ናብ ሰብ ሮሜ 6

BCVትግርኛ22 ፍቕድታት3:46 ስማዕ
ስማዕ 3:46 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እሞኸ እንታይ ንበል? ፀጋ ምእንቲ ኽበዝሕ፥ ሓጢኣት እናገበርናዶ ንንበር?

2ኣይፋልናን፤ ንሕና ኻብ ሓጢኣት ፈፂምና ተፈሊና እናበልናስ፥ ከመይ ኢልና ደኣ ሕዚ፥ ኣብ ሓጢኣት ክንነብር?

3ንሕና ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ኽንከውን ዝተጠመቕና፥ ናይ ሞቱ ተኻፈልቲ ኽንከውን ከም ዝተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?

4እምበኣር ከምቲ ክርስቶስ፥ ብናይ ኣብ ክብሪ ኻብ ሙታን ዝተስአ፥ ከምኡ ኸዓ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንነብር፥ ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና።

5ሞቱ ብዝመስል ሞት ምሰኡ እንተ ሓቢርና፥ ትንሳኤኡ ብዝመስል ትንሳኤውን፥ ምስኡ ኽንሓብር ኢና።

6ደጊም ንሓጢኣት ከይንግዛእ፥ እቲ ሓጥእ ሰብነትና ምእንቲ ኽሰዓር፥ እቲ ኣረጊት ሰብነትና፥ ምስኡ ኸም ዝተሰቕለ ንፈልጥ ኢና።

7እቲ ዝሞተ፥ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወፂኡ እዩ እሞ።

8ንሕና ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትና፥ ምስኡ ድማ ብህይወት ከም እንነብር ነኣምን ኢና።

9እቲ ኻብ ሞት ዝተስአ ክርስቶስ፥ መሊሱ ኸም ዘይመውት ንፈልጥ ኢና፤ ደጊም ሞት ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን የብሉን።

10ንሱ ብሞቱ፥(ሀ) ንሓዋሩ ሓደ ጊዜ ንሓጢኣት እዩ ዝሞተ። ብህይወቱ ግና፥ ንእግዚኣብሄር እዩ ዝነብር።

11ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ሓጢኣት ከይትገብሩ ኸም ዝሞትኩም፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ግና፥ ንእግዚኣብሄር ህያዋን ከም ዝኾንኩም ንርእስኹም ቍፀሩ።

12እምበኣር ንስጋዊ ድልየትኩም ምእንቲ ኸይትእዘዙ፥ ኣብዝ መዋቲ ስጋኹም፥ ሓጢኣት ኣይንገስ።

13ሞይቶም ከም ዝተስኡ፥(ለ) ርእስኹም ንእግዚኣብሄር ወፍዩ እምበር፥ ኣካላትኩም መሳርሒ ኽፍኣት ክኸውን፥ ንሓጢኣት ኣይትሃብዎ፤ ኣካላትኩምስ፥ መሳርሒ ፅድቂ ክኸውን፥ ንእግዚኣብሄር ደኣ ወፍይዎ።

14ትሕቲ ፀጋ እምበር፥ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኮንኩም፥ ሓጢኣት ኣይገዝአኩምን እዩ እሞ።

15እሞኸ ደኣ፥ ትሕቲ ፀጋ እምበር፥ ትሕቲ ሕጊ ኻብ ዘይኮንና፥ ሓጢኣትዶ ኽንገብር? ኣይፋልናን፤

16ከም እዙዛት ባሮት ኴንኩም፥ ርእስኹም እንተ ኣግዛእኹም፥ ናይቲ እትእዘዝዎ፥ ባሮት ከም ዝኾንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? እምበኣር፥ ንሞት ናይ ሓጢኣት ባሮት ወይ ንፅድቂ ናይ ምእዛዝ ባሮት ኢኹም።

17ቀደም ባሮት ሓጢኣት እኳ እንተ ነበርኩም፥ ነቲ ብሕድሪ ዝተውሃበኩም ትምህርቲ ኻብ ልቢ ስለ ዝተኣዘዝኩምዎ፥ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወፂእኹም፥ ንፅድቂ ስለ ዝተገዛእኹም፥ እግዚኣብሄር ዝተመስገነ ይኹን።

19ከም ልማድ ሰብ ዝዛረብ ዘለኹ፥ ብስጋኹም ድኹማት ስለ ዝኾንኩም እዩ። ከምቲ ንርኽሰትን፥ እናገደደ ንዝኸይድ ክፍኣትን ንኽግዛእ፥ ኣካላትኩም ዝወፈኹም፥ ከምኡ ድማ ሕዚ ናብ ቅድስና ንዘብፅሕ ፅድቂ፥ ኣካላትኩም ወፍዩ።

