ትንቢት ዘካርያስ 1

BCV aksumትግርኛ21 ፍቕድታት7:43 ስማዕ
ስማዕ 7:43 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ዳርዮስ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ፥ በታ ሻምነይቲ ወርሒ፥ ናብ ወዲ ኣዶ፥ ወዲ በራክዩ ነቢይ ዘካርያስ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፀ።

2ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ ኣቦታትኩም የመና ተቘጢዑ ነበረ፤

3ስለዙይ ከምዙይ በሎም፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ናባይ ተመለሱ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፤ “ኣነውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።

4ቀዳሞት ነቢያት ነቦታትኩም ከምዙይ ኢሎም ሰቢኾም እዮም፤ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ካብ ክፉእ መንገድኹምን ካብ ክፉእ ግብርኹምን ተመለሱ” በልዎም። ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፤ ንኣይውን ኣይሰምዑንን፤ ከምኣቶም ኣይትኹኑ፤ ይብል እግዚኣብሄር።

5ሕዚ ኣቦታትኩም ኣበይ ኣለዉ? ነቢያትከ ንዘለኣለምዶ ብህይወት ይነብሩ እዮም?

6ንባሮተይ ነቢያት ዝኣዘዝኩዎም ቃለይን ስርዓተይን፥ ነኣቦታትኩምዶ ኣይበፅሑን እዮም? ንሳቶም ግና ተመሊሶም “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ከም መጠን መንገድናን ግብርናን ክገብረና ኢሉ ዝሓሰቦ፥ ከምኡ ገይሩና” በሉ።

7ዳርዮስ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ፥ ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ፥ በታ ሰባጥ ተባሂላ እትፅዋዕ መበል ዓሰርተ ሓደ ወርሒ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር፥ ናብ ወዲ ሃዶ ወዲ በራክዩ ናብ ነቢይ ዘካርያስ መፀ።

8እንሆ፥ ኣብ ሓመር ፈረስ ዝተቀመጠ ሓደ ሰብ ብራእይ ለይቲ ረአኹ። ንሱ ድማ ትሕት ኣብ ዝበለ ቦታ፥ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ፀፆ ደው ኢሉ ነበረ። ብድሕሪኡውን ሓመር፥ ግራጫ፥ ፀሊም፥ ኣምበላይ ዝኾኑ ኣፍራስ ነበሩ።

9ሽዑ ኣነ “ጐይታይ፥ እዚኣቶም እንታይ እዮም?” በልኩ። እቲ ምሳይ ዝዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ “እዚኣቶም እንታይ ከም ዝኾኑ ኸርእየካ እየ” በለኒ።

10እቲ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ደው ኢሉ ዝነበረ ሰብኣይ፦ “እዚኣቶም ኣብ ምድሪ ኽመላለሱ እግዚኣብሄር ዝለኣኾም እዮም” ኢሉ መለሰ።

11ንሳቶምውን ነቲ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ፀፆ ደው ኢሉ ዝነበረ መልኣኽ እግዚኣብሄር “ኣብ ኵላ ምድሪ ተመላለስና፤ እንሆ ኸዓ ዅላ ምድሪ ሃዲኣ ብሰላም ትነብር ኣላ” ኢሎም መለሱሉ።

12ሽዑ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር “ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ነዘን ሰብዓ ዓመት ዝተቘጣዕኻየን ኢየሩሳሌምን ከተማታት ይሁዳን፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትምሕረን?” በሎ።

13እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ምሳይ ዝዛረብ ዝነበረ መልኣኽ፥ ብፅቡቕን ብዘፀናንዕን ቃል መለሰሉ።

14እቲ ምሳይ ዝዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ ኸምዙይ በለኒ፦ ስበኽ፤ ከምዙይውን በል፦ “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ‘ኣነ ብኢየሩሳሌምን፥ ብፅዮንን ዓቢዪ ቕንኣት ቀኒአ ኣለኹ።

