1ይ ጴጥሮስ 4

BCV aksumትግርኛ18 ፍቕድታት2:47 ስማዕ
ስማዕ 2:47 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እምበኣር ክርስቶስ ብስጋ ምእንታና መከራ ስለዝተቐበለ፥ ነቲ ብስጋ ኽትነብሩ ዝተረፈኩም ዘመን፥ ከም እግዚኣብሄር ፍቓድ እምበር፥ ከም ትምኒት ስጋኹም ምእንቲ ኸይትነብሩ፥ ንስኻትኩምውን ነዝ ሓሳብ እዙይ፥ ከም ኣፅዋር ጌርኩም ሓዝዎ፤ ብስጋኡ መከራ ዝተቐበለ ሰብ፥ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ እሞ።

3እምበኣር እቲ ብዕብዳን፥ ብፍትወት ስጋ፥ ብስኽራን፥ ብጐይላ፥ ዓቐን ብዘይብሉ መስተ፥ ኣፀያፊ ብዝኾነ ኣምልኾ ጣዖት ክትነብሩ እንተለኹም፥ ከምቲ ኣህዛብ ዝደልይዎ እናገበርኩም፥ ዘሕለፍኩምዎ ዘመን ይኣክል።

4ናብቲ ዘፀይፍ ርኽሰት፥ ምስኣቶም ስለ ዘይጐየኹም ይግረሙ፤ ንኣኻትኩም ከዓ፥ ይፀርፉኹም ኣለዉ።(ሀ)

5እዚኣቶም፥ ነቲ ንህያዋንን ንምዉታንን ክፈርድ ተዳልዩ ዘሎ፥ መልሲ ኽህቡሉ እዮም።

6ከም ሰብ ብስጋ ምእንቲ ኽፍረዶም፥ ብመንፈስ ግና፥ ከም እግዚኣብሄር ብህይወት ምእንቲ ኽነብሩ፥ ንምዉታት ወንጌል ተሰብከሎም።

7ናይ ኵሉ ነገር መወዳእታ ቐሪቡ እዩ እሞ፥ ብትግሃት ምእንቲ ኽትፅልዩ፥ ርእስኹም እትመልኩን ጥንቁቓትን ኩኑ።

8ፍቕሪ፥ ብዙሕ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ፥ ቅድሚ ኹሉ ንስንሳትኩም፥ ብምሉእ ልቢ ተፋቐሩ።

9ብዘይ ምንፅርፃር፥ ተቐበልቲ ጋሻ ኹኑ።

10ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ፀጋ እግዚኣብሄር፥ እሙናት ኣገልገልቲ ብምዃን፥ ነፍሲ ወከፍኩም ከምቲ ዝተቐበልኩምዎ ውህብቶ ፀጋ፥ ሓደ ነቲ ሓደ የገልግል።

11እቲ ዝምህር፥ ቃል እግዚኣብሄር ይምሃር፤ እቲ ዘገልግል፥ በቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ሓይሊ የገልግል፤ እዙይ ከዓ፥ እግዚኣብሄር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዅሉ ነገር ምእንቲ ኽምስገን እዩ። ክብርን ስልጣንን፥ ንዘለኣለመ ኣለም ንእኡ ይኹኖ። ኣሜን።

12ኣቱም ፍቑራተይ፥ ከም ሓዊ ዘቃፅል ፈተና ኽረኽበኩም እንተሎ፥ ሓድሽ ነገር ከም ዝበፅሐኩም ኴንኩም ኣይትገረሙ።

13ናይ ክርስቶስ መከራ ኽትካፈሉ እንተለኹም ግና ተሓጐሱ፤ ንሱ ብግርማ ኽግለፅ እንተሎ፥ የመና ኽትሕጐሱ ኢኹም።

14ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተፀረፍኩም፥ እቲ ኽቡር መንፈስ እግዚኣብሄር፥ ኣባኻትኩም ስለ ዝሓድር፥ ብፁኣን ኢኹም።

15ሓደኳ ኻባኻትኩም ቀታሊ፥ ወይ ሰራቒ፥ ወይ ገባሪ ክፉእ፥ ወይ ኣብ ነገር ካልኦት ኢዱ ዘእቱ ብምዃኑ፥ መከራ ዝቕበል ኣይሃሉኹም።

16ክርስቲያን ብምዃኑ፥ መከራ እንተ በፅሖ ግና፥ ስለ እዝ ስም እዙይ፥ ንእግዚኣብሄር የመስግን እምበር ኣይሕፈር።

17ጊዜ ፍርዲ ቐሪቡ እዩ፤ ዝጅምሮ ኸዓ፥ በቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘለዉ እዩ። ብኣና ዝጅምር ካብ ኮነኸ፥ መወዳእታ እቶም ንወንጌል እግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ደኣ፥ እንታይ ክኸውን እዩ?

18“እቲ ፃድቕ ብጭንቂ ዝድሕን ካብ ኮነ፥ እቲ ዓማፅን ሓጥእን ደኣ፥ ከመይ ክኸውን እዩ?”

