠ።
12ጋልዮስ ሹም ኣካይያ እንተሎ፥ ኣይሁድ ሓቢሮም ኣብ ልዕሊ ጳውሎስ ተሲኦም፥ ናብ መጋባእያ ኣቕረብዎ።
13“ካብ ሕጊ ወፃኢ፥ ሰባት ንእግዚኣብሄር ከምልኽዎ ይሓባብል ኣሎ” እናበሉ ድማ ኸሰስዎ።
14ጳውሎስ መልሲ ኽህብ ምስተዳለወ ድማ፥ ጋልዮስ ንኣይሁድ ከምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ኣይሁድ፥ ብዛዕባ ዝኾነ ዓመፅ ወይ ክፉእ ግብሪ እንተ ዝኸውንስ፥ ሃዲአ ኽሰምዐኩም ግቡእ ነይሩ፤
15ሕዚ ግና ክትዕኹም፥ ብዛዕባ ቃልን፥ ስምን፥ ናይ ባዕልኻትኩም ሕግን ስለ ዝኾነ፥ ባዕልኻትኩም ትፈልጡ፤ ኣነ ናይዝ ነገር እዙይ ፈራዲ ክኸውን ኣይደልን” በሎም።
16ካብቲ መጋባእያውን ሰጐጎም።
17እቶም ግሪካውያን ኵላቶም ንሶስቴንስ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ሒዞም፥ ኣብ ቕድሚ መጋባእያ ዘበጥዎ፤ እንተ ኾነ ጋልዮስ፥ ነዝ ነገር እዙይ ኣይተገደሰሉን።
18ጳውሎስ ኣብ ቆሮንቶስ፥ ምስ ብፆቱ ንቑሩብ መዓልቲ ምስ ቀነየ፥ ካብቶም ኣሕዋት ተሰናቢቱ፥ ምስ ጵርስቅላን ኣቂላን፥ ብመርከብ ናብ ሶርያ ኸደ። ቅድሚ ምኻዱ ግና መብፅዓ ስለ ዝነበሮ፥ ክንክራኦስ ኣብ ዝተብሃለ ኸተማ ርእሱ ተላፀየ።
19ኣብ ኤፌሶን ምስ በፅሑ፥ ንጵርስቅላን ኣቂላን ኣብኡ ሓደጎም፤ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣትዩ ድማ፥ ምስቶም ኣይሁድ ተነጋገረ።
20ንሳቶምውን ብዙሕ መዓልቲ ምስኣቶም ክፀንሕ ለመንዎ፤ እንተ ኾነ ሕራይ ኣይበሎምን።
21ከፋንውዎ እንተለዉ “በቲ ዝመፅእ በዓል፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ግድን ከኽብር ኣለኒ። ፍቓድ እግዚኣብሄር እንተ ኾይኑ፥ ናባኻትኩም ክምለስ እየ” ኢሉ ተሰናቢቱ፥ ካብ ኤፌሶን ብመርከብ ከደ።
22ኣብ ቂሳርያ ምስ በፅሐ፥ ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣትዩውን ንኣመንቲ ሰላም ምስ በለ፥ ናብ ኣንፆኪያ ወረደ።
23ቁሩብ መዓልቲ ኸዓ ኣብኣ ቐነየ፤ ካብኣ ተልዒሉ ኣብ ሃገር ገላትያን ፍርግያን እናዞረ፥ ንዅሎም ደቀ መዛሙርት ኣፀናንዖም።
24ሓደ ኣጵሎስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ በዓል እስክንድርያ፥ ምሁር ቅዱሳት መፃሕፍትን፥ ክእለት ዘረባ ዘለዎን ሰብኣይ፥ ናብ ኤፌሶን መፀ።
25ንሱ ብዛዕባ መንገዲ ጐይታ ምሁር ነበረ፤ ንሱ ብጥምቀት ዮሃንስ ጥራሕ ዝተጠመቐ እኳ እንተ ነበረ፥ ብመንፈስ ተለዓዒሉ፥ ብዛዕባ ኢየሱስ ኣበርቲዑ ይሰብኽን ይምህርን ነበረ።
26ንሱ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ፥ ብትብዓት ክምህር ጀመረ፤ ጵርስቅላን ኣቂላን ምስ ሰምዕዎ ኸዓ፥ ናብ ገዛኦም ወሲዶም፥ መንገዲ ጐይታ ኣፀቢቖም ኣረድእዎ።
27ናብ ኣካይያ ክሓልፍ ምስ ሓሰበ፥ እቶም ኣሕዋት ኣተባብዕዎ፤ ነቶም ኣብ ኣካይያ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርት ድማ፥ ክቕበልዎ ፀሓፉሎም፤ ኣብኣቶም ምስ በፅሐ ኸዓ፥ ነቶም ብፀጋ እግዚኣብሄር ዝኣመኑ ብዙሕ ረድኦም።
28ኢየሱስ መሲሕ ከም ዝኾነውን፥ ካብ መፃሕፍቲ እናርኣየ፥ ንኣይሁድ ኣብ ቕድሚ ዅሉ በርቲዑ የረድኦም ነበረ።