15ኣነ ቑሩብ ተቘጢዐ ነበርኩ፤ ንሳቶም ግና ንኽፍኣት ስለ ዝሓገዙ፥ በቶም ሃዲኦም ዝነብሩ ኣህዛብ የመና ተቘጢዐ ኣለኹ።

16ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ብምሕረት ናብ ኢየሩሳሌም ተመሊሰ ኣለኹ። ቤተይ ኣብኣ ኽስራሕ እዩ። ኢየሩሳሌም ከዓ ንኻልኣይ ጊዜ ኽትህነፅ እያ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ መለክዒ ገመድ ክዝርጋሕ እዩ’ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኢልካ ስበኽ” በለኒ።

17እቲ መልኣኽ ከዓ ቐፂሉ “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ‘ከተማታተይ ገና ሰናይ ብዝኾነ ዅሉ ኽረውያ እየን፤ እግዚኣብሄር ድማ ንኸተማ ፅዮን ገና ኸፀናንዓ እዩ፤ ንኢየሩሳሌምውን መሊሱ ኽሓርያ እዩ’ ይብል ኣሎ ኢልካውን ስበኽ” በለኒ።

18ኣዒንተይ ድማ ኣልዒለ፥ እንሆ ኣርባዕተ ኣቕርንቲ ረአኹ።

19ኣነ ኸዓ ነቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ “እዚኣቶም እንታይ እዮም?” በልክዎ። ንሱ ድማ “እዚኣቶም ንይሁዳን ንእስራኤልን ንኢየሩሳሌምን ዝበተኑ ኣቕርንቲ እዮም” ኢሉ መለሰለይ።

20መሊሱ ኸዓ እግዚኣብሄር ኣርባዕተ ፀረብቲ ኣርኣየኒ።

21ኣነ ድማ “እዚኣቶም እንታይ ክገብሩ መፁ?” በልኩ። ንሱ ኸዓ “እዚኣቶም ሓደ እኳ ርእሱ ኸየልዕል፥ ንይሁዳ ዝበተኑ ኣቕርንቲ እዮም። እዚኣቶም ግና ኸፍርሕዎም፥ ንሃገር ይሁዳ ኽብትኑ ቀርኖም ንዘልዕሉ ኣህዛብውን ምእንቲ ኸውድቑ ዝመፁ እዮም” ኢሉ ተናገረኒ።

ትርጓሜ

1:1-6 ናይ ኣምላኽ ኵሉ ዝኽእል ሓይሉን ልዑላዊ ግዝኣቱን፣ ንሓጥኣን ንኽንስሑን ናብኡ ንኽምለሱን ከተሓባብርን ከተባብዕን ይግባእ። ጐይታ ሰራዊት ዓርክና ክኸውን ኣዝዩ ዝድለይ እዩ፣ ንሱ ጸላኢና ክኸውን ድማ ኣዝዩ ዘፍርህ እዩ። ዝሓለፈ ተመሊስኩም ጠምቱ፣ ኣምላኽ ብኣገልገልቱ ብነብያት ናብ ኣቦታትኩም ዝሰደዶ መልእኽቲ ድማ ኣስተውዕሉ። ሕጂ ኻብ እኩይ መገድኹምን እኩይ ግብርኹምን ተመለሱ። ዝመጽእ ጥፍኣት ንምምካት እንኮ መገዲ ብምዃኑ፣ ሓጢኣትኩም ንኽትሓድጉ ተተባብዑ። ንኣቦታትናኸ እንታይ ኮይኑ? ነቶም ዝሰበኹሎም ነብያትኸ? ኩሎም ሞይቶምን ሓሊፎምን እዮም። ኣብተን ንሕና እንነብረለን ከተማታትን ሃገራትን ኣብዚ ነበሩ፣ ብተመሳሳሊ ጎደናታት ይሓልፉን ይምለሱን ነበሩ፣ ኣብ ተመሳሳሊ ኣባይቲ ይነብሩ ነበሩ፣ ኣብ ተመሳሳሊ ድኳናትን መተካእታ ቦታታትን ይነግዱ ነበሩ፣ ኣብ ተመሳሳሊ ቦታታት ከኣ ንኣምላኽ የምልኹ ነበሩ።

