1ይ ቆረንቶስ 11

BCVትግርኛ34 ፍቕድታት5:00 ስማዕ
ስማዕ 5:00 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ከምቲ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘለኹ፥ ንስኻትኩምውን ንኣይ ምሰሉ።

2ብዅሉ ስለ እትዝክሩንን፥ ነቲ ኻባይ ዝተቐበልኩምዎ ስርዓትውን፥ ኣፅኒዕኹም ስለ ዝሓዝኩምዎን፥ እንእደኩም ኣለኹ።

3ግናኸ ርእሲ ሰብኣይ ክርስቶስ፥ ርእሲ ሰበይቲ ኸዓ ሰብኣይ፥ ርእሲ ክርስቶስውን እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ፥ ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ።

4እቲ ኽፅሊ እንተሎ ወይ ክንበ እንተሎ፥ ርእሱ ዝጕልበብ ሰብኣይ፥ ንርእሱ የዋርድ።(ሀ)

5እታ ኽትፅሊ እንተላ ወይ ክትንበ እንተላ፥ ርእሳ ዘይትጕልበብ ሰበይቲ ድማ፥ ከምታ ልፅይቲ ርእሲ እያ እሞ፥ ነቲ ርእሳ ዝኾነ ሰብኣይ ተዋርዶ።

6ሰበይቲ ዘይትጕልበብ እንተ ኾይና ግና፥ ፀጕራ ትላፀ ወይ ትቈረፅ። ንሰበይቲ፥ ምቝራፅ ወይ ምልፃይ ፀጕራ ዘነውራ እንተ ኾይኑ ትጐልበብ።

7ሰብኣይ፥ ምስሊ እግዚኣብሄርን ክብሩን ዝገልፅ ስለ ዝኾነ፥ ክጕልበብ ኣይግብኦን እዩ። ሰበይቲ ግና፥ ክብሪ ሰብኣይ እያ እትገልፅ።

8ሰበይቲ እያ ኻብ ሰብኣይ ዝተረኽበት እምበር፥ ሰብኣይ ካብ ሰበይቲ ኣይተረኽበንሞ።

9ከምኡውን፥ ሰበይቲ እያ ምእንቲ ሰብኣይ ዝተፈጥረት እምበር፥ ሰብኣይ ምእንቲ ሰበይቲ ኣይተፈጥረን።

10በዝ ምኽንያት እዙይን፥ ምእንቲ እቶም መላእኽትን፥(ለ) ሰበይቲ ኣብ ርእሳ ምልክት ስልጣን ናይ ሰብኣያ፥ ክህልዋ ይግባእ።

11ብጐይታ ዘለና ህይወት ግና፥ ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይ፥ ሰብኣይ ድማ ብዘይ ሰበይቲ፥ ከቶ ኣይኸውንን እዩ።(ሐ)

12ከምቲ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣይ ዝኾነት፥ ከምኡውን ሰብኣይ ካብ ሰበይቲ እዩ፤ ኵሉ ኸዓ ኻብ እግዚኣብሄር እዩ።

13እስኪ ባዕልኻትኩም ፍረዱ፤ ሰበይቲ ርእሳ እንተይተጐልበበት፥ ናብ እግዚኣብሄር ክትፅሊዶ ይግባእ እዩ?

14ወይ ከዓ ሰብኣይ ፀጕሩ እንተ ኣንውሐ፥ ነውሪ ምዃኑስ እቲ ተፈጥሮ ባዕሉዶ፥ ኣይምህረኩምን እዩ?

15ሰበይቲ ፀጕራ እንተ ኣንውሐት ግና፥ ክንዲ መጐልበቢ ተውሂብዋ እዩ እሞ፥ ንእኣ ኽብረታ እዩ።

16ዝኾነ ሰብ፥ ብዛዕባ እዝ ነገርዙይ ክከራኸር እንተ ደልዩ፥ ንሕናን እተን ናይ እግዚኣብሄር ኣብያተ ክርስቲያንን፥ ከምዙይ ዝበለ ልማድ የብልናን።

17ክትእከቡ እንተለኹም እትገብርዎ፥ ክንዲ ንፅቡቕ ንሕማቕ ስለ ዝኾነ፥ በዝ ዝህበኩም ዘለኹ ትእዛዝ፥ ኣይንእደኩምን እየ።

18ቅድሚ ዅሉ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክትእከቡ እንተለኹም፥ ኣብ ማእኸልኩም፥ ምፍልላይ ከም ዘሎ ሰሚዐ ኣለኹሞ። ገሊኡ ኸዓ እኣምኖ እየ።

