ግብሪ ሃዋርያት 14

BCV aksumትግርኛ28 ፍቕድታት4:16 ስማዕ
ስማዕ 4:16 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ከምኡ ድማ ኣብ ኢቆንዮን፥ ጳውሎስን በርናባስን፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ(ሀ) ኣትዮም፥ ብዙሓት ኣይሁድን ግሪካውያንን ክሳዕ ዝኣምኑ ሰበኹ።

2እቶም ምእማን ዝኣበዩ ኣይሁድ ግና፥ ነቶም ኣህዛብ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣመንቲ ብፅልኢ ኸም ዝለዓዓሉ ገበርዎም።(ለ)

3ጳውሎስን በርናባስን ግና፥ ብዛዕባ ጐይታ ብትብዓት እናነገሩ ንነዊሕ እዋን ኣብኡ ተቐመጡ። ጐይታ ኸዓ በቲ በእዳዎም ክገብርዎ ዝህቦም ዝነበረ ምልክትን ተኣምራትን፥ ነቲ ናይ ፀጋኡ ቓል የፅንዖ ነበረ።

4ህዝቢ እታ ኸተማ ኸዓ፥ ገሊኣቶም ምስ ኣይሁድ፥ ገሊኣቶም ድማ ምስ ሃዋርያት ኮይኖም ኣብ ክልተ ተኸፈሉ።

5ኣህዛብን ኣይሁድን ከዓ፥ ምስ መራሕቶም ኮይኖም፥ ከሳቕይዎምን ብእምኒ ቐጥቂጦም ክቐትልዎምን ተልዓሉ።

6ሃዋርያት ድማ እዙይ ምስ ፈለጡ፥ ናብ ሊቃኦንያ፥ ልስጥራን፥ ደርቤን ዝበሃላ ኸተማታትን፥ ኣብ ከባቢአን ናብ ዘሎ ሃገርን ሃደሙ።

7ኣብኡ ኸዓ ወንጌል ይሰብኩ ነበሩ።

8ኣብ ልስጥራን እግሩ ዝሰለለ፥ መፃጕዕ ኮይኑ ዝተወለደ፥ ፈፂሙ ኽወሳወስ ዘይኽእል ሓደ ሰብ ተቐሚጡ ነበረ።

9እዝ ሰብዙይ ጳውሎስ ክዛረብ እንተሎ ይሰምዕ ነበረ። ጳውሎስ ከዓ ኣትኵሩ ጠመቶ፤ ክሓዊ እምነት ከም ዘለዎ ሪኡ ድማ፥

10ብዓብዪ ድምፂ፦ “ቀጥ ኢልካ በእጋርካ ደው በል!” በሎ። ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ብድድ ኢሉ ይመላለስ ነበረ።

11ሽዑ እቶም ህዝቢ፥ ነቲ ጳውሎስ ዝገበሮ ምስ ረአዩ፥ ድምፆም ዓው ኣቢሎም፥ ብቛንቋ ሊቃኦንያ፥ “ኣማልኽቲ ሰብ ተመሲሎም፥ ናባና ወሪዶም” በሉ።

12ንበርናባስ “ድያ”(ሐ) ንጳውሎስ ድማ ዋና ተዛራቢ ስለ ዝነበረ “ሄርሜስ”(መ) ኢሎም ሰመይዎም።

13ካህን ናይታ ኣብ ማዕዶ ኸተማ ዝነበረት ቤተ መቕደስ ድያ ድማ፥ ኣብዑርን ጕንጕን ዕምበባን፥ ናብቲ ኣፍ ደገ ኣምፂኡ፥ ምስቶም ህዝቢ ኾይኑ ኽስውአሎም ደለየ።

14እንተ ኾነ እቶም ሃዋርያት በርናባስን ጳውሎስን፥ እዙይ ምስ ሰምዑ ሓዚኖም ክዳውንቶም ቀደዱ፤ እናእወዩ ድማ ናብቶም ህዝቢ ኣቢሎም ጐየዩ፤

