1ይ ቆረንቶስ 5

BCV aksumትግርኛ12 ፍቕድታት2:17 ስማዕ
ስማዕ 2:17 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣብ ኣህዛብ እኳ ተገይሩ ዘይፈልጥ ምንዝርና፥ ኣብ ማእኸልኩም ከም ዘሎ፥ ብፍላይ ካባኻትኩም፥ ሰበይቲ ኣቦኡ ዘእተወ ኸም ዘሎ፥ ይውረየኩም ኣሎ።

2ተዓቢኹም ኣለኹም፤ ክትጕህዩዶ ግዳ ኣይምተገብአኩምን? ነቲ ኸምዙይ ዝበለ ርኹስ ግብሪ ዝገበረ እንዶ ግዳ፥ ካብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ።

3ኣነ ብኣካል እኳ ምሳኻትኩም እንተ ዘይሃለኹ፥ ብመንፈስ ምሳኻትኩም እየ። ምሳኻትኩም ከም ዘለኹ ኾይነ ኸዓ፥ ነቲ ኸምዙይ ዝመሰለ ርኽሰት ዝፈፀመ ሰብ፥ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ድሮ ፈሪደዮ ኣለኹ። ንስኻትኩም ምስ ተኣከብኩም፥ ኣነውን ብሓይሊ ጐይታ ኢየሱስ፥ ብመንፈስ ምሳኻትኩም ኮይነ፥

5ነዝ ሰብ እዙይ፥ ንሰይጣን ኣሕሊፍኩም ሃብዎ። እዙይ እትገብሩ፥ ብስጋኡ ተቐፂዑ፥ ብመዓልቲ ጐይታ፥ ነፍሱ ምእንቲ ኽትድሕን እዩ።

6ዛህራኻትኩም ፅቡቕ ኣይኮነን። ቁሩብ መባዅዕቲ፥ ንብዘሎ እቲ ብሒቝ ከም ዘብኵዖዶ፥ ኣይትፈልጡን ኢኹም?

7ከምቲ ሕዚ ዘለኹምዎ፥ ዘይበዅዐ ሓድሽ ብሒቊ ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ነቲ ኣረጊት መባዅዕቲ፥ ካባኻትኩም ኣርሕቑ። በጊዕ ፋሲካና፥ ክርስቶስ ተሰዊኡ እዩ እሞ።

8ስለዙይ በቲ ኣረጊት መባዅዕቲ ወይ ብመባዅዕቲ ኽፍኣትን ሕሰምን ዘይኮነ፥ ብዘይበዅዐ ቅጫ፥ ብቕንዕናን ብሓቅን በዓልና ነኽብር።

9“ምስ ዘማውያን ኣይትተሓወሱ” ኢለ ፅሒፈልኩም ነይረ።

10ግና ምስቶም ናይዛ ዓለም እዚኣ ዘማውያንን፥ ወይ ስሱዓትን ከተርትን፥ ወይ መምለኽቲ ጣዖትን ማለተይ ኣይኮነን፤ እንተ ዘይኮነስ፥ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኽትወፁ ምተገብአኩም ነይሩ።

11ኣነ ዝፀሓፍኩልኩም፥ ኣመንቲ ኢና ኻብ ዝብሉ ግና፥ ዘመውቲ ወይ ስሱዓት፥ ወይ ተፃረፍቲ፥ ወይ ሰኸርቲ፥ ወይ ከተርቲ ምስ ዝኾኑ ሰባት ከይትሕወሱ፥ ምስ ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባትውን፥ ከቶ ኸይትበልዑ ኢለ እየ እምበር፤

12ነቶም ካብ ክርስትና ወፃኢ ንዘለዉ ዝፈርድ እንታይ ኣእትዩኒ? ንስኻትኩም፥ ነቶም ኣብ ውሽጢ ክርስትና ዘለዉዶ ኣይኮንኩምን ክትፈርዱ ዘለኩም?

13ነቶም ካብ ክርስትና ወፃኢ ዘለዉ ግና፥ እግዚኣብሄር ኢዩ ዝፈርዶም። እምበኣር ነቲ ኽፉእ ዝገብር ሰብ፥ ካባኻትኩም ኣርሕቅዎ።

ትርጓሜ

5:1-8 ሃዋርያ ንሓደ ብሰበ-ቆሮንቶስ ዝተዓሸገ ግሉጽ በደል የስተብህል። መንፈስ ጉጅለኝነትን ሓደ ጌጋ ግንዛበ ናይ ክርስትያናዊ ሓርነትን ንበዳሊ ካብ ነቀፌታ ዘናገፉዎ ይመስል። ገበናት ሓሓሊፎም ብተኣመንቲ ወንጌል፣ ኣህዛብ እውን ከይተረፉ ዝሓፍርሉ፣ ክፍጸሙ እዚ ብሓቂ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። መንፈሳዊ ትዕቢትን ጌጋ ትምህርትን ከምዚ ዝኣመሰሉ ዕንቅፋታት ከም ዝመጽኡን ከም ዝዝርጋሕን ይገብሩ። ሳዕቤናት ሓጢኣት ክንደይ ዘሰቅቕ እዩ! ክርስቶስ ኣብ ዘየለሉ ድያብሎስ ይነግስ። ብክርስቶስ ኣብ ዘይኮነሉ እዋን ድማ ሰብኣይ ኣብ መንግስቱን ኣብ ትሕቲ ስልጣኑን ይኸውን።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG በአጭር ቃል በእናንተ መካከል ዝሙት እንዳለ ይወራል የዚያም ዓይነት ዝሙት በአሕዛብስ እንኳ የማይገኝ ነው፥ የአባቱን ሚስት ያገባ ሰው ይኖራልና። አማርኛ ENGNIV It is actually reported that there is sexual immorality among you, and of a kind that does not occur even among pagans:… English BCV ኣብ ኣህዛብ እኳ ተገይሩ ዘይፈልጥ ምንዝርና፥ ኣብ ማእኸልኩም ከም ዘሎ፥ ብፍላይ ካባኻትኩም፥ ሰበይቲ ኣቦኡ ዘእተወ ኸም ዘሎ፥ ይውረየኩም ኣሎ። ትግርኛ GAZBIB Amma immoo halalummaan warra saba Waaqayyoo hin ta'in keessatti illee salphaatti hin ilaalamne, isin gidduu akka jiru d… Afaan Oromoo BCV GIZ እስመ ይሰማዕ በላዕሌክሙ ዝሙት ወዝሙትኒ ዘከመዝ ዘኢይገብርዎ አረሚ ጥቀ ሀሎአ ዘአውሰበ ብእሲተ አቡሁ። giz GAZGAZ Amma immoo halalummaan warra saba Waaqayyoo hin ta'in keessatti illee salphaatti hin ilaalamne, isin gidduu akka jiru d… Afaan Oromoo AMHNIV በመካከላችሁ የዝሙት ርኵሰት እንዳለ በርግጥ ይወራል፤ እንዲህ ያለው ርኵሰት በአረማውያን ዘንድ እንኳ ታይቶ የማይታወቅ ነው፤ የአባቱን ሚስት ያገባ ሰው አለና። አማርኛ SWAHSUV Yakini habari imeenea ya kuwa kwenu kuna zinaa, na zinaa ya namna isiyokuwako hata katika Mataifa, kwamba mtu awe na mk… Kiswahili