19እቶም ቅኑዓት ምእንቲ ኽገሃዱስ፥ ኣብ ማእኸልኩም ምፍልላይ ክኸውን ግድን እዩ።

20እቲ ብሓደ ምእካብኩም፥ ማእዲ ጐይታ ንምብላዕ ኣይኮነን።

21ክትበልዑ እንተለኹም፥ ነፍሲ ወከፍ ተቐዳዲሙ ደድራሩ ይበልዕ እዩ እሞ፤ እቲ ሓደ እንትጠሚ፥ እቲ ሓደ ይሰክር።

22እትበልዑሉን እትሰትዩሉን ኣባይቲዶ፥ የብልኩምን ኢኹም? ነቶም ዘይብሎም እተሕፍርዎም ዘለኹምስ፥ ንቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር ንዒቕኩም ዲኹም? እንታይ እሞ ኽብለኩም እየ? ወይ እንታይ እሞ ኽብል? በዙይዶ ኽንእደኩም እየ? ከቶ ኣይንእደኩምን።

23እቲ ንኣኻትኩም ዘመሓላለፍኩልኩም፥ ነቲ ኻብ ጐይታ ኢየሱስ ዝተቐበልኩዎ እዩ፤ ጐይታና ኢየሱስ፥ በታ ዝተትሓዘላ ለይቲ፥ ሕብስቲ ኣልዓለ።

24ኣመስጊኑ ቘሪሱ፥ “እንኩ፥ ብልዑ፤ እዙይ ምእንታኻትኩም ዝወሃብ ስጋይ እዩ፤ እዙይ ንመዘከርታይ ግበርዎ” በለ።

25ከምኡ ኸዓ ምስተደረሩ፥ ነቲ ፅዋዕ ኣልዒሉ “እዝ ፅዋዕ እዙይ፥ ብደመይ ዝኸውን ሓድሽ ኪዳን እዩ፤ ኣብ እትሰትዩሉ ጊዜ ዅሉ፥ ንመዘከርታይ ግበርዎ” በለ።

26ነዝ ሕብስቲ እዙይ ኣብ እትበልዕዎ፥ ነዝ ፅዋዕ እዙይውን ኣብ እትሰትይዎ ጊዜ ዅሉ፥ ክሳዕ ጐይታ ዝመፅእ፥ ሞቱ ኢኹም እትነግሩ።

27ስለዙይ እንተይተገብኦ፥ ሕብስቲ ጐይታ ዝበልዕ ወይ ፅዋዕ ጐይታ ዝሰቲ፥ ንናይ ጐይታ ስጋን ደምን እዩ ዝብድል።

28እምበኣር ሰብ ካብዝ ሕብስቲ እዙይ ቅድሚ ምብላዑን፥ ካብዝ ፅዋዕ እዙይ ቅድሚ ምስታዩን ንባዕሉ ይመርምር።

29እንተይተገብኦ ዝበልዕን ዝሰትን፥ ናይ ጐይታ ስጋ ስለ ዘይፈለጠ፥ ኣብ ባዕሉ ፍርዲ እዩ ዘምፅእ።

30በዝ ምኽንያት እዙይ እዮም፥ ኣብ ማእኸልኩም ብዙሓት ድኹማትን ሕሙማትን ዘለዉ፤ ዝደቀሱውን ብዙሓት እዮም።

31ንባዕልትና ብትኽክል እንተ እንፈርድስ፥ ኣይምተፈረደናን ነይሩ።

32ግና እንተ ተፈረደና፥ ምስ ዓለም ምእንቲ ኸይንዅነን ኢሉ እዩ፥ ጐይታ ዝግስፀና።

33ስለዙይ ኣሕዋተይ፥ ንማእዲ ጐይታ ኽትእከቡ እንተለኹም፥ ንስንሳትኩም ደኣ ተፀባበዩ።

34ምእካብኩም ንፍርዲ ምእንቲ ኸይኸውን፥ ዝጠመየ እንተ ሃልዩ፥ ኣብ ገዛኡ ይብላዕ። ነቲ ዝተረፈ ግና፥ ምስ መፃእኹ ኽሰርዐልኩም እየ።

ትርጓሜ

ናይ እዚ ምዕራፍ እዚ ቀዳማይ ጥቕሲ፡ ናይቲ ዝሓለፈ ምዕራፍ መደምደምታ ኪኸውን ቅኑዕ ይመስል። እቲ ሃዋርያ፡ ኪኣምንዎ ዝግብኦም ትምህርቲ ጥራይ ኣይሰበኸን፡ የግዳስ ኪነብሩዎ ዝግብኦም ህይወት ድማ መርሔ። ይኹን እምበር፡ ክርስቶስ ፍጹም ኣብነትና ስለዝኾነ፡ እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተገሊጹ ዘሎ ግብሪን ኣካይዳን ሰባት፡ ንዕኡ ዝመሳሰሉ ክሳዕ ዝኾኑ ጥራይ ኪስዕቡ ይግባእ።

