1ኣሕዋተይ፥ ኣነ ግና ኸም ስጋውያን፥ ብክርስቶስ ከዓ፥ ገና ኸም ዘይዓበዩ ህፃናት እምበር፥ ከም መንፈሳውያን ክዛረበኩም ኣይከኣልኩን።
2ድልዋት ስለ ዘይነበርኩም፥ ዕፁም ብልዒ ዘይኮነስ ፀባ ኣምዓጒኩኹም፤ ሕዚ እውን ድልዋት ኣይኮንኩምን።
3እዙይ ከዓ፥ ገና ስጋውያን ስለ ዝኾንኩም እዩ፤ ኣብ ማእኸልኩም ቅንእን ባእስን ምህላዉስ፥ ስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኮነን? ከም ዓለማውያንዶ ኣይኮንኩምን እትመስሉ?
4ካባኻትኩም “ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ” ኻልእ ከዓ “ኣነ ናይ ኣጵሎስ እየ” ዝብል ኣሎሞ፥ ስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኮነን?
5እምበኣርከስ ኣጵሎስ እንታይ እዩ? ጳውሎስከ እንታይ እዩ? ብኣኣቶም ጌርኩም ናብ እምነት ዝበፃሕኹም፥ ኣገልገልቲ እዮም፤ እግዚኣብሄር፥ ንነፍሲ ወከፎም ከም ዝሃቦም እዮም፥ ዘገልግሉ።
6ኣነ ተኸልኩ፤ ኣጵሎስ ኣስተየ፤ እግዚኣብሄር ድማ ኣዕበየ።
7እቲ ዘዕቢ እግዚኣብሄር ደኣ እምበር፥ እቲ ዝተኸለ ኾነ፥ እቲ ዘስተየ ዝጠቅም የብሉን።
8እቲ ዝተክልን እቲ ዘስትን፥ ማዕረ እዮም፤ ኵሎም ከከም ፃዕሮም፥ ዋጋኦም ክረኽቡ እዮም።
9ንሕና ምስ እግዚኣብሄር እንሰርሕ ኢና፤ ንስኻትኩም ግና፥ ግራት እግዚኣብሄርን፥ ህንፃ እግዚኣብሄርን ኢኹም።
10ኣነ እግዚኣብሄር ብዝሃበኒ ፀጋ፥ ከም ፈላጢ ሓናፂ ኾይነ፥ መሰረት ሰረትኩ፤ ሓደ ኻልእ ኣብ ልዕሊኡ ይሃንፅ ኣሎ፤ ነፍሲ ወከፍ፥ ከመይ ገይሩ ኸም ዝሃንፅ ይጠንቀቕ።
11ምኽንያቱ፥ ብዘይ እቲ ስሩት መሰረት፥ ንሱ ኸዓ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ካልእ መሰረት ክስርት ዝኽእል፥ ሓደኳ የለንሞ።
12ዝኾነ ይኹን ሰብ፥ ኣብ ልዕሊ እዛ መሰረት እዚኣ፥ ብወርቂ፥ ብብሩር፥ ብኽቡር እምኒ፥ ብዕንፀይቲ፥ ብሳዕሪ ወይ ብሓሰር እንተ ሰርሐ፥
13ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ስራሕ፥ ክገሃድ እዩ፤ እታ መዓልቲ፥ ብሓዊ ኽትግለፅ ስለ ዝኾነት ክትቀልዖ እያ፤ ስራሕ ነፍሲ ወከፍ ከመይ ከም ዝኾነ ኸዓ፥ እቲ ሓዊ ኽፍትኖ እዩ።
14እቲ ኣብ መሰረት ሃኒፁ፥ ስራሑ ዝፀንዐሉ ሰብ፥ ዓስቡ ኽቕበል እዩ።
15ስራሑ ዝተቓፀሎ ሰብ ግና፥ ዓስቡ ኽስእን እዩ፤ እንተ ኾነ ንሱ ኽድሕን እዩ፤ ግና ኸምቲ ብሓዊ ሓሊፉ ዝድሕን ሰብ እዩ ዝድሕን።
16ናይ እግዚኣብሄር ቤተ መቕደስ ከም ዝኾንኩምን፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣባኻትኩም ሓዲሩ ኸም ዘሎንዶ፥ ኣይትፈልጡን ኢኹም?
17ዝኾነ ሰብ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ቤተ መቕደስ እንተ ኣፍረሰ፥ ንእኡ ድማ እግዚኣብሄር ከፍርሶ እዩ። ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር፥ ቅዱስ እዩ፤ እዝ ቤተ መቕደስ እዙይውን፥ ንስኻትኩም ኢኹም።
18ሓደኳ ንባዕሉ ኣየታልል፤ ካባኻትኩም፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥበበኛ ዝኾነ እንተ መሰሎ፥ ጥበበኛ ምእንቲ ክኸውን ዓሻ ይኹን።
19“ነቶም ጥበበኛታት፥ ብጕርሖም ይሕዞም” ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ፥ ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዕሽነት እዩ እሞ።
20ከምኡውን “ሓሳብ እቶም ጥበበኛታት ከንቱ ኸም ዝኾነ፥ እግዚኣብሄር ይፈልጦ እዩ” ዝብል፥ ተፅሒፉ ኣሎ።
21እምበኣርከስ ኵሉ ናታትኩም እዩ እሞ፥ ሓደኳ ብሰብ ኣይመካሕ።
22ጳውሎስ ኮነ ኣጵሎስ፥ ኬፋ ኾነ ዓለም፥ ህይወት ኮነ ሞት፥ ዘሎ ኾነ ዝመፅእ፥ ኵሉ ናታትኩም እዩ።
23ንስኻትኩም ድማ ናይ ክርስቶስ ኢኹም፤ ክርስቶስ ከዓ ናይ እግዚኣብሄር እዩ።