1ይቲ ጢሞቴዎስ 6

BCVትግርኛ20 ፍቕድታት4:03 ስማዕ
ስማዕ 4:03 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ስም እግዚኣብሄርን፥ እቲ እንሰብኮ ትምህርትን፥ ምእንቲ ኸይንቀፍ፥ እቶም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ባርነት ዘለዉ ዅሎም፥ ነቶም ጐይተቶም ምሉእ ኽብሪ ኸም ዝግብኦም ይቝፀርዎም።

2እቶም ኣመንቲ ጐይቶት ዘለውዎም ድማ፥ ብክርስቶስ ኣሕዋቶም ብምዃኖም ኣይንዓቕዎም። እኳ ደኣ እቶም በቲ ፅቡቕ ኣገልግሎቶም ዝጥቀሙ ዘለዉ፥ ኣመንትን ፍቑራትን ብምዃኖም፥ ኣብሊፆም የገልግልዎም። ነዝ ነገርዙይ መሃርን መዓድን።

3ሓደ ሰብ፥ ምስቲ ሓቀኛ ዝኾነ ቓል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ምስቲ ንእግዚኣብሄር ምምሳል ዘይሰማማዕ ግጉይ ትምህርትን እንተ መሃረ፥

4ንሱ ብትዕቢት ዝተነፍሐ፥ ሓንቲ ዘይፈልጥ ሰብ እዩ። ንሱ ናይ ክትዕን ጐይቍን ፅምኢ ዘለዎ፥ ሕሙም ሰብ እዩ። ካብዙይ ከዓ ቕንኢ፥ ባእሲ፥ ክፉእ ሓሳብ፥ ፀርፊ ይመፅእ።

5ኣብቶም እቲ ሓቂ ዘይብሎም ኣእምሮኦም ዝረኸሰ ሰባት ከዓ፥ ዘየቋርፅ ጐይቊ ይፈጥር፤ እዚኣቶም፥ መንፈሳዊነት ናይ ምድራዊ ረብሓ መርከቢ እዩ ዝመስሎም።(ሀ)

6“ዘለኒ ይኣኽለኒ” ንዝብል ግና፥ ንእግዚኣብሄር ምምላኽ ብዙሕ ረብሓ ኣለዎ።

7ናብዝ ዓለም እዙይ ዘምፃእናዮ የብልናን፤ ካብዝ ዓለም እዙይውን፥ ክንወስዶ እንኽእል ከቶ የለን እሞ።

8ቀለብን ክዳንን እንተ ረኺብና ይኣኽለና እዩ።

9እቶም ክህብትሙ ዝደልዩ ግና፥ ብዘጥፍእን ብዘበላሹን፥ ንሰባትውን ብዘጥልቕን፥ ብዘስንፍን፥ ብዝጐድእን፥ ኣብ መፃወድያ ትምኒትን ፈተናን ይወድቁ።

10ፍቕሪ ገንዘብ፥ ናይ ኵሉ ኽፍኣት ሱር እዩ እሞ፤ ገሊኣቶም ብሰንኪ ህርፋን ገንዘብ፥ ካብ መንገዲ እቲ እምነት ወፂኦም፥ ንባዕላቶም ብዙሕ ስቓይ ኣምፅኡ።

11ንስኻ ግና፥ ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ካብዙይ ኵሉ ህደም። ደድሕሪ ፅድቅን፥ እምነትን፥ ፍቕርን፥ ትዕግስትን፥ መንፈሳዊነትን፥ ሰዓብ።

12ሰናይ ናይ እምነት ገድሊ ተጋደል፤ ነታ ዝተፀዋዕኻላ፥ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት መሰኻኽርውን ፅቡቕ ምእማን ዝተኣመንካላ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ሓዝ።

13ነቲ ትእዛዝ፥ ብንፅህናን ብዘይ ነቐፋን፥ ክሳዕ ምግላፅ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኽትሕልዎ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ንዅሉ ህይወት ዝህብ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ጴንጤናዊ ጲላጦስ፥ ነታ ሓቀኛ እምነት ዝመስከረ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ እእዝዘካ ኣለኹ።

