1ካብ ይሁዳ ናብ ኣንፆኪያ ናይ ሶርያ ዝኸዱ ሰባት ድማ፥ ነቶም ኣሕዋት ከም “ስርዓት ሙሴ እንተ ዘይተገሪዝኩም ክትድሕኑ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ኢሎም መሃርዎም።
2ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ፥ ኣብ መንጎኦምን ኣብ መንጎ ጳውሎስን በርናባስን፥ ፅልእን ክርክርን ምስ ኮነ፥ ጳውሎስን በርናባስን ምስ ካልኦት ኣሕዋት ኮይኖም፥ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ናብ ኢየሩሳሌም፥ ናብ ሃዋርያትን ሽማግለታትን(ሀ) ክኸዱ ተወሰነ።
3ሽዑ ንሳቶም ካብታ ቤተ ክርስቲያን ምስተልኣኹ፥ እቶም ኣህዛብ ከመይ ኢሎም፥ ናብ እግዚኣብሄር ከም ዝተመለሱ እናነገርዎም፥ ብፊንቄን ብሰማርያን ሓለፉ፤ እዙይ ከዓ ንዅሎም ኣሕዋት ኣሐጐሶም።
4ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በፅሑ ድማ፥ እታ ቤተ ክርስቲያንን ሃዋርያትን ሽማግለታትን ተቐበልዎም፤ ንሳቶም ድማ፥ ነቲ እግዚኣብሄር ምስኣቶም ኮይኑ ዝገበሮ ዅሉ ነገርዎም።
5ካብቶም ዝኣመኑ ወገን ፈሪሳውያን ገሊኣቶም ተሲኦም “ኣህዛብ ክግረዙን፥ ሕጊ ሙሴ ኽሕልዉን ምግባር ይግባእ እዩ” እናበሉ ተዛረቡ።
6እቶም ሃዋርያትን ሽማግለታትን ከዓ፥ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ክማኸሩ ተኣከቡ።
7ብዙሕ ክትዕ ምስ ኮነ ኸዓ፥ ጴጥሮስ ተሲኡ፦ “ኣቱም ኣሕዋትና፥ ካብ መጀመርታኡ፥ ኣህዛብ ብኣፈይ ቃል ወንጌል ክሰምዑን ክኣምኑን፥ እግዚኣብሄር ከም ዝሓረየኒ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።
8እቲ ልቢ ዝፈልጥ ኣምላኽ፥ ከምቲ ንኣና ዝሃበና፥ ንኣኣቶምውን መንፈስ ቅዱስ ብምሃቡ፥ ከም ዝተቐበሎም መስከረሎም።
9ልቦም ብእምነት ስለ ዘንፅሀ፥ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኣቶምን፥ ሓንቲ እኳ ኣይፈላለየን።
10እምበኣርከስ፥ ነቲ ኣቦታትና ኾነ ንሕና ኽንፆሮ ዘይከኣልና ኣርዑት፥ ኣብ ክሳድ ደቀ መዛሙርት ብምፅዓን፥ ስለ ምንታይ ንእግዚኣብሄር እትፈታተንዎ?
11ንሕናውን ከምኣቶም፥ ብፀጋ ጐይታና ኢየሱስ፥ ከም እንድሕን ኢና እነኣምን” በሎም።
12ሽዑ ዅሎም እቶም ህዝቢ ስቕ በሉ፤ በርናባስን ጳውሎስን ከዓ፥ እግዚኣብሄር ብኣኣቶም ገይሩ፥ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ምልክትን ተኣምራትን፥ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ከም ዝገበረ ኽነግርዎም እንተለዉ፥ ፅን ኢሎም ይሰምዑ ነበሩ።
13ንሳቶም ስቕ ምስ በሉ ኸዓ ያእቆብ፦ “ኣቱም ኣሕዋትና ስምዑኒ፦
14ኣምላኽ፥ ንስሙ ህዝቢ ምእንቲ ኸቕውም፥ ቅድም ንኣህዛብ ከመይ ገይሩ ኸም ዝበፅሖም፥ ስምኦን ተናጊሩ ኣሎ።
15“እዝ ነገር እዙይ፥ ምስቲ ቓል ነቢያት ዝሰማማዕ እዩ፤ ከምቲ ፅሑፍ ዝብሎ፦
16‘ብድሕሪዙይ ክምለስ እየ፤ ነታ ወዲቓ ዘላ ቤት ዳዊት፥ ከም ብሓድሽ ክሰርሓ፥ ነቲ ዑናኣ ኸዓ መሊሰ ኽሓንፆን ከቑሞን እየ፤
17እዙይ ከዓ እቶም ዝተረፉ ሰባትን፥ እቶም ስመይ ኣብኣቶም ዝተፀውዐ ዅሎም ኣህዛብን፥ ንጐይታ ምእንቲ ኽደልዩ ኢለ እየ፤ ይብል ነዙይ ዝገብር ጐይታ።
18ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዅሉ ስራሑ፥ ብእግዚኣብሄር ዝተፈልጠ እዩ።’
19“እምበኣርከስ፥ ነቶም ካብ ኣህዛብ፥ ናብ እግዚኣብሄር ዝምለሱ ዘለዉ፥ ኣይነኽብደሎም።
