1ይ ሳሙኤል 11

BCV aksumትግርኛ15 ፍቕድታት3:10 ስማዕ
ስማዕ 3:10 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ብድሕሪ ሓደ ወርሒ ናዖስ ንጉስ ኣሞናውያን ደዪቡ ነታ ኣብ ገለዓድ ዘላ ኸተማ ኢያቤስ ከበባ። ኵሎም ሰብ ኢያቤስ ከዓ ንናዖስ “ክንግዝአልካስ ኪዳን እተወልና” በልዎ።

2እቲ ኣሞናዊ ናዖስ ኸዓ “ንዅልኹም የማነይቲ ዓይንኹም ብምምዝሓቝ እየ ምሳኻትኩም ኪዳን ዝኣቱ፤ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤልውን ነውሪ ኽገብር እየ” በሎም።

3እቶም ዓበይቲ ኢያቤስ ድማ “ናብ ኵላ ምድሪ እስራኤል ልኡኻት ክንሰድድስ፥ ንሸውዓተ መዓልቲ ጊዜ ሃበና፤ ዘድሕነና እንተ ሰኣንና ኸዓ ሽዑ ናባኻ ንመፅእ” በልዎ።

4እቶም ልኡኻት ድማ ናብታ ሳኦል ዝነብረላ ገባዖን መፁ፤ እዝ ነገር እዙይ ከዓ ኣብ እዝኒ እቶም ህዝቢ ተናገሩ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ድምፆም ዓው ኣቢሎም በኸዩ።

5እንሆ ድማ ሳኦል ኣብ ማሕረስ ውዒሉ፥ ኣብዑር እናዀብኰበ መፀ። “እዝ ህዝቢ ዝበኪ ዘሎ እንታይ ኮይኑ እዩ?” ድማ በለ። ንሳቶም ከዓ ነቲ ዘረባ ሰብ ኢያቤስ ንሳኦል ነገርዎ።

6ሳኦል ድማ እዝ ነገር እዙይ ምስ ሰምዐ፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ወረደ፤ ቍጥዓኡውን የመና ነደደ።

7ነቶም ፅምዲ ብዕራይ ወሲዱ ድማ ቘራረፆም፤ “እቲ ወፂኡ ደድሕሪ ሳኦልን ደድሕሪ ሳሙኤልን ዘይስዕብ፥ ኣብዑሩ ኸምዙይ ክግበሩ እዮም” ኢሉ ነቶም ቍርፅራፅ ስጋ ዝሓዙ ልኡኻት ናብ ኵላ ወሰን ምድሪ እስራኤል ሰደዶም። ሽዑ እቶም ህዝቢ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝወርድ መዓት ኣደንጊፁዎም ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም ወፁ።

8ሳኦል ኣብ ቤዜቅ ምስ ቈፀሮም ደቂ እስራኤል ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ፥ ደቂ ይሁዳ ኸዓ ሰላሳ ሽሕ ኮኑ።

9ነቶም ዝመፁ ልኡኻት ድማ “ንሰብ ኢያቤስ ናይ ገለዓድ ‘ፅባሕ ፀሓይ ምስ በርትዐት ምድሓን ክኾነልኩም እዩ’ ኢልኩም ንገርዎም” በልዎም። እቶም ልኡኻት ድማ ኸይዶም ንሰብ ኢያቤስ ነገርዎም፤ ንሳቶም ከዓ ተሓጐሱ።

10እቶም ሰብ ኢያቤስ ከዓ ንኣሞናውያን “ፅባሕ ክንወፀልኩም ኢና፤ ሽዑ ኸም ዝደለኹም ትገብሩና” በልዎም።

11ንፅባሒቱ ኸዓ ሳኦል ንህዝቢ እስራኤል ኣብ ሰለስተ ኽፍሊ መቐሎም። ወጋሕታ ምስ ኮነ ኸዓ ናብቲ ሰፈር ኣሞናውያን ኣትዮም፥ ቀትሪ ኽሳዕ ዝኸውን ወቕዕዎም። እቶም ካብኣቶም ዝተረፉ ኸዓ ፋሕ በሉ፤ ነንበይኖም ከዓ ሃደሙ።