15ነዙይ ጊዜኡ ምስ በፅሐ እግዚኣብሄር ክገልፆ እዩ፤ ንሱ ብፁእ፥ በይኑ ንዅሉ ዝገዝእ፥ ንጉስ ነገስታት፥ ጐይታ ጐይቶት፥

16ንሱ በይኑ፥ ዘይመውት እዩ፤ ሓደ ሰብ እኳ ኸቶ ዘይረአዮ፥ ክሪኦውን ዘይኽእል፥ ኣብ ዘይቕረብ ብርሃን ዝነብር እዩ፤ ንእኡ ንዘለኣለም ክብርን ስልጣንን ይኹን። ኣሜን።

17ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ፥ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዝህበና እግዚኣብሄር እምበር፥ በዝ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ ኣዝዞም።

18ገበርቲ ሰናይ ክኾኑ፥ ብሰናይ ግብሪ ኽህብትሙ፥ ለጋሳትን ንምክፋል ድልዋትን ክኾኑ ኣዝዞም።

19በዝ መንገዲ እዙይ፥ ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኽረኽቡ፥ ኣብታ እትመፅእ ዓለም፥ ፅኑዕ መሰረት ምእንቲ ክኾኖም፥ ንርእሶም ሃብቲ ኽእክቡ እዮም።

20ኦ ጢሞቴዎስ፥ ነቲ ዅሉ ብሕድሪ ዝተውሃበካ ሓልዎ። ካብቲ ብጌጋ “ፍልጠት” ተብሂሉ ዝፅዋዕ ዓለማዊ ኸንቱ ልፍለፋን፥ ዝጋጮ(ለ) ሓሳባትን፥ ረሓቕ።

21ገሊኣቶም ነዙይ ብምእማን፥ ካብ መንገዲ እቲ እምነት ዝወፁ ኣለዉሞ። ፀጋ ምሳኻ ይኹን። ኣሜን።

ትርጓሜ

6:1-5 ክርስትያናት፡ መንፈሳዊ ፍልጠት ወይ ክርስትያናዊ መሰላት፡ ኣሕዛብ ጐይተቶም ኪንዕቁ፡ ወይ ሕጋዊ ትእዛዛት ኪጥሕሱ፡ ወይ ድማ ገበኖም ንኻልኦት ኬጋልጹ ዝኾነ መሰል ሂብዎም እዩ ኢሎም ኪሓስቡ ኣይግባእን። ከምኡ ድማ፡ እቶም ምስ ዝኣምኑ ጐይተቶም ናይ ምንባር መሰል ዝረኸቡ፡ ብመንፈሳዊ መሰላት ማዕረ ስለዝኾኑ ኢሎም ግቡእ ክብረትን ኣኽብሮትን ኪኸልኡ ኣይነበሮምን። የግዳስ፡ ብክርስቶስ ብዘለዎም እምነት ምኽንያት፡ ከምኡ ድማ ናይቲ ናጻ ቤዛነትኡ ተኻፈልቲ ስለዝኾኑ፡ ብዕጽፊ ትግሃትን ብሓጎስን ኬገልግሉ ነበሮም። ካብ ቃል ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ወጻኢ ንዝኾነ ቃል ከም ጥዑይ ጌርና ክንቅበል ኣይግባእን። ንኣኡ ድማ ብቕንዕና ክንሰማማዕ ኣሎና። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቶም ዝውሕድ ዝፈልጡ እዮም ዝበዝሐ ትዕቢት ዘለዎም። ንርእሶም ስለዘይፈልጥዋ ድማ እዩ። ካብዚ ድማ ቅንኢ፡ ባእሲ፡ ጸርፊ፡ ክፉእ ጥርጣረ ይፍጠር። እቲ ክርክር ድማ፡ ኩሉ ብጥበብ ዝተመሰረተ እምበር፡ መሰረት ዘይብሉ እዩ። እዚ ድማ ኣብ መንጎ እቶም ዝተበላሸወን ስጋዊ ኣእምሮ ዘለዎምን፡ ንሓቅን ንሓይሊ ምቅዳስኣን ዘይፈልጡ፡ ከምኡ ድማ ዓለማዊ ረብሓኦም ዝደልዩ ሰባት እዩ ዝፍጠር።