15ከምዙይ ከዓ በልዎም፦ “ኣቱም ሰባት! ስለ ምንታይ ከምዙይ ትገብሩ? ንሕናውንኮ ኸማኻትኩም ሰብ ኢና፤ ነዝ ኸንቱ ነገር ሓዲግኩም፥ ናብቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኣቶም ዘሎ ዅሉን ዝፈጠረ ህያው እግዚኣብሄር ክትቀርቡ፥ ወንጌል ንሰብከልኩም ኣለና።

16ብዝሓለፈ ዘመናት፥ እግዚኣብሄር ንዅሎም ኣህዛብ፥ በብዝደለይዎ መንገዲ ክኸዱ ሓደጎም።

17ምስዙይ ከዓ ፅቡቕ ስራሕ እናሰርሐ፥ ካብ ሰማይ ዝናምን ወርሓት ፍርያትን እናሃበ፥ ብምግብን ብሓጐስን ንልብና እናመልአ፥ ህያው ከም ዝኾነ፥ ንባዕሉ ብዘይ ምስክር ኣይሓደገን።”

18ነዝ ዅሉ ተዛሪቦም ድማ፥ እቶም ህዝቢ ኸይስውኡሎም፥ ብግዲ ኣሕደግዎም።

19ኣይሁድ ግና፥ ካብ ኣንፆኪያን ካብ ኢቆንዮንን መፂኦም፥ ነቶም ህዝቢ ሓበልዎም። ንጳውሎስ ከዓ ብእምኒ ቐጥቀጥዎ፤ ዝሞተ መሲልዎም ድማ፥ ጐቲቶም ካብታ ኸተማ ኣውፅእዎ።

20እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዙርያኡ ደው ምስ በሉ ኸዓ፥ ብድድ ኢሉ ናብ ከተማ ኣተወ፤ ንፅባሒቱ ድማ ምስ በርናባስ፥ ናብ ደርቤን ከደ።

21ጳውሎስን በርናባስን፥ ኣብ ደርቤን እናሰበኹ ብዙሓት ደቀ መዛሙርት ኣፍረዩ፤ ናብ ልስጥራንን ናብ ኢቆንዮንን ናብ ኣንፆኪያን ተመለሱ።

22“ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ክንኣቱ ዝግብአና፥ ብብዙሕ መከራ እዩ” እናበሉ ነቶም ደቀ መዛሙርት ኣፀናንዕዎም፤ ኣብ እምነቶም ፀኒዖም ክነብሩውን ኣተባብዕዎም።

23ኣብ ነፍሲ ወከፍ፥ ሽማግለታት(ሠ) ምስ ሸሙሎም ድማ፥ ብፆምን ብፀሎትን፥ ናብቲ ዝኣመንዎ ጐይታ ኣማዕቘብዎም።

24ብጲስድያ ሓሊፎም ናብ ጵምፍልያ መፁ።

25ኣብ ጴርጌ ነቲ ቓል ምስ መሃሩ ናብ ኣጣልያ ወረዱ።

26ካብኣ ኸዓ፥ ናብ ነቲ ዝፈፀምዎ ስራሕ፥ ንፀጋ እግዚኣብሄር ሓደራ ዝተወፈዩላ ዓዲ፥ ናብ ኣንፆኪያ ብመርከብ ተሳገሩ።

27ናብኣ ምስ በፅሑ፥ ምእመናን ቤተ ክርስቲያን ኣኪቦም፥ እቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝገበረሎምን ንኣህዛብ ከዓ፥ ኣፍ ደገ እምነት ከም ዝኸፈተሎምን ነገርዎም።

