1እምበኣር ክርስቶስ ብስጋ ምእንታና መከራ ስለዝተቐበለ፥ ነቲ ብስጋ ኽትነብሩ ዝተረፈኩም ዘመን፥ ከም እግዚኣብሄር ፍቓድ እምበር፥ ከም ትምኒት ስጋኹም ምእንቲ ኸይትነብሩ፥ ንስኻትኩምውን ነዝ ሓሳብ እዙይ፥ ከም ኣፅዋር ጌርኩም ሓዝዎ፤ ብስጋኡ መከራ ዝተቐበለ ሰብ፥ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ እሞ።
3እምበኣር እቲ ብዕብዳን፥ ብፍትወት ስጋ፥ ብስኽራን፥ ብጐይላ፥ ዓቐን ብዘይብሉ መስተ፥ ኣፀያፊ ብዝኾነ ኣምልኾ ጣዖት ክትነብሩ እንተለኹም፥ ከምቲ ኣህዛብ ዝደልይዎ እናገበርኩም፥ ዘሕለፍኩምዎ ዘመን ይኣክል።
4ናብቲ ዘፀይፍ ርኽሰት፥ ምስኣቶም ስለ ዘይጐየኹም ይግረሙ፤ ንኣኻትኩም ከዓ፥ ይፀርፉኹም ኣለዉ።(ሀ)
5እዚኣቶም፥ ነቲ ንህያዋንን ንምዉታንን ክፈርድ ተዳልዩ ዘሎ፥ መልሲ ኽህቡሉ እዮም።
6ከም ሰብ ብስጋ ምእንቲ ኽፍረዶም፥ ብመንፈስ ግና፥ ከም እግዚኣብሄር ብህይወት ምእንቲ ኽነብሩ፥ ንምዉታት ወንጌል ተሰብከሎም።
7ናይ ኵሉ ነገር መወዳእታ ቐሪቡ እዩ እሞ፥ ብትግሃት ምእንቲ ኽትፅልዩ፥ ርእስኹም እትመልኩን ጥንቁቓትን ኩኑ።
8ፍቕሪ፥ ብዙሕ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ፥ ቅድሚ ኹሉ ንስንሳትኩም፥ ብምሉእ ልቢ ተፋቐሩ።
9ብዘይ ምንፅርፃር፥ ተቐበልቲ ጋሻ ኹኑ።
10ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ፀጋ እግዚኣብሄር፥ እሙናት ኣገልገልቲ ብምዃን፥ ነፍሲ ወከፍኩም ከምቲ ዝተቐበልኩምዎ ውህብቶ ፀጋ፥ ሓደ ነቲ ሓደ የገልግል።
11እቲ ዝምህር፥ ቃል እግዚኣብሄር ይምሃር፤ እቲ ዘገልግል፥ በቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ሓይሊ የገልግል፤ እዙይ ከዓ፥ እግዚኣብሄር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዅሉ ነገር ምእንቲ ኽምስገን እዩ። ክብርን ስልጣንን፥ ንዘለኣለመ ኣለም ንእኡ ይኹኖ። ኣሜን።
12ኣቱም ፍቑራተይ፥ ከም ሓዊ ዘቃፅል ፈተና ኽረኽበኩም እንተሎ፥ ሓድሽ ነገር ከም ዝበፅሐኩም ኴንኩም ኣይትገረሙ።
13ናይ ክርስቶስ መከራ ኽትካፈሉ እንተለኹም ግና ተሓጐሱ፤ ንሱ ብግርማ ኽግለፅ እንተሎ፥ የመና ኽትሕጐሱ ኢኹም።
14ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተፀረፍኩም፥ እቲ ኽቡር መንፈስ እግዚኣብሄር፥ ኣባኻትኩም ስለ ዝሓድር፥ ብፁኣን ኢኹም።
15ሓደኳ ኻባኻትኩም ቀታሊ፥ ወይ ሰራቒ፥ ወይ ገባሪ ክፉእ፥ ወይ ኣብ ነገር ካልኦት ኢዱ ዘእቱ ብምዃኑ፥ መከራ ዝቕበል ኣይሃሉኹም።
16ክርስቲያን ብምዃኑ፥ መከራ እንተ በፅሖ ግና፥ ስለ እዝ ስም እዙይ፥ ንእግዚኣብሄር የመስግን እምበር ኣይሕፈር።
17ጊዜ ፍርዲ ቐሪቡ እዩ፤ ዝጅምሮ ኸዓ፥ በቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘለዉ እዩ። ብኣና ዝጅምር ካብ ኮነኸ፥ መወዳእታ እቶም ንወንጌል እግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ደኣ፥ እንታይ ክኸውን እዩ?
18“እቲ ፃድቕ ብጭንቂ ዝድሕን ካብ ኮነ፥ እቲ ዓማፅን ሓጥእን ደኣ፥ ከመይ ክኸውን እዩ?”
19እምበኣር እቶም ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር መከራ ዝቕበሉ፥ ሰናይ እናገበሩ፥ ንነፍሶም ነቲ እሙን ፈጣሪ የማሕፅኑ።