1እምበኣር ብእምነት ካብ ፀደቕና፥ ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ እግዚኣብሄር ሰላም ኣለና።
2ብእኡ ኸዓ፥ ናብዝ ሕዚ ዘለናዮ ፀጋ ብእምነት ኣተና፤ ብተስፋ ተኻፈልቲ ኽብሪ እግዚኣብሄር ስለ ዝኾንናውን፥ ንምካሕ ኣለና።
3በዙይ ጥራሕ ኣይኮነን፤ እቲ መከራ፥ ትዕግስቲ ኸም ዘምፅእ ስለ ዝፈለጥና፥ ብመከራና ድማ ንምካሕ እምበር።
4ብትዕግስቲ ፅንዓት፥ ብፅንዓት ከዓ ተስፋ ይርከብ።
5እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ፤ በቲ ዝተውሃበና መንፈስ ቅዱስ፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብ ልብና መሊኡ እዩ እሞ።
6ንሕና ድኹማት እንተለና፥ ክርስቶስ በቲ ውሱን ጊዜ፥ ምእንቲ ሓጥኣን ሞተ።
7ክንዲ ፃድቕ(ሀ) ዝመውት እኳ ዝርከብ ኣይመስልን፤ ክንዲ ሕያዋይ ሰብ ግና፥ ክመውት ዝደፍር ምናልባሽ ኣይምተስኣነን ይኸውን።
8ግና ንሕና፥ ገና ሓጥኣን እንተለና፥ ክርስቶስ ምእንታና ሞይቱ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር፥ እታ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ፥ በዙይ የርኢ ኣሎ።
9እምበኣር ሕዚ ብደሙ ዝፀደቕና ኻብ ኮንና፥ ካብቲ ቝጥዓኡ ደኣ፥ ብእኡ ኽንደይ ብዝበለፀ ዘይንድሕን!
10ንሕና ፀላእቱ እንተለና፥ ምስ እግዚኣብሄር ብሞት ወዱ ተዓረቕና፤ ካብ ተዓረቕና(ለ) ደኣ፥ ብህይወት ወዱ፥ ክንደይ ብዝበለፀ ዘይንድሕን!
11እዙይ ጥራሕ ግና ኣይኮነን፤ በቲ ብእኡ ዕርቂ ዝረኸብና ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ ጌርና፥ ብእግዚኣብሄር ንምካሕ ኣለና።
12ብሰንኪ ሓደ ሰብ፥ ሓጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ፤ ብምኽንያት ሓጢኣትውን ሞት መፀ፤ ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፥ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ተሓላለፈ።
13ሕጊ ሙሴ ቕድሚ ምምፃኡ፥ ሓጢኣት ኣብ ዓለም ነበረ፤ እንተ ኾነ ኣብቲ ሕጊ ዘይነበረሉ፥ እቲ ሓጢኣት ከም ሓጢኣት ኣይቝፀርን ነበረ።
14ሞት ግና፥ ካብ ኣዳም ጀሚሩ ኽሳዕ ሙሴ፥ ኣብቶም ከም ኣዳም ትእዛዝ ብምጥሓስ ሓጢኣት ዘይገበሩውን፥(ሐ) ነጊሱ ነበረ፤ ኣዳም ከዓ፥ ምሳሌ እቲ ኽመፅእ ዘለዎ ነበረ።
15ግና ፀጋ እግዚኣብሄርን፥ እቲ በደልን ሓደ ኣይኮነን፤ ብበደል ሓደ ሰብ፥ ብዙሓት ከም ዝሞቱ፥ እቲ ፀጋ እግዚኣብሄርን፥ እቲ ብኸምኡ ዝተውሃበ፥ ናይቲ ሓደ ሰብ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተረኽበ ውህብቶ ፀጋ፥ ኣብ ብዙሓት የመና በዚሑ ኣሎ።
16እቲ ብፀጋ ዝተረኽበ ውህብቶ፥ ከም ሳዕቤን ናይቲ ብሓደ ሰብ ዝመፀ ሓጢኣት ኣይኮነን። ብሓጢኣት ሓደ ሰብ ዝመፀ ፍርዲ፥ ኵነኔ ኣስዓበ፤ ድሕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ዝተውሃበ ፀጋ ኸዓ፥ ፅድቂ ኣፍረየ።
17ሞት ብሰንኪ ሓጢኣት ሓደ ሰብ ካብ ነገሰ፥ እቶም ብዙሕ ፀጋ እግዚኣብሄርን፥ ውህብቶ ፅድቅን ዝረኸቡ ደኣ፥ በቲ ሓደ ሰብ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ ህይወት ክንደይ ኣብሊፆም ዘይነግሱ!
18እምበኣር ከምቲ ብናይ ሓደ ሰብ በደል፥ ናብ ኵሉ ሰብ ኵነኔ ዝመፀ፥ ከምኡ ድማ ብናይ ሓደ ግብሪ ፅድቂ፥ ንዅሉ ሰብ ህይወት እትህብ ፅድቂ መፀት።
19ብዘይ ምእዛዝ ሓደ ሰብ፥ ብዙሓት ሓጥኣን ከም ዝኾኑ፥ ከምኡ ኸዓ ብምእዛዝ እቲ ሓደ፥ ብዙሓት ፃድቃን ክኾኑ እዮም።
20ሓጢኣት ምእንቲ ኽበዝሕ፥ ሕጊ ኣተወ፤ ኣብቲ ሓጢኣት ዝበዝሖ ግና፥ ኣብኡ ፀጋ የመና በዝሐ።
21ስለዙይ፥ ከምቲ ሓጢኣት ሞት ብምምፃእ ዝነገሰ፥ ፀጋ እግዚኣብሄር ከዓ ኸምኡ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና፥ ብፅድቂ ንዘለኣለም ህይወት ክነግስ እዩ።