ናብ ሰብ ሮሜ 3

BCV aksumትግርኛ31 ፍቕድታት3:45 ስማዕ
ስማዕ 3:45 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣይሁዳዊ ምዃን ደኣ፥ ረብሓኡ እንታይ እዩ? ግርዘትከ እንታይ እዩ ጥቕሙ?

2ብዅሉ ወገን ብዙሕ እዩ። ቅድሚ ዅሉ፥ ቃል እግዚኣብሄር፥ ንኣኣቶም እዩ ብሕድሪ ዝተውሃቦም።

3ካብኣቶም ዘይኣምኑ እንተ ሃልዮምከ፥ እቲ ናታቶም ዘይምእማን፥ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ተኣማንነትዶ ኸንቱ ይገብሮ እዩ?

4ኣይገብሮን፤ ከምቲ “ብቓልካ ኽትፀድቅ፥ ኣብ ፍርዲውን ክትረትዕ ኢኻ” ዝብል ፅሑፍ ዘሎ፥ ኵሉ ሰብ ሓሳዊ እኳ እንተ ኾነ፥ እግዚኣብሄር ግና ሓቀኛ እዩ።

5እቲ ኽፍኣትና፥ ፅድቂ እግዚኣብሄር ዝገልፅ ካብ ኮነ፥ እንታይ ንበል? እግዚኣብሄር ብቝጥዓኡ ኽቐፅዕ እንተሎኸ፥ ዓማፂ ማለት ድዩ? ከም ኣዘራርባ ሰብ እዛረብ ኣለኹ።

6ኣይፋሉን፤ ከመይ ኢሉ ደኣ፥ እግዚኣብሄር ንዓለም ምፈረዳ?

7ሓሰተይ፥ ንሓቂ እግዚኣብሄር ዝገልፅን፥ ንኽብሩውን ዝውስክ ካብ ኮነ ደኣ፥ ስለ ምንታይ ከም ሓጥእ ኮይነ ዝፍረድ?

8ከምቲ ገሊኣቶም “ፅቡቕ ምእንቲ ኽንረክብስ፥ ክፉእ ንግበር” ከም ዝበልና ገይሮም ከካፍኡና ዝፀርፉና፥ ስለ ምንታይ ደኣ ኸምኡ ዘይንብል? ነዚኣቶም ዝፍረዶም ፍርዲ ቕኑዕ እዩ።

9እንታይ ደኣ ይኹን? ካብኣቶም እንሐሸሉዶ ኣለና? የብልናን፤ ኣይሁድ ኮኑ ኣህዛብ ኵላቶም፥ ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት እዮም ኢልና፥ ኣቐዲምና ኸሲስናዮም ኢናሞ።

10መፅሓፍ ከምዙይ ከም ዝብል፦ “ሓደኳ ፃድቕ የለን፤ ሓደኳ የለን፤

11ዘስተውዕልውን ሓደኳ የለን፤ ንእግዚኣብሄር ዝደልዮ የለን፤

12ኵላቶም ዓመፁ፤ ኵላቶምውን ሓቢሮም ሰሓቱ፤ ፅቡቕ ዝገብርውን የለን፤ ሓደኳ የለን።

13ጐረሮኦም ክፉት መቓብር እዩ፤ ብልሳኖም ይሽፍጡ፤ ኣብ ትሕቲ ኸናፍሮም፥ ሕንዚ መንደላይ ተመን ኣሎ።

14ኣፎም መርገምን ምረትን ዝመልአ እዩ።

15ኣእጋሮም ንምፍሳስ ደም ቅልጡፋት እየን።

16ኣብ መንገዶም ዕንወትን መከራን ኣሎ፤

17ንመንገዲ ሰላምውን ኣይፈልጥዋን እዮም።

18ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም፥ ፍርሓት እግዚኣብሄር የለን።”

19እንሆ እምበኣር፥ ኵሉ ሰብ ዘመኻንዮ ምእንቲ ኽስእን፥ ኵሉ ዓለምውን፥ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽፈልጥ፥ እቲ ሕጊ ዝእዝዞ፥ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ኸም ዝኾነ፥ ንፈልጥ ኢና።

20ስለዙይ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ሕጊ ብምፍፃም ዝፀድቕ የለን፤ ሕጊ ሓጢኣት ከም ዘሎ የፍልጥ እዩ እሞ።

