2ይ ቆረንቶስ 8

BCVትግርኛ23 ፍቕድታት4:10 ስማዕ
ስማዕ 4:10 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ብዛዕባ እቲ ንኣብያተ ክርስቲያን መቄዶንያ ዝተውሃበ ፀጋ እግዚኣብሄር፥ ነፍልጠኩም ኣለና።

2ብብዙሕ መከራ ተፈቲኖም እዮም፤ እንተ ኾነ ሕጉሳት ስለ ዝኾኑ፥ የመና ድኻታት እኳ እንተ ኾኑ፥ የመና ድማ ለጋሳት እዮም።

3ባዕልቶም ፈትዮም፥ ከም ዓቕሞምን፥ አረ ኻብ ዓቕሞም ንላዕልን፥ ከም ዝለገሱ እምስክረሎም እየ።

4ቅዱሳን ንምሕጋዝ ኣብ ዝግበር ኣገልግሎት ክሳተፉ፥ ግደ ኽወሃቦም ኣበርቲዖም ለመኑና።

5ከምቲ ንሕና ዝተፀበናዮ ዘይኮነ ኸዓ፥ ቅድም ንጐይታ ድሕሪኡ ኸዓ ንኣና፥ ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ርእሶም ወፈዩ።

6ስለዙይ፥ ከምቲ ኣቐዲሙ ጀሚርዎ ዝነበረ፥ ነዝ ናይ ልግስናኹም ኣገልግሎት፥ ኣብ ፍፃሜ ኸብፅሖ ንቲቶ ለሚንናዮ ኣለና።

7ከምቲ ብዅሉ ነገር፦ ብእምነት፥ ብቓል፥ ብፍልጠት፥ ብዅሉ ትግሃት፥ በታ ኣባና ዘላትኩም ፍቕሪ ብሉፃት ዝኾንኩም፥ በዝ ናይ ልግሲ ሰናይ ስራሕውን፥ ብሉፃት ኩኑ።

8እዙይ ክብል እንተለኹ፥ ምስ ናይ ካልኦት ትግሃት ብምንፅፃር፥ ፍቕርኹም ሓቂ ኸም ዝኾነት፥ ከረጋግፅ ኢለ እየ እምበር፥ እእዝዘኩም ኣይኮንኩን ዘለኹ።

9ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም፤ ንስኻትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፥ ሃብታም እንተሎ፥ ምእንታኻትኩም ደኸየ።

10እዙይ ይጠቕመኩም እዩሞ፥ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ዝምዕደኩም፥ ብምሃብ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንምሃብ ብምሕሳብውን፥ ቀዳሞት ዝነበርኩም ንስኻትኩም ኢኹም።

11ሕዚ ኸዓ እቲ ዝነበረኩም ድልየት፥ ምልኣት ምእንቲ ኽረክብ፥ ነቲ ሰናይ ምግባር ከም ዓቕምኹም ጌርኩም ፈፅምዎ።(ሀ)

12ንምሃብ ድልየት እንተ ደኣ ሃልዩ፥ እቲ ውህብቶ ቕቡል እዩ፤ እንተ ኾነ ኸም ዓቕሙ ደኣ እምበር፥ ልዕሊ ዓቕሙ ክኸውን የብሉን።

13እዙይ ከዓ ንኣኣቶም ክምችዎም፥ ንኣኻትኩም ግና ክፅግመኩም ኢለ ዘይኮነስ፥ ማዕርነት ምእንቲ ኽህሉ ኢለ እየ።

14ከምቲ ፅሑፍ “ብዙሕ ዝኣከበ ኣየትረፈን፤ ውሑድ ዝኣከበውን፥ ኣየጕደለን” ዝብሎ፥ ኣብዝ እዋን እዙይ፥ እቲ ተረፍኩም ነቲ ጐደሎኦም ክምልእ፥ እቲ ተረፎም ከዓ፥ ነቲ ጐደሎኹም ክምልእ እሞ፥ ማዕረ ምእንቲ ክኸውን ኢለ እየ፥ እዙይ ዝብል ዘለኹ።

16ነቲ ኣነ ምእንታኻትኩም ዘለኒ ሓልዮት፥ ኣብ ልቢ ቲቶ ንዘሕደረ ኣምላኽ፥ አመስግኖ ኣለኹ።

17ቲቶ ልመናይ ሰሚዑ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ብናይ ባዕሉ ፍቓድ፥ ብርቱዕ ድልየት ሃልይዎ እዩ፥ ናባኻትኩም ዝመፅእ ዘሎ።

18ምስኡውን ነቲ ብኣገልግሎት ወንጌል፥ ብዅላተን ኣብያተ ክርስቲያን ዝተንኣደ ሓው፥ ንሰደልኩም ኣለና።

19ከምኡውን ንሱ ኣብቲ ንኽብሪ እግዚኣብሄርን፥ ነቲ ዘለና ሓልዮትን፥ ክነርኢ ኢልና፥ ናይ ልግሲ ፀጋ ኽነመሓድር ኣብ እንገብሮ ጕዕዞ፥ ምሳና ክኸይድ ኣብያተ ክርስቲያን ዝሓረያኦ እዩ።

