1ሕዚ ኸዓ ኣሕዋተይ፥ ነቲ ኣነ ዝሰበኽኩልኩም ወንጌል፥ ከዘክረኩም እደሊ ኣለኹ። ንሱ ድማ እቲ ዝተቐበልኩምዎን፥ ብእኡ ድማ ፀኒዕኹም እትነብሩ ዘለኹምን እዩ።
2ነቲ ኣነ ዝሰበኽኩልኩም ቃል፥ ኣፅኒዕኹም ሒዝኩምዎ እንተ ሃሊኹምስ፥ ብእኡ ድሒንኩም ኢኹም፤ እንተ ዘይኮነ ግና፥ እምነትኩም ከንቱ እዩ።
3ነቲ ኣነ ዝተቐበልክዎ፥ ቅድሚ ዅሉ ኣመሓላሊፈልኩም እየ፤ ከምቲ ቕዱሳት መፃሕፍቲ ዝብልዎ፦ “ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ፤
4ተቐበረውን” ኸምቲ ቕዱሳት መፃሕፍቲ ዝብልዎ ኸዓ “ብሳልሳይ መዓልቲ ተስአ”
5ንጴጥሮስ ተርኣዮ፤ ደሓርውን ነቶም ዓሰርተ ኽልተ(ሀ) ተርአዮም።
6ብድሕሪኡ፥ ካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ንዝበዝሑ ኣሕዋት፥ ብሓደ ጊዜ ተርአየ፤ ካብኣቶም እቶም ዝበዝሑ ኽሳዕ ሎሚ ኣለዉ፤ ገሊኣቶም ግና ደቂሶም እዮም።
7ብድሕሪኡ ንያእቆብ፥ ብድሕሪኡ ኸዓ ንዅላቶም ሃዋርያት ተርአየ።
8ድሕሪ ዅላቶም ድማ፥ ብዘይ መዓልቱ ዝተወለደ ንዝመስል ንኣይ ተርኣየኒ።
9ኣነ ኻብ ኵላቶም ሃዋርያት ዝነኣስኩ እየ፤ ነታ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር ዘሳጐጕክዋ ስለ ዝኾንኩ ኸዓ፥ ሃዋርያ ኽበሃል ዘይግብአኒ እየ።
10እቲ ኾይነዮ ዘለኹ ግና፥ ብፀጋ እግዚኣብሄር እየ ኾይነዮ ዘለኹ፤ እቲ ንኣይ ዝሃበኒ ፀጋ ኸዓ፥ ከንቱ ኣይኮነን፤ እኳ ደኣ ሕልፊ ዅላቶም ፀዓርኩ። እንተ ኾነ፥ እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ፀጋ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን።
11እምበኣር ኣነ ኾንኩ ንሳቶም፥ ነዙይ ኢና እንሰብኽ ዘለና፤ ንስኻትኩምውን ነዙይ ኢኹም ዝኣመንኩም።
12ክርስቶስ ካብ ሙታን ከም ዝተስአ ኻብ ተሰበኸ፥ ከመይ ኢሎም ደኣ ኻባኻትኩም፥ ትንሳኤ ሙታን የለን ዝብሉ ዘለዉ?
13እምበኣር ትንሳኤ ሙታን ዘየለ እንተ ኾይኑስ፥ ክርስቶስውን ኣይተስአን።
14ክርስቶስ ዘይተስአ እንተ ኾይኑ ድማ፥ ስብከትና ኸንቱ እዩ፤ እምነትኩምውን ከንቱ እያ።
15እግዚኣብሄር ንክርስቶስ ከም ዘተስኦ መስኪርና ኔርና፤ ንምዉታን ዘየተስኦም እንተ ደኣ ኾይኑ ግና፥ እምበኣር ንክርስቶስውን ኣየተስኦን። ንሕና ኸዓ ሓሰውቲ መሰኻኽር እግዚኣብሄር ኴንና ንርከብ ኣለና።
16ንምዉታን ዘየተስኦም እንተ ኾይኑ፥ ክርስቶስውን ኣይተስአን።
17ክርስቶስ ዘይተስአ እንተ ኾይኑ ድማ፥ እምነትኩም ከንቱ እያ። ንስኻትኩምውን ገና ኣብ ሓጢኣትኩም ኢኹም ዘለኹም።
18እምበኣር እቶም ብክርስቶስ ዝደቀሱ ኸዓ፥ ጥፉኣት እዮም።
19ኣብ ክርስቶስ ዘላትና ተስፋ ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራሕ እንተ ደኣ ኾይና፥ ካብ ኵሉ ሰብ ዝበለፀ እነሕዝን ኢና።(ለ)
