ሲኦል
13 ፍቕድታት5ትግርኛዳዊ 6:5
5ኣብ ሞት ዝኽረኻ የልቦን። መን እዩ ኣብ ሃደስ ከመስግነካ?
ዳዊ 49:14
14ከም ኣባጊዕ ኣብ መቓብር ተቐቢሮም እዮም። ሞት ክምግቦም እዩ፤ ቅኑዓት ድማ ንግሆ ኣብ ልዕሊኦም ኪገዝኡ እዮም። ጽባቐኦም ድማ ኣብ ሃደስ ካብ መሕደሪኦም ክውዳእ እዩ።
ኢሳ 38:18
18ሃደስ ኪውድሰካ ኣይክእልን እዩ፣ ሞት ኪውድሰካ ኣይክእልን እዩ። እቶም ናብ ጉድጓድ ዝወርዱ ኣብ ሓቅኻ ተስፋ ክገብሩ ኣይክእሉን እዮም።
ማር 9:42-50
42ሓደ ኻብዞም ብኣይ ዝኣምኑ ንኣሽቱ ዘበደለ ድማ፡ ኣብ ክሳዱ እምኒ መፍሓሪ ተንጠልጢሉ ናብ ባሕሪ እንተ ተደርበየ ይሓይሽ።
43ኢድካ እንተ ኣበደለካ ድማ፡ ቆሪጽካ ውሰዶ። ካብ ክልተ ኢድ ናብ ሲኦል፡ ናብቲ ፈጺሙ ዘይጠፍእ ሓዊ ክትኣቱ፡ ስንኩል ኮይንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሓይሽ።
44መትሎኦም ኣብ ዘይመውተሉን ሓዊ ኣብ ዘይጠፍኣሉን።
45እግርኻ እንተ ኣበደለካ ድማ፡ ቘርጾ። ካብ ክልተ እግሪ ናብ ሲኦል፡ ናብቲ ፈጺሙ ዘይጠፍእ ሓዊ ክትድርበ፡ ናብ ህይወት ምእታው ይሓይሽ።
46መትሎኦም ኣብ ዘይመውተሉን ሓዊ ኣብ ዘይጠፍኣሉን።
47ዓይንኻ እንተ ኣበደለካ ድማ፡ ቀዲድካ ኣውጽኣያ። ካብ ክልተ ዓይኒ ናብ ሓዊ ገሃነም ክትድርበ፡ ብሓንቲ ዓይኒ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ይሓይሽ።
48መትሎኦም ኣብ ዘይመውተሉን ሓዊ ኣብ ዘይጠፍኣሉን።
49ነፍሲ ወከፍ ብሓዊ ኺጨው፡ መስዋእቲ ዅሉ ድማ ብጨው ኪጨው እዩ።
50ጨው ጽቡቕ እዩ፡ እቲ ጨው ጨው እንተ ኣጥፊኡ ግና፡ ብእንታይ ክትጥዕሞ፧ ጨው ኣብ ነብስኹም ሓልዉ ኣብ ነንሕድሕድኩም ሰላም ሓልዉ።
ሉቃ 12:5
5ንመን ክትፈርህዎ ዘለኩም ግና ኣቐዲመ ከጠንቅቐኩም እየ፡ ነቲ ምስ ቀተለ ናብ ሲኦል ናይ ምድርባይ ሓይሊ ዘለዎ ፍርሁ። እወ፡ እብለኩም ኣለኹ፡ ፍርሑዎ።