20ነዝ ናይ ልግሲ ኣገልግሎት ክነመሓድር፥ እንተለና ኸይንንቀፍ ንጥንቀቕ ኣለና።

21ዕላማና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ኣብ ቅድሚ ሰብውን፥ ሰናይ ንምግባር እዩ እሞ።

22ሕዚ እውን እንሆ እምብዛ ትጉህ ከም ዝኾነ፥ ብዙሕ ጊዜ ብብዙሕ ነገር መርሚርና ዝፈለጥናዮ፥ ሓደ ኻልእ ሓው፥ ምስኣቶም ንሰደልኩም ኣለና። ሕዚ እውን ኣባኻትኩም ዓብዪ እምነት ስለ ዘሕደረ፥ ብዝበለፀ ይተግህ ኣሎ።

23ብዛዕባ ቲቶ ዝጥይቕ እንተ ሃልዩ ኸዓ፥ ንሱ መሳርሕተይ፥ ምሳይ ሓቢሩውን፥ ንኣኻትኩም ዘገልግል እዩ። ብዛዕባ እቶም ኣሕዋትና፥ ዝጥይቕ እንተ ሃልዩ፥ ንሳቶም ንኽብሪ ክርስቶስ፥ ልኡኻት ኣብያተ ክርስቲያን እዮም።

24እምበኣር ፍቕርኹም ነዚኣቶም ብምግላፅ፥ ብዛዕባኻትኩም ዝተመካሕናዮ፥ ሓቂ ኸም ዝኾነ፥ ኣብ ቅድሚ እተን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣርእይዎም።

ትርጓሜ

8:1-6 ናይ ኣምላኽ ጸጋ፡ በየናይ እዋን ይኹን ኣብ ውሽጥና ንዘሎ ወይ ብኣና ንዝግበር ኵሉ ጽቡቕ ነገር፡ ሱርን ምንጪን ኰይኑ ክእመን ኣለዎ። ንኻልኦት ጠቓሚ እንተ ዄንናን ንዝኾነ ጽቡቕ ግብሪ ድማ ተቓኒዕና እንተ ተረኺብናን፡ እዚ ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ዓብዪ ጸጋን ሞገስን እዩ። ንሱ ድማ ንግብሪ ምጽዋት ሰባት መቄዶንያ የመስግን። ጳውሎስ ክለማመኖም ከይደለዮም፡ ነቲ ህያብ ክቕበሎ እኳ ለመንዎ። ንኣምላኽ እንጥቀመሉ ወይ እንውፍየሉ ዘበለ ኵሉ፡ ናቱ ዝኾነ ነገር ምምላስ ጥራይ እዩ። ንግብሪ ምጽዋት እንህቦ ኵሉ፡ ቅድሚ ኩሉ ንርእስና ንእግዚኣብሔር እንተ ዘይሃብና፡ ብኣምላኽ ኣይቅበልን እዩ፡ ከምኡ እውን ንዓና ኣይጠቅመናን እዩ። ኵሉ ብሓቂ ጽቡቕ ግብሪ ናይ ኣምላኽ ጸጋ ምዃኑ ብምውሳእ፡ ንሓቀኛ ወናኒኡ ዝኾነ ክብሪ ጥራይ ኣይንህብን፡ የግዳስ ሰባት ሓይሎም ኣበይ ከም ዘሎ እውን ነርእዮም። ብዝሒ መንፈሳዊ ሓጐስ፡ ኣብ ዕዮን ጻዕርን ፍቕሪ፡ ልቢ ሰባት የሰፍሕ። እዚ ኸኣ ካብ ኣካይዳ እቶም እንተ ዘይተለምኑ ኣብ ዝኾነ ጽቡቕ ግብሪ ዘይሳተፉ ሰባት ክንደይ ዝተፈልየ እዩ!

8:7-9 እምነት መሰረት እያ፤ ከምቲ ብዘይ እምነት ንኣምላኽ ምብሳጥ ዘይከኣል፥ እብ. 11:6 ዚብል፥ ከምኡ ድማ እቶም ብእምነት ዝዓበዩ፥ ብኻልኦት ጸጋታትን ሰናይ ግብራትን እውን ክዓብዩ እዮም። እዚ ድማ ብፍቕሪ ክሰርሕን ክግለጽን እዩ። ብዙሕ ዝዛረቡ፥ ኩሉ ግዜ ዝበለጸ ሰራሕተኛታት ኣይኮኑን፤ እዞም ቆሮንቶሳውያን ግና፥ ብጽቡቕ ምፍላጥን ምዝራብን ጥራይ ዘይኮነስ፥ ብትግሃት ብምስራሕ እውን ፍሉጣት ነበሩ። ንኹሎም እዞም ሰናይ ነገራት እዚኦም፥ ሃዋርያ ነዚ ጸጋ እዚ እውን ክውስኹ ይምነየሎም፥ ንነዳያን ብጽቡቕ ተግባር ክዓብዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6