20ክርስቶስ ግና ኻብ ሞት ተስአ፤ በዙይ ከዓ፥ ናይቶም ዝሞቱ በዅሪ ትንሳኤ ኾነ።
21ስለዙይ ከምቲ ብሓደ ሰብ ሞት ዝመፀ፥ ከምኡ ኸዓ ትንሳኤ ሙታን፥ ብሓደ ሰብ እዩ ዝመፀ።
22ከምቲ ዅላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፥ ከምኡ ድማ፥ ኵላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ክኾኑ እዮም።
23ግና ነፍሲ ወከፍ በብመስርዑ እዩ፤ ኣቐዲሙ ክርስቶስ ተስአ፤ ደሓር ኣብ ካልኣይ ምፅኣቱ፥ እቶም ናይ ክርስቶስ ዝኾኑ፥ ክትስኡ እዮም።
24ክርስቶስ ከዓ፥ ኵሉ መንግስትን ስልጣንን ሓይልን ስዒሩ፥ እታ መንግስቲ ንእግዚኣብሄር ኣብ ምስ ወፈያ፥ ሽዑ መወዳእታ ክኸውን እዩ።(ሐ)
25ንዅሎም ፀላእቱ፥ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኽሳዕ ዝገብሮም ክነግስ ይግብኦ እዩ እሞ።
26እቲ ኽሰዓር ዘለዎ ናይ መወዳእታ ፀላኢ ኸዓ፥ ሞት እዩ።
27መፅሓፍ “እግዚኣብሄር፥ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ እግሩ ኣግዚኡሉ እዩ” ይብል፤ እንተ ኾነ፥ “ኵሉ ኣግዚኡሉ እዩ” ኽብል እንተሎ ግና፥ ነቲ ኸም ዝግዝኦ ንዝገበረ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ከም ዘይምልከት ግሁድ እዩ።
28ኵሉ ምስ ተገዝአሉ ግና፥ ኣምላኽ ኵሉን ኣብ ኵሉን ምእንቲ ክኸውን፥ ወልድ ባዕሉ፥ ነቲ ዅሉ ዘግዝአሉ ኽግዛእ እዩ።
29እንተ ዘይኮነ፥ እቶም ክንዲ ምዉታን ዝጥመቑ ደኣ፥ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ? ብሱሩ ምዉታን ዘይትስኡ እንተ ኾይኖምከ፥ ስለ ምንታይ ደኣ ኽንድኣቶም ዝጥመቑ?(መ)
30ስለ ምንታይከ ንሕና ዅሉ ጊዜ ንመከራ እንቃላዕ?
31ኣሕዋተይ፥ ኣነ በብመዓልቱ ሞት ዘጋጥመኒ ዘሎ፥ በቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ዘለኒ ትምክሕቲ ኸም ዝኾነ፥ ኣረጋግፀልኩም ኣለኹ።
32ከም ኣተሓሳስባ ሰብ እንተ ኾይኑ፥ ኣነ ኣብ ኤፌሶን ምስ ኣራዊት ዝተዋጋእኹ ደኣ፥ እንታይ እዩ ረብሓይ? ምውታን ዘይትስኡ እንተ ኾይኖም ግና፥ ከምቲ “ዒራ ፅባሕ ክንመውት ኢናሞ ንብላዕ ንስተ” ዝብልዎዶ ኣይምኾነን?
33ኣይትታለሉ፤ ሕማቕ ዕርክነት ንፅቡቕ ባህርይ የበላሽዎ እዩ።
34ቅንዕና ንምግባር ተበራበሩ፤ ሓጢኣትውን ኣይትግበሩ፤ ገሊኣቶም ካባኻትኩም፥ ንእግዚኣብሄር ዘይፈልጥዎ ኣለዉሞ፥ ምእንቲ ኽትሓፍሩ ኢለ እየ፥ እዙይ ዝብል ዘለኹ።
35ገሊኡ ሰብ ግና “ምዉታን ከመይ ኢሎም እዮም ዝትስኡ? ከመይ ዝበለ ሰብነትከ እዩ ኽህልዎም?” ዝብል ይህሉ ይኸውን።
36ኣታ ዓሻ! እቲ ንስኻ እትዘርኦ እንተይሞተ፥ ህይወት ኣይረክብን እዩ።
37እቲ እትዘርኦ ድማ፥ ናይ ስርናይ ወይ ናይ ካልእ ዓይነት ፍረ ጥራሕ እዩ እምበር፥ ነቲ ዝኸውን ኣካል ኣይኮንካን እትዘርኦ።