19እምበኣር እቶም ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር መከራ ዝቕበሉ፥ ሰናይ እናገበሩ፥ ንነፍሶም ነቲ እሙን ፈጣሪ የማሕፅኑ።

ትርጓሜ

4:1-6 ንሓጢኣት ዝቃወሙ ዝበለጹን ዝበርቱዑን መርትዖታት ካብ ስቅያት ክርስቶስ እዮም ዝርከቡ። ንሱ ንሓጢኣት ንምጥፋእ ሞተ፤ እሞ ኸኣ እቲ ዝኸፍአ ስቅያት ብሓጎስ እንተተቐበለ እኳ፣ ዝተሓተ ሓጢኣት እኳ ኣይተረኸበሉን። ፈተናታት ኣይምበርትዑ ነይሮም፣ እንተዘይኮነ ብሰንኪ ብልሹው ተፈጥሮ ሰብ፤ ግናኸ ሓቀኛታት ክርስትያናት ፍቓድ ኣምላኽ፣ ዘይኮነስ ናቶም ትምኒት ወይ ባህጊ፣ ንህይወቶምን ተግባራቶምን መምርሒ ይገብሩ። ሓቀኛ ምምላስ ድማ ኣብ ልብን ህይወትን ግሩም ምልዋጥ ይፈጥር። ንሓሳብ፣ ንፍርድን፣ ንስምዒታትን፣ ከምኡ’ውን ንኣገባብ ኣነባብራ ይልውጥ። ሓደ ሰብ ሓቀኛ ምስ ተለወጠ፣ እቲ ዝሓለፈ ግዜ ህይወቱ ብኸመይ ከም ዝሓለፈ ንምሕሳብ ኣዝዩ የሕዝኖ። ሓንቲ ሓጢኣት ናብ ካልእ ትስሕብ። ኣብዚ ሓንቲ ኣብታ ሓንቲ ዝምርኮሳ ሽዱሽተ ሓጢኣታት ተዘርዚረን ኣለዋ። ሓላፍነት ክርስትያን ካብ ብርቱዕ ክፋእ ምሕላው ጥራይ ዘይኮነስ፣ ካብቲ ናብ ሓጢኣት ዝመርሕ ወይ ክፉእ ዝመስል ነገራት እውን እዩ። ወንጌል ነቶም ድሮ ዝሞቱ ሰባት ተሰብዂሎም ነይሩ፣ ንሳቶም ድማ ብትዕቢተኛን ስጋዊ ፍርዲ እኩያት ሰባት ከም ገበርቲ ክፋእ ተዂኒኖም፣ ገለ እውን ሞት በጺሑዎም ነይሩ። ግናኸ ብመንፈስ ቅዱስ ናብ መለኮታዊ ህይወት ሓዳስ ልደት ስለ ዝረኸቡ፣ ንኣምላኽ ከምቶም ዝተወፈዩ ኣገልገልቱ ኖሩ። ዓለም እንተነዐቐቶምን እንተጸረፈቶምን እኳ፣ ኣመንቲ ኣይተጨነቑ።

፬፡፯-፲፩ መድሓኒና ዝነገሮ ምፍራስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ይሁዳን ህዝብን ኣዝዩ ቀሪቡ ነይሩ። እቲ ቅልጡፍ ምብጻሕ ሞትን ፍርድን ንዅሉ ዝምልከት እዩ፣ እዘን ቃላት እዚኤን ድማ ንሓሳባትና ብተፈጥሮአዊ መንገዲ ናብኡ ይመርሓኦ። እቲ ዝቐርብ ዘሎና መወዳእታ ኣብ ዅሉ ናይ ዓለም ነገራት ልቡም ንኸንኸውን፣ እንተላይ ኣብ ሃይማኖት ብቕንዕና ንኽንህሉ፣ ሓያል መርትዖ እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ክርስቶስም በሥጋ ስለ እኛ መከራን ስለተቀበለ፥ ከእንግዲህ ወዲህ በሥጋ ልትኖሩ በቀረላችሁ ዘመን እንደ እግዚአብሔር ፈቃድ እንጂ እንደ ሰው ምኞት እንዳትኖሩ፥ እናንተ ደግሞ ያን አሳብ እንደ… አማርኛ ENGNIV Therefore, since Christ suffered in his body, arm yourselves also with the same attitude, because he who has suffered i… English BCV እምበኣር ክርስቶስ ብስጋ ምእንታና መከራ ስለዝተቐበለ፥ ነቲ ብስጋ ኽትነብሩ ዝተረፈኩም ዘመን፥ ከም እግዚኣብሄር ፍቓድ እምበር፥ ከም ትምኒት ስጋኹም ምእንቲ ኸይትነብሩ፥ ንስኻትኩምውን ነዝ … ትግርኛ GAZBIB Kristos namummaa fooniitiin erga dhiphatee, isinis immoo akkuma isaa yaaduudhaan, akka nama lolaaf mi'a hidhatetti taa'… Afaan Oromoo BCV GIZ ወእመሰ ክርስቶስ ተሰቅለ በሥጋሁ በእንቲኣነ ወአንትሙኒ ተወልተዉ በይእቲ ኅሊና እስመ ዘሐመ በሥጋሁ ድኅነ እምኀጣውኡ። giz GAZGAZ Kristos namummaa fooniitiin erga dhiphatee, isinis immoo akkuma isaa yaaduudhaan, akka nama lolaaf mi'a hidhatetti taa'… Afaan Oromoo AMHNIV እንግዲህ ክርስቶስ በሥጋው መከራን ስለ ተቀበለ እናንተም በዚሁ ዐላማ ታጥቃችሁ ተነሡ፤ ምክንያቱም በሥጋው መከራን የሚቀበል ሰው ኀጢአትን ትቶአል። አማርኛ SWAHSUV Basi kwa kuwa Kristo aliteswa katika mwili wake, ninyi nanyi jivikeni silaha ya nia ile ile; kwa maana yeye aliyeteswa … Kiswahili