1ደቂ ሮቤል በዅሪ ወዱ ንእስራኤል እዚኣቶም እዮም። ሮቤል በዅሪ ወዱ ነበረ፤ ግና ደፊሩ ዓራት ኣቦኡ ስለ ዘርከሰ፥ መሰል ብዅርናኡ ንደቂ ዮሴፍ ወዲ እስራኤል ተውሃበ። ኣብ መፅሓፍ ትውልዲ ግና፥ ከም በዅሪ ኣይተፅሓፈን።
2ይሁዳ ድማ ኣብ ማእኸል ኣሕዋቱ በርትዐ፤ ገዛኢውን ካብኡ ወፀ፥ ብዅርና ግና ናይ ዮሴፍ እዩ ዝነበረ።
3ደቂ ሮቤል በዅሪ ያእቆብ፦ ሄኖሕ፥ ፈሊሶ፥ ኣስሮን፥ ከርሚ ነበሩ።
4ኢዮኤል ንሸማያ፥ ሸማያ ንጎግ፥ ጎግ ንሰሜዒ ወለደ፤
5ሰሜዒ ንሚካ፥ ሚካ ንረኣያ፥ ረኣያ ንቢዔል ወለደ፤
6ቢዔል ንብኤራ ወለደ፤ ብኤራ እቲ ቴልጌልቴልፌልሶር ንጉስ ኣሶራውያን ዝማረኾ፥ ሹም ደቂ ሮቤል ነበረ።
7ኣሕዋቱ በብማይ ቤቶም መዝገብ ትውልዶም ምስተቘፀረ ቀዳማይ፦ ኢዮኤል፥ ዘካርያስ፥
8ባላቅ ወዲ ዓዛዝ፥ ወዲ ሸማዕ፥ ካብ ማይ ቤት ኢዮኤል። ነገድ ሮቤል ኣብ ዓሮዔር ክሳዕ ናባን በዓል ሜዎን ተቐመጡ።
9መጓሰታቶም ኣብ ሃገር ገለዓድ በዚሐን ነበራ እሞ፥ ብወገን ምብራቕ ድማ ኻብ ሩባ ኤፍራጥስ ክሳዕ እቲ ንበረኻ ዘእቱ ይቕመጡ ነበሩ።
10ብዘመን ሳኦል ከዓ ምስ ኣጋራውያን ተዋግኡ እሞ ሰዓርዎም፤ ኣብ ኵሉ ምብራቕ ገለዓድ ከዓ ኣብቲ ዝሰዓርዎ ዓድታት ኣብ ድንኳናቶም ተቐመጡ።
11ደቂ ጋድ ድማ ኣብ መንፅር ነገድ ሮቤል ኣብ ምድሪ ባሳን ክሳዕ ሳልካ ተቐመጡ፤
12ቀዳማይ ኢዮኤል ሓለቓ፥ ሳፋም ከዓ ኻልኣይ፥ ያናይን ሳፋጥን ድማ ኣብ ባሳን ተቐመጡ።
13በብማይ ቤት ኣቦታቶም ከዓ፥ ሚካኤል፥ ሜሱላም፥ ሳባ፥ ዮራይ፥ ያካን፥ ዙኤ፥ ኦቤድ ዝበሃሉ ሸውዓተ ኣሕዋት ነበርዎም።
14እዚኣቶም ካብ ኣቢካኢል ወዲ ዑሪ፥ ወዲ ያሮዓሕ፥ ወዲ ገለዓድ፥ ወዲ ሚካኤል፥ ወዲ የሺሻይ፥ ወዲ ዮዳይ፥ ወዲ ቡዝ፥ ዝውለዱ እዮም።
15ኣሒ ወዲ ዓብዲኤል፥ ወዲ ጉኒ፥ ዋና ማይ ቤት ኣቦታቶም ነበረ።
16ነገድ ጋድ ኣብ ገለዓድን ኣብ ባሳንን ኣብተን ኣብኡ ዘለዋ ዓድታትን ኣብ ኵሉ መዋፈሪታት ሳሮን ክሳዕ ወሰና ይቕመጡ ነበሩ።
17እዚኣቶም ኵላቶም ብዘመን ኢዮኣታም ንጉስ ይሁዳን ብዘመን ኢዮርብዓም ንጉስ እስራኤልን ኣብ መፅሓፍ ወለዶ ተፅሒፎም ነበሩ።
18ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ጀጋኑ፥ ዋልታን ሰይፍን ዘልዕሉ፥ ቀስቲ ኸዓ ዝግትሩ ንውግእ ዝተዳለዉ፥ ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ስሳን ነበሩ።
19ንሳቶም ድማ ምስ ሃግራውያንን ምስ የጡርን ናፊሽን ኖዳብን ተዋግኡ።
20ናብ እግዚኣብሄር ስለ ዘእወዩ እግዚኣብሄር ከዓ ረድኦም፤ ንሃግራውያንን ነቶም ምስኣቶም ዝነበሩ ዅሎምን ከዓ ኣብ ኣእዳዎም ኣሕሊፉ ሃቦም። በቲ ጊዜ ውግእ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ እሞ፥ ብእኡ ስለ ዝኣመኑ ሰምዖም።
21ካብ መጓሰታቶምውን ሓምሳ ሽሕ ግመልን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሽሕ በጊዕን ክልተ ሽሕ ኣእዱግን ዘመቱ። ካብ ሰብ ድማ ሚእቲ ሽሕ ሰብ ማሪኾም ወሰዱ።
22እቲ ውግእ ካብ እግዚኣብሄር ነበረ እሞ፥ ብዙሓት ሰባት ተወጊኦም ወደቑ። ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ከዓ ኽሳዕ ዘመን ምርኮ ኣብ ሰፈሮም ተቐመጡ።
23ፈረቓ ነገድ ደቂ ምናሴ ድማ ኣብታ ሃገር እቲኣ የመና በዝሑ፤ ካብ ባሳን ክሳዕ በዓል ሔርሞንን ሰኒርን ክሳዕ እምባ ሔርሞንን ብብዝሒ ይቕመጡ ነበሩ።
24ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታቶም ድማ እዚኣቶም እዮም፦ ዔፈር፥ ይሽዒ፥ ኤሊኤል፥ ዓዝሪኤል፥ የርሚያ፥ ሆዳውያ፥ ያሕዲኤል። እዚኣቶም ሓያላት ጀጋኑ ሰባት፥ ስሙያት ሰባት፥ ነናይ ማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት ነበሩ።
25ንኣምላኽ ኣቦታቶም ከዲዖም ንኣማልኽቲ እቶም ኣምላኽ ካብ ቅድሚኣቶም ዘጥፍኦም ህዝብታት እታ ሃገር ሰገዱ።
26ኣምላኽ እስራኤል ድማ ንመንፈስ ፎሓ ንጉስ ኣሶርን፥ ንመንፈስ ቴልጌልቴልፌልሶርን ዝበሃል ንጉስ ኣሶርን ኣተሲኡ ነቶም ህዝቢ፥ ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ማሪኹ፥ ናብ ኣላሔን ናብ ኣቦርን ናብ ሓራን ናብ ሩባ ጎዛንን ኣእተዎም። ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ኣብኡ ኣለዉ።