ግን ኣበይ ኣለዉ? ምስ ሞቱ፣ መወዳእታኦም ኣይነበረን፤ ኣብ ዘለኣለማዊ ህይወት፣ ኣብ ዓለም መናፍስቲ፣ ናብኣ ብቕልጡፍ እንጎዪ ዘሎና ዘይትቕየር ዓለም ኣለዉ። ኣበይ ኣለዉ? እቶም ብሓጢኣት ዝነበሩን ዝሞቱን፣ ኣብ ስቓይ ኣለዉ። እቶም ብክርስቶስ ዝነበሩን ዝሞቱን፣ ኣብ ሰማይ ኣለዉ፤ ንሕና ድማ ከምኦም እንተ ነበርናን ሞትናን፣ ብቕልጡፍን ንዘለኣለሙን ምሳታቶም ክንከውን ኢና። ንሳቶም ንነፍሶም ዘይሓለዩ እንተኾይኖም፣ ወለዶኦም ድማ ንነፍሶም ከጥፍኡ ምኽንያት ይኸውንዶ? ነብያት ሓሊፎም። ክርስቶስ ንዘለኣለም ዝነብር ነብዪ እዩ፣ ካልኦት ኩሎም ነብያት ግን ንኣገልግሎቶም መወዳእታ ተገይሩሎም። ኣምበኣር፣ እዚ ሓሳብ እዚ ግቡእ ክብደቱ እንተዝህልዎ! ሞት ዝቕረቦም ኣገልገልቲ ንሞት ዝቕረቦም ህዝቢ ብዛዕባ ዘይትመውት ነፍሶምን፣ ኣብ ደምበኡ ክልቲኦም ደው ኢሎምሉ ዘለዉ ዘፍርህ ዘለኣለማዊ ህይወትን ይዛረቡ ኣለዉ።

ኣብ ካልእ ዓለም፣ ንሕናን ነብያትናን ኩላትና ንዘለኣለም ክንነብር ኢና፤ ንኣታ እታ ዓለም ምድላው ድማ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዓብዪ ሓልዮትና ክኸውን ይግባእ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG በዳርዮስ በሁለተኛው ዓመት በስምንተኛው ወር የእግዚአብሔር ቃል ወደ አዶ ልጅ ወደ በራክዩ ልጅ ወደ ነቢዩ ወደ ዘካርያስ እንዲህ ሲል መጣ፦ አማርኛ ENGNIV In the eighth month of the second year of Darius, the word of the Lord came to the prophet Zechariah son of Berekiah, t… English BCV ዳርዮስ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ፥ በታ ሻምነይቲ ወርሒ፥ ናብ ወዲ ኣዶ፥ ወዲ በራክዩ ነቢይ ዘካርያስ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፀ። ትግርኛ GAZBIB Daariyos mo'ee waggaa lammaffaa isaatti, waggichattiis ji'a saddeettaffaatti dubbiin Waaqayyoo gara Zakaariyaas raajich… Afaan Oromoo BCV GIZ ወበካልእ ዓመተ መንግሥቱ ለዳርዮስ በሳምን ወርኅ ኮነ ቃለ እግዚአብሔር ኀበ ዘካርያስ ወልደ በራኪዩ ወልደ ሐዶ ነቢይ ወይቤሎ፦ giz GAZGAZ Daariyos mo'ee waggaa lammaffaa isaatti, waggichattiis ji'a saddeettaffaatti dubbiin Waaqayyoo gara Zakaariyaas raajich… Afaan Oromoo AMHNIV ዳርዮስ በነገሠ በሁለተኛው ዓመት በስምንተኛው ወር የእግዚአብሔር ቃል ወደ አዶ ልጅ ወደ በራክዩ ልጅ ወደ ነቢዩ ዘካርያስ እንዲህ ሲል መጣ፤ አማርኛ SWAHSUV Katika mwezi wa nane, mwaka wa pili wa Dario, neno la Bwana lilimjia Zekaria, mwana wa Berekia, mwana wa Ido, nabii, ku… Kiswahili