20ባሮት ሓጢኣት ኣብ ዝነበርኩምሉ ጊዜ፥ ፅድቂ ካብ ምስራሕ ሓራ ኔርኩም።

21ካብቲ ሕዚ እትሓፍሩሉ ዘለኹም ነገራት፥ እንታይ ኣፍረኹም? መወዳእታ ናይቲ ነገራት እቱይ፥ ሞት እዩ እሞ።

22ሕዚ ግና፥ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወፂእኹም፥ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝተገዛእኹም፥ ቅድስና ኣፍሪኹም ኣለኹም። መወዳእታኡ ኸዓ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።

23ዓስቢ ሓጢኣት ሞት እዩ፥ ውህብቶ ፀጋ እግዚኣብሄር ግና፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።

ትርጓሜ

ሮሜ 6:1,2 እቲ ሃዋርያ ኣድላይነት ቅድስና ብዕቱብነት የጕልሕ። ንናጻ ጸጋ ወንጌል ኣየራግፍን እዩ፣ የግዳስ እቲ ምትእስሳር ምስጋትን ቅድስናን ዘይፈላለ ምዃኖም የርኢ። ጸጋ ምእንቲ ኺበዝሕ ኢልካ ብሓጢኣት ምቕጻል ዝብል ሓሳብ ይፍወስ። ሓቀኛታት ምእመናን ንሓጢኣት ሙዉታት እዮም፣ ስለዚ ኪስዕብዎ ኣይግባእን። ሓደ እኳ ሰብ ኣብ ሓደ እዋን ሙዉትን ህያዉን ክኸዉን ኣይከኣልን። ንሓጢኣት ሙዉት ክኸዉን እናደለየ፣ ኣብኡ ክነብር ከም ዝኽእል ዝሓስብ ሰብ ዓሻ እዩ።

6:3-10 ጥምቀት፡ ናብ ሓጢኣት ምሟት፡ ከምኡ'ውን ካብ ኩሉ ዘይእግዚኣብሔራዊን ዘይቅዱስን ንጥፈታት ከም ዝተቐብረ ምዃን፡ ናብ ሓድሽ ህይወት ምስ ኣምላኽ ንኽምርሽ ምትንሳእ ኣገዳሲነት የምህር። ብኣፍ ዝምስክሩ ግና ዘይቅዱሳት ሰባት፡ ናብ ሓጢኣት ምሟትን ናብ ጽድቂ ዝኸውን ሓዳስ ልደትን ናይ ግዳም ምልክት ሓይርዎም ይኸውን፡ ግናኸ ካብ ስድራ ሰይጣን ናብ ናይ ኣምላኽ ስድራ ኣይሰገሩን። እቲ ብልሹግ ባህሪ፡ ከመይሲ ካብቲ ቀዳማይ ኣቦና ኣዳም ዝተረኽበ ስለዝኾነ፡ እቲ ብሉይ ሰብ ዝብሃል፡ ኣብ ኩሉ ሓቀኛ ምእመን በቲ ኻብ መስቀል ዝርከብ ጸጋ ምስ ክርስቶስ ተሰቒሉ እዩ። እዚ ተዳኺሙን ኣብ ምጥፋእ ኩነታት ኣሎ፡ እንተኾነ ግና ንህይወቱን እንተላይ ንዓወቱን ይቃለስ እዩ። ግናኸ እቲ ምሉእ ሰውነት ሓጢኣት፡ ብናይ ኣምላኽ ቅዱስ ሕጊ ዘይከውን ዝኾነ ይኹን፡ ክእለ ኣለዎ፡ ምእመን ደጊም ባርያ ሓጢኣት ንኸይኸውን፡ ግናኸ ንኣምላኽ ይነብር፡ ኣብ ኣገልግሎቱ ድማ ሓጎስ ይረክብ።

6:11-15 ኣብዚ፡ ንሓጢኣት ንምምካት ከምኡ'ውን ንቅድስና ንምስፋን ዝበለጸ ሓይለኛ ምኽንያታት ተገሊጾም ኣለዉ። ካብ ግዝኣት ሓጢኣት ሓራ ብምውጻእ፡ ንኣምላኽ ህያዋን ብምዃን፡ ከምኡ'ውን ትጽቢት ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ብምሕዳር፡ ንዝኣመኑ ክርስቲያናት ናብኡ ንምስፋን ብዝለዓለ ደረጃ ክጓየዩ ይግብኦም። ግናኸ፡ ርኹሳት ስምዒታት ኣብዛ ህይወት እዚኣ ብምሉኡ ስለዘይተመሰሉ፡ ሓደ ክርስቲያን ንንጥፈታቶም ምቅዋም፡ ብሓይሊ ጸጋ ኣምላኽ ድማ ኣብዛ ናይ ሞት ህይወት ከየስልጥዎ ንምግባር ብትግሃት ክጽዕር ይግባኦ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6