11:2-16 ኣብዚ ብዛዕባ ህዝባዊ ኣኼባታት ዝምልከት ፍሉይ መምርሒታት ይጅምር፣ ምዕ. 1ቆሮ 14። ኣብቲ ንቆሮንቶሳውያን ዝወሃቦም ዝነበረ ብዙሕ መንፈሳዊ ውህበታት ገለ ምግምማዕ ኣትይዎ ነይሩ፤ ክርስቶስ ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዝገበረን ንኽብሪ ኣምላኽ ከም ዝደለየን ድማ፣ ክርስትያን እውን ንክርስቶስ ምግዛኡ ኪእውጅ ይግብኦ፣ ፍቓዱ ኺገብርን ክብሩ ኺደልን ኣለዎ። ንክርስቶስ ዘሕፍር ኵሉ ነገር፣ እንተሎ ድማ ብኣከዳድናናን ኣገባብናን፣ ኪወገድ ይግብኦ። ሰበይቲ ንኻብኡ ዝተገብረት ወዲ ሰብ ምእንቲ ሓገዙን ምጽንናዑን እያ ተገዚኣ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ድማ ምስ ወዲ ሰብ ማዕርነት ትሓትት ዘርኢ ነገር ክትገብር የብላን። ምኽንያቱ መላእኽቲ ስለ ዘለዉ፣ ኣብ ርእሳ ስልጣን፣ ማለት መጋረጃ፣ ኪህልዋ ይግብኦ። ኣብ ኣምልኾ ኣምላኽ ከለዉ፣ ምህላዎም ንክርስትያናት ካብ ኵሉ ጌጋ ኺሕልዎም ይግባእ።

ይኹንምበር፣ ወዲ ሰብን ሰበይትን ንሓድሕዶም እዮም ተፈጢሮም። ሓደ ባርያ እቲ ሓደ ድማ ገባሪ ግፍዒ ከይኮኑ፣ ንሓድሕዶም መጸናንዕን በረኸትን ኪኾኑ እዮም ተገይሮም። ኣምላኽ፣ ኣብ መንግስቲ መለኮታዊ ምምሕዳርን ኣብ መንግስቲ ጸጋን፣ ስልጣንን ምግዛእን ናይ ነፍሲ ወከፍ ወገን ንሓድሕዳዊ ሓገዝን ጥቕምን ኪኸውን ኢሉ ንነገራት ኣሰናዲዩዎ ኣሎ። ኣብ ህዝባዊ ኣኼባታት፣ ደቂ ኣንስትዮ ተሸፊነን ኪቐርባን ኣብ ህዝባዊ ኣምልኾ ኪዋስኣን፣ ልሙድ ኣገባብ ናይ ኣብያተ ክርስቲያን ነበረ፤ ከምኡ ምግባረን ድማ ቅኑዕ ነበረ። ክርስትያናዊ ሃይማኖት፣ ሃገራዊ ልምድታት፣ ነቶም ዓበይቲ ስርዓታት ሓቅን ቅድስናን ዝጻረሩ እንተዘይኮይኖም፣ ይድግፎም እዩ፤ ንፍርያዊ ፍልልያት ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝኾነ ምድጋፍ የብሎን።

11:17-22 እቲ ሓዋርያ ኣብቲ ምቅባል ድራር ጐይታኦም ተራእዩ ዝነበረ ምብካል ይወቕስ። ስርዓታት ክርስቶስ እንተዘይኣሐይስናስ፣ ክኸፍኣና እዩ ዝኽእል። ኣጠቓቕማኦም እንተዘይኣመሓየሸስ፣ ልቢ የደቅቕ። ኣብ ምትእኽኻቦም ናብ ፍልልይን ምንቅልቃልን ወዲቖም። ክርስትያናት ካብ ንሓድሕድ ምትእኽኻብ ክፈላለዩ ይኽእሉ እዮም፣ ገና ግን ንሓድሕድኦም ፍቕሪ ክህልዎም ይኽእል እዩ፤ ኣብቲ ሓደ ምትእኽኻብ ክቕጽሉ እናኸኣሉ ኸኣ፣ ንሓድሕድኦም ፍቕሪ ዘይብሎም ክኾኑ ይኽእሉ። እዚ ዳሕረዋይ እዩ፣ ካብቲ ቀዳማይ ንላዕሊ ምንቅልቃል ዝበሃል። ንድራር ጐይታ ብዘይዕንቅፋትን ብዘይስሩዕን ምብላዕ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ንገበን ይውስኽ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6