1ንኣረጋዊ ኣይተቃልል፤ እኳ ደኣ ንእኡ ኸም ኣቦ፥ ንኣጓብዝ ኸም ኣሕዋት፥ ንዓበይቲ ኣንስቲ ኸም እኖታት፥ ንኣናእሽቲ ኸም ኣሓት ቈፂርካ መዓዶም።
3ነተን ብርግፅ መበለታት ዝኾና ኣኽብረን።
4ዝኾነት መበለት ግና፥ ደቂ ወይ ደቂ ደቂ እንተ ሃልዮምዋ፥ ንሳቶም ኣቐዲሞም ንስድራኦም ብምክንኻን፥ መንፈሳዊ ግቡኦም ምፍፃም ይመሃሩ፤ በዙይ ከዓ ንወለዶም ሞሳ ኽመልሱ እዮም። እዙይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅቡል እዩ እሞ።
5እታ ብርግፅ መበለት ግና፥ ተስፋኣ ኣብ እግዚኣብሄር ገይራ፥ ምእንቲ ኽረድኣ ለይትን መዓልትን፥ ብምህለላን ፀሎትን እያ እትተግህ።
6እታ ናይዝ ዓለም እዙይ ደስታ እትደሊ መበለት ግና፥ ብህይወታ እንተላ ዝሞተት እያ።
7ብዘይ ነቐፋ ምእንቲ ክኾኑስ፥ እዝ ትእዛዝ እዙይ ኣዝዞም።
8ሓደኳ ነቶም ኣዝማዱ፥ ብሕልፊ እኳ ንስድራኡ ዘይሓሊ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ እምነቱ ዝኸሓደ፥ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።
9ካብ ስሳ ዓመት ንላዕሊ፥ ሰበይቲ ሓደ ሰብኣይ ዝነበረት፥ ደቃ ብዝግባእ ዘዕበየት፥ ጋሻ ብምቕባል፥ እግሪ ቅዱሳን ብምሕፃብ፥ ንዝፀገሞ ብምሕጋዝ፥ እዝ ሰናይ ግብሪ እዙይ ብምግባር፥ ዝተመስከረላ ኽትከውን ይግባእ።
11ብዕድመ ንኡሳት ዝኾና መበለታት ግና፥ ፍትወት ስጋ ምስ ተልዓለን፥ ካብ ክርስቶስ ርሒቐን፥ ክምርዐዋ እየን ዝደልያ እሞ፥ ምስተን መበለታት ኣይትመድበን።
12እዚኣተን ነታ ቐዳመይቲ እምነተን ስለ ዝጠለማ፥ ክፍረደን እዩ።
13ኣብ ልዕሊ እዙይውን፥ ገዛ ንገዛ እናዞራ፥ ምብኳር ስራሕ እየን ዝመሃራ፤ ምብኳር ስራሕ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ክዛረባኦ ዘይግባእ እናተዛረባ፥ ሓመይትን መውረይትን፥ ኣብ ዘየእትወን ዝኣትዋን እየን ዝኾና።
14እምበኣር ፀላኢ ኣብ ልዕሊአን ዝዛረቦ ኽፋእ ምእንቲ ኸይረክብ፥ እተን ብዕድመ ንኡሳት ዝኾና መበለታት ክምርዐዋ፥ ውሉድ ክወልዳ፥ ስድራአን ብግቡእ ከመሓድራ እደሊ ኣለኹ።
15ገሊኣተን እኳ ንሰይጣን ክስዕባ ዝተመለሳ ኣለዋ።
16ሓደ ኣማኒ ሰብ ወይ ሓንቲ ኣማኒት ዝኾነት ሰበይቲ፥ መበለታት እንተ ሃልየናኦም፥ ነታ ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ኸይኸብድኣ፥ ባዕልቶም ይሓግዙወን። እታ ቤተ ክርስቲያን ከዓ፥ ነተን ሓገዝ ዘድልየን፥ ናይ ብርግፅ መበለታት ንዝኾና ምእንቲ ክትሕግዘን፥ ንቤተ ክርስቲያን ኣየኽብዱላ።
17ነቶም ብዝግባእ ዘገልግሉ ሽማግለታት፥(ሀ) ብሕልፊ እኳ ነቶም ወንጌል ዝሰብኩን ዝምህሩን፥ ዕፅፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ።
18መፅሓፍ “ኣፍ እቲ ዘኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር” ከምኡውን “ንሰራሕተኛ ዓስቡ ይግብኦ እዩ” ይብል እዩ እሞ።
19ክልተ ወይ ሰለስተ ሰባት እንተ ዘይመስኪሮም፥ ኣብ ልዕሊ ሽማግለ፥ ክሲ ኣይትቀበል።
20ነቶም ሓጢኣት ዝገብሩ ግና፥ እቶም ካልኦት ምእንቲ ኽፈርሑ፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ገስፆም።
21ብዘይ ኣፈላላይን ብዘይ ኣድልዎን፥ ነዝ ምዕዶዙይ ክትሕሉ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ሕሩያት መላእኽትን፥ ኣማሕፅነካ ኣለኹ።
22ኣብ ሓደኳ፥ ኢድካ ኣንቢርካ ንምሻም ኣይትተሃወኽ፤ ኣብ ሓጢኣት ካልኦት ከይትሳተፍ፤ ንባዕልኻ ብንፅህና ሓሉ።
23ስለ ኸብድኻን ስለ እቲ ዝመላለሰካ ሕማምን፥ ቁሩብ ወይኒ(ለ) ስተ እምበር፥ ማይ ጥራሕ ኣይትስተ።
24ሓጢኣት ገሊኣቶም ሰባት ግሁድ እዩ፤ ነቲ ፍርዲውን የርኢ፤ ናይ ገሊኣቶም ግና ደሓር እዩ ዝግለፅ።
25ከምኡ ኸዓ እቲ ሰናይ ግብሪ ግሉፅ እዩ፤ እቲ ግሉፅ ዘይኮነ ግና፥ ተሰዊሩ ኽተርፍ ኣይኽእልን እዩ።