1ካብቲ ብፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ክኸውን ዝተፀውዐ ጳውሎስን፥ ሓውና ሶስቴኔስን፦
2ኣብታ ኣብ ቆሮንቶስ ዘላ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር፥ ናብቶም ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተቐደሱ፥ ምስቶም ኣብ ኵሉ ስፍራ፥ ስም እቲ ጐይታኦምን ጐይታናን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፅውዑ፥ ኵሎም ቅዱሳን ንምዃን ዝተፀውዑ፥
3ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።
4ስለ እቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝተውሃበኩም ፀጋ እግዚኣብሄር፥ ብዛዕባኹም ዅሉ ጊዜ፥ ንኣምላኸይ ኣመስግን ኣለኹ።
5ዘመስግኖ ዘለኹ ኸዓ፥ እቲ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝመስከርናልኩም፥ ኣባኻትኩም ፀኒዑ ስለ ዝተረኽበ፥ ብዅሉ ቓልን ብዅሉ ፍልጠትን፥ ብእኡ ስለ ዝሃብተምኩም እዩ።
7ስለዙይውን ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምምፃእ ኣብ እትፅበዩሉ፥ ዝጐድለኩም ውህብቶ ፀጋ የለን።
8ብመዓልቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዘይ ነውሪ ንኽትርከቡ፥ ንሱ ኽሳዕ መወዳእታ ኸፅንዐኩም እዩ።
9እቲ ምስ ወዱ፥ ምስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ሕብረት ምእንቲ ኽህልወኩም፥ ዝፀውዐኩም እግዚኣብሄር እሙን እዩ።
10ኣሕዋተይ፥ ኵልኻትኩም ክትሰማምዑ፥ ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ክትሓብሩ እምበር፥ ምፍልላይ ከይህልወኩም(ሀ) ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣማሕፅነኩም ኣለኹ።
11ኣሕዋተይ፥ ኣብ ማእኸልኩም ባእሲ ኸም ዘሎ፥ ሰብ ቀሎኤ ነጊሮምኒ ኣለዉ።
12እወ፥ ነፍሲ ወከፍኩም “ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ፤ ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ እየ፤ ኣነ ናይ ኬፋ እየ፤ ኣነስ እባ ናይ ክርስቶስ እየ” ኸም እትብሉ ነጊሮምኒ ኣለዉ።
13ክርስቶስዶ፥ ተመቓቒሉ እዩ? ወይ ጳውሎስ ድዩ፥ ምእንታኻትኩም ዝተሰቐለ? ወይ ብስም ጳውሎስ ዲኹም፥ ዝተጠመቕኩም?
14ካባኻትኩም፥ ብዘይ ንክርስጶስን ንጋይዮስን፥ ንሓደኳ ስለ ዘየጥመቕኩ፥ ንእግዚኣብሄር አመስግኖ ኣለኹ።
15ስለዙይ ካባኻትኩም ሓደኳ፥ “ብስም ጳውሎስ ተጠሚቐ” ኽብል ኣይኽእልን እዩ።
16ንስድራ እስጢፋኖስ እባ ኣጥሚቐ ኣለኹ፤ ብዝተረፈ ግና፥ ካልእ ከም ዘጥመቕኩ ኣይፍለጠንን።
17ክርስቶስ ወንጌል ክሰብኽ እምበር፥ ከጥምቕ ኣይለኣኸንንሞ። እንተ ኾነ፥ መስቀል ክርስቶስ ከንቱ ምእንቲ ኸይኸውን፥ ዝሰብኮ ወንጌል፥ ኣብ ክእለት ዘረባ ዝተመስረተ ኣይነበረን።
18ናይ መስቀሉ ቓል፥(ለ) ንዝጠፍኡ ሰባት ዕሽነት እዩ፤ ንኣና ንእንድሕን ግና፥ ሓይሊ እግዚኣብሄር እዩ።
19“ኣነ፥ ጥበብ ጠቢባን ከጥፍእ እየ፤ ፍልጠት ፈላጣትውን ከፍርስ እየ” ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩሞ።
20ጥበበኛ ደኣ ኣበይ ኣሎ? መምህር ሕጊኸ ኣበይ ኣሎ? ፈላስፋ እዛ ዓለም እዚኣኸ ኣበይ ኣሎ? ኣምላኽዶ፥ ንጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ፥ ዕሽነት ኣይገበሮን እዩ?
21ብምኽንያት ጥበብ እግዚኣብሄር፥ ዓለም ብጥበባ ንእግዚኣብሄር ስለ ዘይፈለጠቶ፥ ነቶም ብዕሽነት ስብከት ዝኣምኑ፥ እግዚኣብሄር ከድሕኖም ሰናይ ፈቓዱ ኾይኑ እዩሞ።
22ኣይሁድ ምልክት ክሪኡ ይጥይቑ፤ ግሪካውያን ድማ ጥበብ ይደልዩ እዮም፤
23ንሕና ግና፥ ነቲ ንኣይሁድ መዐንቀፊ፥(ሐ) ንኣህዛብ ከዓ ዕሽነት ዝኾነ፥ ዝተሰቐለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣለና።
24ነቶም ፅዉዓት ግና፥ ኣይሁድ ኮኑ ግሪካውያን፥ ክርስቶስ ሓይሊ እግዚኣብሄር እዩ፤ ጥበብ እግዚኣብሄርውን እዩ።
25ዕሽነት እግዚኣብሄር መሲሉ ዝረአ፥ ካብ ጥበብ ሰብ ይበልፅ እዩሞ፤ ድኻም እግዚኣብሄር መሲሉ ዝረአ ኸዓ፥ ካብ ሓይሊ ሰብ ይብርትዕ እዩሞ።
26ኣሕዋተይ፥ እስኪ ኸመይ ከም ዝተፀዋዕኹም ተመልከቱ፤ ብዙሓት ካባኻትኩም በተሓሳስባ ሰብ፥ ፈላጣት ወይ ሓያላት ወይ ብትውልዲ ዝኸበርኩም ኣይነበርኩምን።
27እግዚኣብሄር፥ ንጥበበኛታት ምእንቲ ኸሕፍር፥ ናይ ዓለም ዕሽነት ዝኾነ ነገር መረፀ፤ ንሓያላት ምእንቲ ኽሕፍር ከዓ፥ እግዚኣብሄር ናይ ዓለም ድኹም ዝኾነ ነገር መረፀ።
28እግዚኣብሄር፥ ነቲ ዘሎ ኸንቱ ምእንቲ ኽገብር ከዓ፥ ነቲ ብዓለም ሕሱርን፥ ንዑቕን፥ ነቲ ዘይኮነ ነገርን መረፀ።
29እዙይ ከዓ፥ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ ኸይምካሕ ኢሉ እዩ።
30ግናኸ “እቲ ዝምካሕ፥ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ” ተብሂሉ ዝተፅሓፈ ምእንቲ ኽፍፀም፥ ካብ እግዚኣብሄር ጥበብን፥ ፅድቅን፥ ቅድስናን፥ ቤዛን ዝዀነልና፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኢኹም ዘለኹም።