1ደቂ ይሁዳ፦ ፋሬስ፥ ኤስሮም፥ ካርሚ፥ ሆር፥ ሶባል እዮም።
2ራያ ወዲ ሶባል ድማ ንኢኤት ወለደ፤ ኢኤት ከዓ ንኣሑማይን ንላሃድን ወለደ፤ እዚኣቶም ዓሌት ፆርዓታውያን እዮም።
3ደቂ ኣቦ ዔጣም ድማ እዚኣቶም እዮም፦ ኢይዝራኤል፥ ይሽማ፥ ይድባሽ፤ ሃፅለልፎኒ እትበሃል ሓፍቲ ድማ ነበረቶም።
4ፋኑኤል ኣቦ ጌዶር፥ ዔፄር ኣቦ ሑሻም፥ እዚኣቶም ደቂ ሆር በዅሪ ኤፍራታ ንቤተ ልሔም ዝመስረተ እዮም።
5እቲ ንቴቁሔ ዝመስረተ ኣሽሑር፥ ሔላን፥ ናዕራን፥ ዝበሃላ ኽልተ ኣንስቲ ነበራኦ።
6ነዕራ ኸዓ ንኣሑዛምን ንኦፌርን ንቴምኒን ንኣሓሽታሪን ወለደትሉ፤ እዚኣቶም ደቂ ነዕራ እዮም።
7ደቂ ሔልኣ፦ ዔፌት፥ ይፅሓር፥ ኤትናን እዮም።
8ቆፅ ከዓ ንዓኑብን ንሃፆቤባን ንዓሌታት ኣሓርሔል ወዲ ሃሩምን ወለደ፤
9ያቤፅ ድማ ኻብ ኣሕዋቱ ዝኸብር ነበረ። እኖኡ ኸዓ ብብርቱዕ ፃዕሪ ስለ ዝወለደቶ ያቤፅ ኢላ ሰመየቶ።
10ያቤፅ ድማ፦ “ኦ ኣምላኽ! በይዛኻ ባርኸኒ፤ ወሰናተይ ከዓ ኣግፍሐለይ፤ ኢድካውን ምሳይ ትኹን፤ ሓዘን ካብ ዘምፅአለይ ክፉእ ነገር ሓልወኒ” ኢሉ ንኣምላኽ እስራኤል ፀውዐ። ኣምላኽ ከዓ ኸምቲ ዝለመኖ ገበረሉ።
11ክሉብ ሓው ሹሓ ድማ ንምሒር ወለደ፤ ምሒር ከዓ ንኤሽቶን ወለደ፤
12ኤሽቶን ከዓ ንቤት ራፋን ንፋሴሓን ንተሒና ኣቦ ዒርናሓሽን ወለደ፤ እዚኣቶም ሰብ ሬካ እዮም።
13ደቂ ቄኔዝ፦ ጎቶንያል፥ ሰራያ እዮም። ደቂ ጎቶንያል፦ ሓታት፥ መዖኖታይ እዮም፤
14መዖኖታይ ድማ ንኤፍራታ ወለደ፤ ሰራያ ኸዓ ነቦ እቶም ኣብ ለሰ ፀራቦ ዝነበሩ ንኢዮኣብ ወለደ፤ ንሳቶም ከዓ ፀረብቲ ነበሩ።
15ካሌብ ወዲ ዮፎኒ ድማ ንዒሩን ንኤላን ንዓምን ወለደ፤ ኤላን ከዓ ንቄኔዝ ወለደ፤
16ደቂ ይሃለልኤል፦ ዚፍ፥ ዚፋ፥ ቲርያ፥ ኣሳርኤል ነበሩ።
17ደቂ እዝራ፦ ዮቴር፥ ሜሬድ፥ ዔፈር፥ ያሎን ነበሩ። ሜሬድ ንቢትያ ጓል ፈርዖን ኣእተዋ፤ ንሳ ኸዓ ማርያም ንትበሃል ጓልን ንይሽባን ነቲ ንኣሽትምዓ ኣቦ ዝኾነ ንይሽባን ወለደ። ሜሬድ ኣይሁዳዊት ሰበይቲ ነበረቶ። ንሳ ድማ ነቲ ንጌዶር ኣቦ ንዝኾነ ንዩሬድን፥ ነቲ ንሶኮን ኣቦ ንዝኾነ ሔቤርን፥ ንዛኖዋ ኣቦ ንዝኾነ ንይቁቲኤልን ወለደትሉ።
19ሆድያ ንሓፍቲ ናሓም ኣእተወ። ካብኣ ኸዓ ነቶም ኣብ ቅዒላ ዝነብሩ ዓሌት ገርሚን፥ ነቶም ኣብ ኤሽተሞዓ ዝነብሩ ዓሌት መዓካታን ኣቦ ኾነ።
20ደቂ ሺሞን፦ ኣምኖን፥ ሪና፥ ቤንሓናን፥ ቲሎን እዮም። ደቂ ይሽዒ፦ ዞሔት፥ ቢንዞሔት እዮም።
21ይሁዳ ድማ ንሴሎም ወለደ፤ ሴሎም ከዓ ነቲ ንሌካ ኣቦ ንዝኾነ ንዔር፥ ንማሬሻ ኣቦ ንዝኾነ ለዓዳ፥ ነቶም ካብ ኣሽቤዓ ንዝኾኑ
