1ስም እግዚኣብሄርን፥ እቲ እንሰብኮ ትምህርትን፥ ምእንቲ ኸይንቀፍ፥ እቶም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ባርነት ዘለዉ ዅሎም፥ ነቶም ጐይተቶም ምሉእ ኽብሪ ኸም ዝግብኦም ይቝፀርዎም።
2እቶም ኣመንቲ ጐይቶት ዘለውዎም ድማ፥ ብክርስቶስ ኣሕዋቶም ብምዃኖም ኣይንዓቕዎም። እኳ ደኣ እቶም በቲ ፅቡቕ ኣገልግሎቶም ዝጥቀሙ ዘለዉ፥ ኣመንትን ፍቑራትን ብምዃኖም፥ ኣብሊፆም የገልግልዎም። ነዝ ነገርዙይ መሃርን መዓድን።
3ሓደ ሰብ፥ ምስቲ ሓቀኛ ዝኾነ ቓል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ምስቲ ንእግዚኣብሄር ምምሳል ዘይሰማማዕ ግጉይ ትምህርትን እንተ መሃረ፥
4ንሱ ብትዕቢት ዝተነፍሐ፥ ሓንቲ ዘይፈልጥ ሰብ እዩ። ንሱ ናይ ክትዕን ጐይቍን ፅምኢ ዘለዎ፥ ሕሙም ሰብ እዩ። ካብዙይ ከዓ ቕንኢ፥ ባእሲ፥ ክፉእ ሓሳብ፥ ፀርፊ ይመፅእ።
5ኣብቶም እቲ ሓቂ ዘይብሎም ኣእምሮኦም ዝረኸሰ ሰባት ከዓ፥ ዘየቋርፅ ጐይቊ ይፈጥር፤ እዚኣቶም፥ መንፈሳዊነት ናይ ምድራዊ ረብሓ መርከቢ እዩ ዝመስሎም።(ሀ)
6“ዘለኒ ይኣኽለኒ” ንዝብል ግና፥ ንእግዚኣብሄር ምምላኽ ብዙሕ ረብሓ ኣለዎ።
7ናብዝ ዓለም እዙይ ዘምፃእናዮ የብልናን፤ ካብዝ ዓለም እዙይውን፥ ክንወስዶ እንኽእል ከቶ የለን እሞ።
8ቀለብን ክዳንን እንተ ረኺብና ይኣኽለና እዩ።
9እቶም ክህብትሙ ዝደልዩ ግና፥ ብዘጥፍእን ብዘበላሹን፥ ንሰባትውን ብዘጥልቕን፥ ብዘስንፍን፥ ብዝጐድእን፥ ኣብ መፃወድያ ትምኒትን ፈተናን ይወድቁ።
10ፍቕሪ ገንዘብ፥ ናይ ኵሉ ኽፍኣት ሱር እዩ እሞ፤ ገሊኣቶም ብሰንኪ ህርፋን ገንዘብ፥ ካብ መንገዲ እቲ እምነት ወፂኦም፥ ንባዕላቶም ብዙሕ ስቓይ ኣምፅኡ።
11ንስኻ ግና፥ ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ካብዙይ ኵሉ ህደም። ደድሕሪ ፅድቅን፥ እምነትን፥ ፍቕርን፥ ትዕግስትን፥ መንፈሳዊነትን፥ ሰዓብ።
12ሰናይ ናይ እምነት ገድሊ ተጋደል፤ ነታ ዝተፀዋዕኻላ፥ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት መሰኻኽርውን ፅቡቕ ምእማን ዝተኣመንካላ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ሓዝ።
13ነቲ ትእዛዝ፥ ብንፅህናን ብዘይ ነቐፋን፥ ክሳዕ ምግላፅ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኽትሕልዎ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ንዅሉ ህይወት ዝህብ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ጴንጤናዊ ጲላጦስ፥ ነታ ሓቀኛ እምነት ዝመስከረ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ እእዝዘካ ኣለኹ።
15ነዙይ ጊዜኡ ምስ በፅሐ እግዚኣብሄር ክገልፆ እዩ፤ ንሱ ብፁእ፥ በይኑ ንዅሉ ዝገዝእ፥ ንጉስ ነገስታት፥ ጐይታ ጐይቶት፥
16ንሱ በይኑ፥ ዘይመውት እዩ፤ ሓደ ሰብ እኳ ኸቶ ዘይረአዮ፥ ክሪኦውን ዘይኽእል፥ ኣብ ዘይቕረብ ብርሃን ዝነብር እዩ፤ ንእኡ ንዘለኣለም ክብርን ስልጣንን ይኹን። ኣሜን።
17ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ፥ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዝህበና እግዚኣብሄር እምበር፥ በዝ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ ኣዝዞም።
18ገበርቲ ሰናይ ክኾኑ፥ ብሰናይ ግብሪ ኽህብትሙ፥ ለጋሳትን ንምክፋል ድልዋትን ክኾኑ ኣዝዞም።
19በዝ መንገዲ እዙይ፥ ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኽረኽቡ፥ ኣብታ እትመፅእ ዓለም፥ ፅኑዕ መሰረት ምእንቲ ክኾኖም፥ ንርእሶም ሃብቲ ኽእክቡ እዮም።
20ኦ ጢሞቴዎስ፥ ነቲ ዅሉ ብሕድሪ ዝተውሃበካ ሓልዎ። ካብቲ ብጌጋ “ፍልጠት” ተብሂሉ ዝፅዋዕ ዓለማዊ ኸንቱ ልፍለፋን፥ ዝጋጮ(ለ) ሓሳባትን፥ ረሓቕ።
21ገሊኣቶም ነዙይ ብምእማን፥ ካብ መንገዲ እቲ እምነት ዝወፁ ኣለዉሞ። ፀጋ ምሳኻ ይኹን። ኣሜን።