1ይ ቆረንቶስ 8

BCVትግርኛ13 ፍቕድታት2:46 ስማዕ
ስማዕ 2:46 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ብዛዕባ ንጣዖት ዝተሰውአ ግና፥ “ኵላትና ፍልጠት ከም ዘለና” ንፈልጥ ኢና። ፍልጠት ትዕቢት የሕድር፤ ፍቕሪ ግና ይሃንፅ።

2ዝኾነ ሰብ ዝፈልጥ እንተ መሰሎ፥ ነቲ ዝፈልጦ፥ ከምቲ ዝግብኦ ገይሩ ገና ኣይፈለጦን።

3ንእግዚኣብሄር ዘፍቅር ግና፥ ንሱ ብእግዚኣብሄር ፍሉጥ እዩ።

4ብዛዕባ እቲ ንጣዖታት ዝተሰውአ ምብላዕ ግና፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ፥ ጣዖታት ከንቱ ከም ዝኮኑ፥ እንትርፊ ሓደ እግዚኣብሄር ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ(ሀ) ንፈልጥ ኢና።

5ብዙሓት ኣማልኽትን፥ ብዙሓት ጐይቶትን፥ ተብሂሎም ዝፅውዑ፥ ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ ኣለዉ እንተ ተብሃለኳ፥

6ንኣና ግና ዅሉ ኻብኡ ዝኾነ፥ ንሕናውን ንእኡ ዝኾንና፥ ሓደ እግዚኣብሄር ኣብ ኣለና፤ ከምኡውን፥ ኵሉ ብእኡ ዝተፈጥረን፥ ንሕናውን ብእኡ እንነብርን፥ ሓደ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣለና።

7እዝ ፍልጠት እዙይ ግና፥ ኣብ ኵሉ ሰብ ኣይርከብን እዩ። ገሊኣቶም ምምላኽ ጣዖት ከም ልማድ ገይሮምዎ፥ ክበልዑ እንተለዉ፥ ንጣዖት ዝተሰውአ እዩ ኢሎም እዮም ዝበልዑ። ሕሊናኦም ድኹም ስለ ዝኾነ ድማ ይረክስ።

8ብልዒ ናብ እግዚኣብሄር ኣየቕርበናን፤ እንተ በላዕና፥ ዝውስኸልና የብሉን፤ እንተ ዘይበላዕናውን፥ ዘጕድለልና የብሉን።

9ግናኸ እቲ ሓርነትኩም፥ ነቶም ብእምነቶም ዘይጠንከሩ መዐንቀፊ ኸይኾኖም ተጠንቀቑ።

10ሓደ ሰብ፥ ፍልጠት ንዘለካ ንኣኻ፥ ኣብ ቤት ጣዖት ተቐሚጥካ እንተ ረአየካ፥ እቲ ብእምነቱ ዘይጠንከረ፥ ንጣዖት ዝተሰውአ ንምብላዕዶ ኣይምደፈረን?

11ስለዙይ እቲ ምእንታኡ ክርስቶስ ዝሞተሉ ብእምነቱ ዘይጠንከረ ሓው፥ ብሰንኪ ፍልጠትካ ይጠፍእ ኣሎ።

12እምበኣር ከምዙይ ነቶም ኣሕዋት እናበደልኩም፥ ነቲ ድኹም ሕሊናኦም እናቝሰልኩም፥ ንክርስቶስ ትብድልዎ ኣለኹም።

13እምበኣር ምግቢ ንሓወይ ዘዐንቅፎ እንተ ኾይኑስ፥ ንሓወይ ምእንቲ ኸየዐንቅፎ፥ ንሓዋሩ ፈፂመ ስጋ ኣይበልዕን እየ።

ትርጓሜ

8:1-6 ካብ ፍልጠት ዝመጽእ ትዕቢት፡ ንድንቁርና ዝዓበየ መርኣያ የልቦን። ሓደ ነገር እኳ ንጽቡቕ ዕላማ እንተዘይተፈልጠ፡ ብዙሕ ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ነገር ከም ዝፈልጡ ዝሓስቡን በዚ ድማ ዝዕበዩን ሰባት፡ ንፍልጠቶም ጽቡቕ ገይሮም ንኸውዕልዎ ዘለዎም ዕድል ዝሑል እዩ። ሰይጣን ንገሊኦም ብመንፈሳዊ ዓቕሞም ንኽዕበዩ ብምፍታን ልክዕ ከምቲ ንኻልኦት ናብ ስጋዊ ምሻጥ ብምስሓብ ዝጎድኦም፡ ይጎድኦም። ነቲ ዘለዎ ሰብ ዝዕብየሉን ርእሱ ከም ዝእምን ዝገብሮን ፍልጠት፡ እቲ ዝፈልጦ ቅኑዕ እኳ እንተኾነ፡ ልክዕ ከምቲ ርእሰ-ጽድቂ ትዕቢት ሓደገኛ እዩ። ብዘይ ቅዱስ ፍቕሪ፡ ኩሉ ሰብኣዊ ፍልጠት ዋጋ የብሉን። ኣረማውያን ልዕልን ትሕትን ደረጃ ዘለዎም ብዙሓት ኣማልኽቲን ብዙሓት ጐይተታትን ነበሮም፤ ከምኡ ተጸዊዖም እምበር፡ ብሓቂ ግን ከምኡ ኣይነበሩን። ክርስትያናት ግን ዝበለጸ ይፈልጡ። ሓደ ኣምላኽ ንኹሉ ፈጠረ፡ ኣብ ኩሉ ድማ ስልጣን ኣለዎ። እቲ ሓደ ኣምላኽ፡ ማለት ኣቦ፡ ንኣምላኽነት ከም እንኮ ዕላማ ናይ ኩሉ ሃይማኖታዊ ኣምልኾ የመልክት።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6