22ንዮቂምን ንሰብ ኮዜባን፥ ነቶም ኣብ ቤተ ልሔም ዝተቐመጡ ኣብ ሞኣብ ዝገዝኡ ዝነበሩ ዮኣሽን ሳራፍን ወለደ፤ እዙይ ግና ናይ ኣለምቲ ሃሪ ጥንታዊ ታሪኽ እዩ።
23እዚኣቶም ኣብ ነታዪምን ግደራን ዝነብሩ ሰራሕቲ መሬት ነበሩ። ስራሕ ንጉስ እናገበሩ ኸዓ ኣብኡ ይቕመጡ ነበሩ።
24ደቂ ስምኦን፦ ነሙኤል፥ ያሚን፥ ያሪን፥ ዛራ፥ ሳኡል እዮም።
25ሳኡል ንመብሳም ወለደ፤ ማብሳም ንማስማዕ ወለደ።
26ማስማዕ ንሓሙኤል ወለደ፤ ሓሙኤል ንዘኩር ወለደ፤ ዘኩር ንሰሜኢ ወለደ።
27ሰሜኢ ድማ ዓሰርተ ሽዱሽተ ኣወዳትን ሽዱሽተ ኣዋልድን ነበርዎ። ነቶም ኣሕዋቱ ግና ብዙሓት ውሉድ ኣይነበርዎምን። ዓሌት ስምኦን ከዓ ኽንዲ ዓሌት ይሁዳ ኣይሰሰነን።
28ንሳቶም ኣብ ቤርሳቤህ፥ ሞላዳ፥ ሓፃርሹዓል፥
29ኣብ ቢልሃ፥ ኣብ ዔፀም፥ ኣብ ቶላድ፥
30ኣብ ቤቱኤል፥ ኣብ ሖርማ፥ ኣብ ፂቅላግ፥
31ኣብ ቤት ማርካቦት፥ ኣብ ሃፀር ሲሲም፥ ኣብ ቤት ብርኢ፥ ኣብ ሸዓራይም፥ ይቕመጡ ነበሩ። ዳዊት ክሳዕ ዝነግስ ከተማታቶም እዚኣተን ነበራ።
32ከምኡውን ዔጣም፥ ዓዪን፥ ሪሞን፥ ቶኬን፥ ዓሻን ዝበሃላ ሓሙሽተ ኸተማታት ነበራኦም።
33እተን ኣብ ዙርያ እዘን ከተማታት ሰራዊ ኽሳዕ በዓላት ዘለዋ ዅለን ዓድታቶም እየን። ዝነብርወን ዝነበሩ እዚኣተን እየን፤ ትውልዶም ዝነግር መፅሓፍ ድማ ነበሮም።
34መሾባብ፥ ያምሌክ፥ ዮሻ ወዲ ኣማስያ፥
35ዮኤል፥ ኢዩ ወዲ ዮሺብያ፥ ወዲ ሰራያ፥ ወዲ ዓሲኤል፥
36ኤልዮዔናይ፥ ያዕቆባ፥ ይሾሓያ፥ ዓሳያ፥ ዓዲኤል፥ የሲሚኤል፥ ብናያ፥
37ዚዛ ወዲ ሺፍዒ፥ ወዲ ኣሎን፥ ወዲ የዳያ፥ ወዲ ሺምሪ፥ ወዲ ሸማያ።
38እዞም ስሞም ዝተፅሓፈ፥ ኣብ ዓዓሌቶም ሹመኛታት ነበሩ። ማይ ቤት ኣቦታቶም የመና ስለ ዝበዝሑ፥
39ንጥሪቶም መውፈሪ ምእንቲ ኽረኽቡ፥ በቲ ንጌዶር ዘእቱ ኣቢሎም፥ ክሳዕ ምብራቕ እቲ ለሰ ኸዱ።
40መውፈሪ ኸዓ ልምዕትን ፅብቕትን ሸኻ ረኸቡ። እታ ሃገር ከዓ ገፋሕ፥ ህድኣትን ሰላምን ዘለዋ ነበረት። እቶም ካብ ቀደም ኣብኣ ዝቕመጡ ዝነበሩ ደቂ ካም ነበሩ።
41እዞም በብስሞም ዝተፅሓፉ ኸዓ ብዘመን ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ መፂኦም ነቶም ህዝቢ ሓደጋ ኣውደቑሎም። ኣብኡ ንዝተረኽቡ መዓናውያን ድማ ንሓዋሩ ኣጥፍእዎም። ኣብኣ ንጥሪቶም ዝኸውን መውፈሪ ነበረ እሞ፥ ክንዳኣቶም ተቐመጥዋ።
42ካብ ደቂ ስምኦን ሓሙሽተ ሚእቲ ሰባት ናብ ደጕዓ ሴይር ከዱ፤ ኣሕሉቖም ከዓ ደቂ ዪሽዒ ፈላጥያን ነዓርያን ረፋያን ዑዝኤልን ነበሩ።
43ነቶም ካብ ኣማሌቃውያን ዘምለጡ ቐቲሎም ድማ ኽሳዕ ሎሚ ኣብኣ ተቐሚጦም ኣለዉ።