12ሽዑ እቶም ህዝቢ ንሳሙኤል “ ‘እቲ ሳኦል ኣብ ልዕሌና ኣይነግስን እዩ’ ዝበለ መን እዩ? ነቶም ሰባት እቲኣቶም ክንቀትሎም ኣምፅኣዮም” በልዎ።

13ሳኦል ግና “እግዚኣብሄር ሎሚ ኣብ እስራኤል ምድሓን ገይሩ እዩ እሞ፥ በዛ መዓልቲ እዚኣ ሓደ ሰብ ኣይመውትን እዩ” በለ።

14ሳሙኤል ድማ ነቶም ህዝቢ “ንዑናይ! ናብ ጌልገላ ንኺድ፤ ኣብኡ ኸዓ ነቲ መንግስቲ ነሐድሶ” በሎም።

15ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ጌልገላ ኸዱ፤ ኣብኣ ኸዓ ንሳኦል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንገስዎ እሞ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ሰውኡ። ኣብኣ ኸዓ ሳኦልን ኵሎም ሰብ እስራኤልን ዓብዪ ታሕጓስ ገበሩ።

ትርጓሜ

11:1-11 እቲ ናይ መንግስቲ ሳኦል ቀዳማይ ፍረ፡ ነኣብሽ-ገለዓድ ካብ ኣሞናውያን ምድሓን ነበረ። ሰባት ህይወቶም ንምድሓን፡ ንናጽነቶም ይሓድጉ፡ እንተላይ ኣዒንቶም ንኽወጽእ ፍቓዶም ይህቡ። እምበኣርከ፡ ኣብ ሓዊ ገሃነም ካብ ምድርባይሲ፡ ካብቲ ኸም የማነይቲ ዓይንና ዝመሓረና ሓጢኣት ምፍላይሲ ጥበብዶ ኣይኮነን? እምነትን ምትእምማንን ሳኦል እሞ ኣብኡ ተሰሪቱ ዝነበረ ትብዓቱን ቈራጽነቱን ተመልከቱ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዝነበሮ ንጥፈት እውን እንተኾነ ተመልከት።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG እንዲህም ሆነ፤ ከአንድ ወር በኋላ አሞናዊው ናዖስ ወጣ፥ በኢያቢስ ገለዓድም ሰፈረ፤ የኢያቢስም ሰዎች ሁሉ፦ ቃል ኪዳን አድርግልን፥ እኛም እንገዛልሃለን፡ አሉት። አማርኛ ENGNIV Nahash the Ammonite went up and besieged Jabesh Gilead. And all the men of Jabesh said to him, “Make a treaty with us, … English BCV ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ብድሕሪ ሓደ ወርሒ ናዖስ ንጉስ ኣሞናውያን ደዪቡ ነታ ኣብ ገለዓድ ዘላ ኸተማ ኢያቤስ ከበባ። ኵሎም ሰብ ኢያቤስ ከዓ ንናዖስ “ክንግዝአልካስ ኪዳን እተወልና” በልዎ። ትግርኛ GAZBIB Baras Nahaash mootiin Amoonotaa mandara Yaabesh-Giil'aaditti duulee, itti in marse; namoonni Yaabesh hundinuus Nahaashi… Afaan Oromoo BCV GIZ ወእምዝ እምድኅረ አሐዱ ወርኅ ዓርገ ናአስ ዐሞናዊ ወተዐየነ ኀበ ኢያቢስ ዘገለዓድ ወይቤልዎ ኵሉ ሰብአ ገለዓድ ለናአስ ዐሞናዊ፦ ተማሐል ምስሌነ ወንትቀነይ ለከ። giz GAZGAZ Baras Nahaash mootiin Amoonotaa mandara Yaabesh-Giil'aaditti duulee, itti in marse; namoonni Yaabesh hundinuus Nahaashi… Afaan Oromoo AMHNIV አሞናዊው ናዖስ ወጥቶ ኢያቢስ ገለዓድን ከበባት፤ የኢያቢስም ሰዎች ሁሉ፣ “ከእኛ ጋር ቃል ኪዳን አድርግ፣ እኛም እንገዛልሃለን” አሉት። አማርኛ SWAHSUV Ikawa, kama baada ya mwezi mmoja, Nahashi, Kiswahili