20እኳ ደኣ ‘ንጣዖታት ብዝተሰውአ ኸይረኽሱ፥ ካብ ዝሙት፥ ዝበኸተ ስጋ እንስሳን፥ ደምን፥ ካብ ምብላዕ ተኸልከሉ’(ለ) ኢልና ንፅሓፈሎም።
21ነዝ ኻብ ጥንቲ ጀሚሩ፥ ሰንበት ሰንበት ኣብ ቤተ ፀሎቶም፥ ሕጊ ሙሴ ስለ ዝንበብ፥ ኣብ ኵሉ ዓዲ ዝሰብክዎ ኣለዉ” በሎም።
22ሽዑ እቶም ሃዋርያትን ሽማግሌታትን፥ ምስ ኵላ ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም፥ ምስ ጳውሎስን በርናባስን፥ ናብ ኣንፆኪያ ዝሰድዎም ሰባት፥ ካብ መንጎኣቶም ክመርፁ ተሰማምዑ፤ ስለዙይ ከዓ ነቶም ኣብ ማእኸል ኣሕዋት ካብ ዝነበሩ ዋናታት፥ በርሰባስ ዝብልዎ ይሁዳን ሲላስን መረፁ።
23ከምዙይ እትብል መልእኽቲ ፅሒፎም ድማ፥ ብኢድ እዚኣቶም ሰደዱ፦ “ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ኣሕዋትኩምን፥ ነቶም ኣብ ኣንፆኪያን፥ ኣብ ሶርያን፥ ኣብ ቂልቂያን፥ ካብ ወገን ኣህዛብ ንዘለኹም ኣሕዋት፥ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን።
24“ንሕና ሓንቲኳ ዘይኣዘዝናዮም ሰባት ካባና ወፂኦም፥ ክትግረዙን ሕጊ ሙሴ ኽትሕልዉን ኢሎም፥ ብቓሎም ከም ዘናወፁኹምን፥ ንልብኹም ከም ዝሃወኹን ሰሚዕና ኣለና።
25ስለዙይ ምስ እዞም እነፍቅሮም፥ ምእንቲ ስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ህይወቶም ዝወፈዩ፥ በርናባስን ጳውሎስን፥ ናባኻትኩም እንሰዶም ሰባት ክንመርፅ ብሓደ ዄንና መኸርና።
27እንሆ ድማ ነዝ ነገር እዙይ፥ ካብ ኣፎም ምእንቲ ኽትሰምዕዎ ንይሁዳን ንሲላስን ሰዲድናልኩም ኣለና።
28እንትርፊ እቲ ዝተገብአ፥ ሕልፊ ሸክሚ ኸይነኽብደልኩም፥ ንመንፈስ ቅዱስን፥ ንኣናን ተርእዩና ኣሎ።
29እምበኣር ንርእስኹም፥ ንጣዖት ካብ ዝተሰውአ ምግብን፥ ካብ ደምን፥ ካብ ዝበኸተ ስጋ እንስሳን፥ ካብ ዝሙትን ተኸልከሉ።(ሐ) ካብዙይ እንተ ተኸልኪልኩም፥ ፅቡቕ ክትነብሩ ኢኹም፤ ደሓን ኩኑ።”
30እቶም ልኡኻት ምስ ተፋነዉ፥ ናብ ኣንፆኪያ ወረዱ፤ ነቲ ህዝቢ ኣኪቦም ከዓ፥ ነቲ መልእኽቲ ሃብዎም።
31ንሳቶም ከዓ ምስ ኣንበብዎ፥ በቲ ዘፀናንዕ መልእኽቲ ተሓጐሱ።
32ይሁዳን ሲላስን ድማ፥ ነቢያት ስለ ዝነበሩ፥ ነቶም ኣሕዋት ብብዙሕ ቃል መዓድዎምን ኣተባብዕዎምን።
33ብዙሕ መዓልቲ ምስኣቶም ምስ ቀነዩ ኸዓ፥ እቶም ኣሕዋት ብሰላም ኣፋንዮም፥ ናብ ሃዋርያት ሰደድዎም።
34ሲላስ ግና ኣብኡ ኽተርፍ ደለየ።
35ጳውሎስን በርናባስን ኸዓ፥ ኣብ ኣንፆኪያ ተረፉ፤ ምስ ካልኦት ብዙሓት ኮይኖም ድማ፥ ቃል ጐይታ ይምህሩን ይሰብኩን ነበሩ።
36ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲታት፥ ጳውሎስ ንበርናባስ “ነዓ ናብተን ቃል ጐይታ ዝመሃርናለን ኵለን ከተማታት ንመለስ፤ ናብቶም ኣሕዋት ንኺድ፤ ከመይ ኢሎም ከም ዘለዉ ድማ ንፍለጥ” በሎ።
37በርናባስ ከዓ፥ ነቲ ማርቆስ ዝበሃል ዮሃንስ ምስኣቶም ክማልኦ ደለየ።
38ጳውሎስ ግና፥ ማርቆስ ኣብ ጵምፍልያ ኻብኣቶም ስለ ዝተፈለየን፥ ናብቲ ኣገልግሎት ድማ ምስኣቶም ስለ ዘይመፀን፥ ክማልኦ ኣይደለየን።
39ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ድማ፥ ኣብ መንጎኣቶም ዘይምስምማዕ ስለ ዝተፈጠረ ተፈላለዩ፤ በርናባስ ንማርቆስ ሒዙ፥ ናብ ቆጵሮስ ብመርከብ ከደ።
40ጳውሎስ ግና ንሲላስ መረፀ፤ እቶም ኣሕዋት ንፀጋ እግዚኣብሄር ምስ ኣማሕፀንዎ ድማ ኻብኡ ኸደ።
41ብሶርያን ብኪልቅያን እናተዘዋወረ፥ ነተን ኣብያተ ክርስቲያን ኣበረታትዐን።