1 ጢሞቴዎስ 6:6-10። እቶም ክርስትና ንምድራዊ ረብሓኦም ከም ንግዲ ዝጥቀሙሉ ክዕዘሉ እዮም፤ እቶም ግና ከም ጽውዓኦም ወይ ዕላማኦም ገይሮም ዝርእይዎ፣ ናይዚ ሕጂ ዘሎ ህይወት ከምኡውን ናይቲ ዚመጽእ ዘመን ተስፋ ከም ዘለዎ ይረኽቡ። እቲ እግዚኣብሔር ዝፈርህ፣ ኣብ ካልእ ዓለም ቡሩኽ ምዃኑ ርግጽ እዩ፤ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ድማ ብዝህለዎ ኩነታት እንተ ተዓጊሱ፣ እኹል ኣለዎ፤ ኩሎም ብሓቂ እግዚኣብሔር ዝፈርሁ ሰባት ድማ ዕጉባት እዮም። ናብ ዝኸበደ ሽግር ኣብ እንኣቱሉ እዋን፣ ናብዛ ዓለም እዚኣ ኻብ ዝመጻናሉ ግዜ ዝኸፍአ ድኻ ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና፤ ጻውዒት፣ ሳንዱቕን መቓብርን፣ ንኹሉ ሀብቲ ዓለም ዝውንን ሃብታም ሰብ ካብ ብዘሎ ሀብቱ ኪረኽቦ ዝኽእል ንሱ ጥራይ እዩ። ሰብኣዊ ባህሪ ብውሑድ ክዕገስ እንተ ኾይኑ፣ ጸጋ ግና ብዝበለጸ ውሑድ ክዕገስ ይግባእ። ንሓቀኛ ክርስትያን መሰረታዊ ነገራት ህይወት ጥራይ እዮም ድሌታቱ ዝውስንዎ፣ በዚአቶም ድማ ክዕገስ ይጽዕር።

ኣብዚ እኩይ ባህሪ ስስዔ ንርእይ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG የእግዚአብሔር ስምና ትምህርቱ አንዳይሰደብ፥ ከቀንበር በታች ያሉቱ ባሪያዎች ሁሉ ለገዙአቸው ጌቶች ክብር ሁሉ እንደ ተገባቸው ይቍጠሩአቸው። አማርኛ ENGNIV All who are under the yoke of slavery should consider their masters worthy of full respect, so that God's name and our … English GAZBIB Warri waanjoo garbummaa jala jiran Waaqayyo, barsiifni keenyas maqaa gadhee akka hin godhannetti, warra isaan bulchan a… Afaan Oromoo BCV GIZ ወኵሉ ነባሪ ወቅኑይ አክብሩ አጋእዝቲክሙ በኵሉ ከመ ኢይፅርፉ ላዕለ ስመ እግዚአብሔር ወላዕለ ትምህርቱ። giz GAZGAZ Warri waanjoo garbummaa jala jiran Waaqayyo, barsiifni keenyas maqaa gadhee akka hin godhannetti, warra isaan bulchan a… Afaan Oromoo BCV aksum ስም እግዚኣብሄርን፥ እቲ እንሰብኮ ትምህርትን፥ ምእንቲ ኸይንቀፍ፥ እቶም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ባርነት ዘለዉ ዅሎም፥ ነቶም ጐይተቶም ምሉእ ኽብሪ ኸም ዝግብኦም ይቝፀርዎም። ትግርኛ AMHNIV የእግዚአብሔር ስምና ትምህርቱም እንዳይሰደቡ፣ በባርነት ቀንበር ሥር ያሉ ሁሉ፣ ጌቶቻቸው ሙሉ ክብር እንደሚገባቸው አድርገው ይቊጠሩ። አማርኛ SWAHSUV Wo wote walio chini ya kongwa, hali ya utumwa, na wawahesabie bwana zao kuwa wamestahili heshima yote, jina la Mungu li… Kiswahili