28ምስቶም ደቀ መዛሙርት ድማ፥ ብዙሕ መዓልቲ ተቐመጡ።

ትርጓሜ

14:1-7

ሓዋርያት ብንጹር፣ ብኸምዚ ዝበለ መርኣያን መረጋገጽን መንፈስ ቅዱስን፣ ብኸምዚ ዝበለ ሓይልን ተዛረቡ። ብኸምዚ ዝበለ ቕንዕናን ንነፍሳት ሰባት ብኸምዚ ዝበለ ሓልዮትን ስለ ዝሰበኹ፡ እቶም ዝሰምዕዎም ድማ፡ ኣምላኽ ብሓቂ ምስኦም ምዃኑ ከይመሰከሩ ኺተርፉ ኣይከኣሉን። ይኹን እምበር፡ እቲ ዓወት ንኣገባብ ስብከቶም ዚቝጸር ኣይነበረን፡ የግዳስ ነቲ ነቲ መሳርሒ ተጠቒሙ ተባዕቲቱ ዝሰርሐ መንፈስ ኣምላኽ እዩ። ጽቡቕ ኣብ ምግባር ምጽናዕ፡ ኣብ ማእከል ሓደጋታትን ጸገማትን፡ በረኸት ዝመልኦ ምልክት ጸጋ እዩ። ኣገልገልቲ ኣምላኽ ናብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ይግፍዑ፡ ንሓቂ ኬበስሩ ኪጽዕሩ ይግባእ። ብስም ክርስቶስን ብሓይሉን ቀጺሎም ምስ ከዱ፡ ንቓል ጸግኡ ኺምስክር ኣየተንገደን። ንሱ ቓል ኣምላኽ ምዃኑ ኣረጋጊጹልና ኣሎ፡ ንነፍሳትና ድማ ብእኡ ኸነወፍር ንኽእል ኢና። ኣህዛብን ኣይሁድን ንሓድሕዶም ጸላእቲ እዮም ነይሮም፡ ይኹን እምበር፡ ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ግን ሓቢሮም። ጸላእቲ ቤተ ክርስቲያን ንምብራስ እንተተሓቢሮም፡ ፈተውታኸ ንምድሓና ኣይኪሓብሩንዶ፧ ኣምላኽ ኣብ ግዜ ህቦብላ ንህዝቡ መጸግዒ ኣለዎ። ንሱ መሸጐርጦም እዩ፡ ኪኸውን እውን እዩ። ኣብ ግዜ ስደት፡ ምእመናን ሓደ ቦታ ኺሓድጉ ምኽንያት ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም፡ ነቲ ዕዮ ጐይታኦም ግን ኣይሓድግዎን እዮም።

14:8-18 ንዝኣምኑ ኩሉ ይከኣሎም። እቲ እጅግ ኣገዳሲ ህያብ ኣምላኽ ዝኾነ እምነት እንተሎና፡ ካብቲ ኣብኡ ተወሊድናዮ ዝነበርና መንፈሳዊ ሓልቂ ምዃንናን፡ ከምኡ’ውን ካብቲ ድሕሪኡ ዝመስረትናዮ ግዝኣት ሓጢኣተኛታት ልማዳትን ክንድሕን ኢና። ብቕንዕና ደው ክብልን ብሓጎስ ኣብ መገዲ እግዚኣብሔር ክመላለስን ክንክእል ኢና። ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ፡ ብምስሊ ሰብ ኣብ ዝተገለጸሉ እዋን፡ ብዙሓት ተኣምራት’ውን ኣብ ዝገበረሉ ግዜ፡ ሰባት ንእኡ መስዋእቲ ከቕርቡሉሲ ይትረፍ፡ ኣንጻር’ዚ ንዕበዮምን ንቕንኣቶምን መስዋእቲ ገበርዎ። ጳውሎስን በርናባስን ግና ሓንቲ ተኣምራት ኣብ ዝገበሩሉ እዋን፡ ከም ኣማልኽቲ ተታሓዙ። እቲ ስጋዊ ኣእምሮ ንሓቂ ዝዓጽዎ፡ ከምኡ’ውን ንስሕተታትን ምግጋያትን ብቐሊሉ ንኽኣትዉ ዝገብር፡ ናይ’ዚ ዓለም’ዚ ኣምላኽ ሓይሊ ንሱ እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6