38ኣምላኽ ግና፥ ከም ዝደለዮ ገይሩ እዩ ኣካል ዝህቦ። ንነፍሲ ወከፍ ዘርኢውን፥ ነናቱ ኣካል ይህቦ።
39ስጋ ሰብ በይኑ፥ ስጋ እንስሳ በይኑ፥ ስጋ ኣዕዋፍ በይኑ፥ ስጋ ዓሳውን በይኑ ደኣ እዩ እምበር፥ ኵሉ ስጋ ሓደ ዓይነት ኣይኮነንሞ።
40ሰማያዊ ኣካል ኣሎ፤ ምድራዊ ኣካል ከዓ ኣሎ፤ ግና ኽብሪ እቲ ሰማያዊ በይኑ፥ ክብሪ እቲ ምድራዊውን በይኑ እዩ።
41ክብሪ ፀሓይ በይኑ፥ ክብሪ ወርሒ በይኑ፥ ክብሪ ኸዋኽብቲ እውን በይኑ እዩ፤ ብኽብርስ፥ ኮኸብውን ካብ ኮኸብ ይበልፅ እዩ።
42ትንሳኤ ሙታንውን ከምኡ እዩ፤ ብዝብስብስ ይዝራእ፤ ብዘይብስብስ ከዓ ይትስእ።
43ብውርደት ይዝራእ፤ ብኽብሪ ይትስእ። ብድኻም ይዝራእ፤ ብሓይሊ ይትስእ።
44ስጋዊ ኣካል ይዝራእ፥ መንፈሳዊ ኣካል ይትስእ። ስጋዊ ኣካል እንተ ሃልዩ፥ መንፈሳዊ ኣካልውን ኣሎ።
45“እቲ ቐዳማይ ሰብ ኣዳም፥ ህያው ነፍሲ ኾነ” ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ። እቲ ዳሕረዋይ ኣዳም ከዓ፥ ህይወት ዝህብ መንፈስ ኮነ።
46ግና ቕድም እቲ ስጋዊ፥ ደሓር ከዓ፥ እቲ መንፈሳዊ እዩ እምበር፥ እቲ መንፈሳዊ መጀመርታ ኣይኮነን።
47እቲ ቐዳማይ ሰብ፥ ካብ መሬት ስለ ዝኾነ መሬታዊ እዩ፤ እቲ ኻልኣይ ሰብ ግና ኻብ ሰማይ እዩ።
48እቶም መሬታውያን ከምቲ መሬታዊ እዮም፤ እቶም ሰማያውያን ድማ፥ ከምቲ ሰማያዊ እዮም።
49ከምቲ ምስሊ እቲ መሬታዊ ዝለበስና፥ ከምኡ ድማ ምስሊ እቲ ሰማያዊ ኽንለብስ ኢና።
50ግና ኣሕዋተይ፥ ስጋን ደምን፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ክወርስ ከም ዘይከኣሎ፥ እቲ መዋታይ ነቲ ዘይመውት ከም ዘይወርስ፥ እነግረኩም ኣለኹ።
51እንሆ ምስጢር እነግረኩም ኣለኹ፤ እቲ ናይ መወዳእታ መለኸት ምስ ተነፍሐ፥ ኵላትና ብሓንሳእ ብቕፅበት ዓይኒ ኽንልወጥ ኢና እምበር፥ ኵላትና ኣይንድቅስን ኢና። እቲ መለኸት ክንፋሕ እዩ እሞ፥ እቶም ምዉታን ድማ፥ ዘይሞቱ ኾይኖም ክትስኡ(ሠ) እዮም፤ ንሕናውን ክንልወጥ ኢና።
53እቲ ዝጠፍእ ዘይጠፍእ፥ እቲ መዋታይ ከዓ ዘይመውት ክለብስ ይግብኦ እዩሞ።
54እቲ ዝጠፍእ ዘይጠፍእ፥ እቲ መዋታይ ዘይመውት ምስ ለበሰ፥ ሽዑ፦ “ሞት ተሸኒፉ ተውሓጠ” ተብሂሉ ዝተፅሓፈ ቓል ክፍፀም እዩ።
55“ኦ ሞት፥ መውግኢኻ ኣበይ ኣሎ? ሲኦልከ ኣሸናፊነትካ ኣበይ ኣሎ?”(ረ)
56ናይ ሞት መውግኢ፥ ሓጢኣት እዩ፤ ናይ ሓጢኣት ሓይሊ ኸዓ፥ ሕጊ እዩ።
57ግና ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ክነሸንፍ ዝገበረና እግዚኣብሄር፥ ምስጋና ይኹኖ።
58ስለዙይ፥ ፍቑራት ኣሕዋተይ፥ ፃዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኮነ ፈሊጥኩም ኢኹምሞ፥ ፅኑዓት፥ ዘይትነቓነቑ፥ ኵሉ ጊዜ ስራሕ ጐይታ ዝበዝሐልኩም ኩኑ።