21ሕዚ ግና፥ ከምቲ ሕግን ነቢያትን ዝመስከርዎ፥ ብዘይ ሕጊ ሙሴ ዝኾነ፥ ፅድቂ እግዚኣብሄር ተገሊፁ ኣሎ።

22ኵሎም እቶም ዝኣምኑ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝፀድቁ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን እዩ። ኣብዙይ ኣፈላላይ የለን።

23ኵሎም በዲሎም እዮም፤ ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ጐዲልዎም እዩ።

24በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ቤዛ፥ ብኸምኡ ብፀጋኡ ይፀድቁ እዮም እሞ።

25እግዚኣብሄር ከዓ፥ ፅድቁ ምእንቲ ኸርኢ፥ ነቲ ቕድም ዝተገብረ ሓጢኣት፥ ብመለኮታዊ ትዕግስቱ ይቕረ ኢሉ፥ ብእምነት ዝርከብ፥ ብደሙ ስርየት መርከቢ ገይሩ ንእኡ ኣቘሞ።

26ኣብዝ ዘመን እዙይ ዝገልፆ ዘሎ ኸዓ፥ ንሱ ፃድቕ ከም ዝኾነ፥ ነቲ ብኢየሱስ ዝኣምን ኵሉውን ከም ዝፀድቕ፥ ምእንቲ ኸርኢ እዩ።

27ትምክሕቲ ደኣ ኣበይ ኣሎ? ንሱ ተሪፉ እዩ፤ ብግብሪ ሕጊ ድዩ? ኣይኮነን፤ ብእምነት ሕጊ እዩ እምበር።

28ሰብ፥ ሕጊ ብምፍፃም ዘይኮነስ፥ ብእምነት ከም ዝፀድቕ ንፈልጥ ኢና።

29እግዚኣብሄር ናይ ኣይሁድ ኣምላኽ ጥራሕ ድዩ? ናይ ኣህዛብውን ኣምላኽዶ ኣይኮነን? ናይ ኣህዛብውን እባ።

30እቲ ንግሩዝ ብእምነት፥ ንዘይግሩዝውን ብእምነት ዘፅድቕ እግዚኣብሄር፥ ሓደ እዩ።

31እምበኣር ንሕጊ ብእምነት ነፍርስ ዲና ዘለና? ኣይፋልናን፤ ሕጊ ደኣ ነፅንዕ እምበር።

ትርጓሜ

3:1-8 ሕጊ ካብ ሓጢኣት ወይ ኣብ ሓጢኣት ከድሕን ኣይከኣለን። እንተኾነ ግና፡ ንኣይሁድ ንምድሓን ዝኸውን ረብሓታት ሂብዎም እዩ። እቶም ዝተሰርዑ ስርርዓታቶም፡ ትምህርቲ ብዛዕባ ፍልጠት ናይ ሓቀኛ ኣምላኽን ኣገልግሎቱን፡ ከምኡ’ውን ንደቂ ኣብርሃም እተገብሩሎም ብዙሓት ሞገሳት፡ እዚ ኩሉ መሳርሒ ጸጋ ነበረ። ብርግጽ ከኣ ንምልዋጥ ብዙሓት ጠቓሚ ኮይኑ ነበረ። ብፍላይ ግና ቅዱሳት ጽሑፋት ንሳቶም ተዋሂቦምዎም ነበሩ። ብቓል ኣምላኽን ስርርዓቱን ምጥቃም ንህዝቢ ቀንዲ ሓጎስ እዩ።

ግናኸ ተስፋታት ኣምላኽ ንምእመናን ጥራይ እዩ ዝወሃብ። ስለዚ፡ ዘይምእማን ናይ ገለ ወይ ናይ ብዙሓት እምነት ኣለና ዝብሉ፡ ነዚ እምነታዊነት እዚ ከንቱ ክገብሮ ኣይክእልን። ንሱ ንህዝቡ ዝገበሮም ተስፋታት ክፍጽም እዩ፡ ኣብቶም ዘይኣምኑ ድማ ዝዛረቦ መቕጻዕቲ ከምጽእ እዩ። ኣምላኽ ንዓለም ምፍራዱ፡ ንኹሉ ጥርጣሬታትን ኣብ ልዕሊ ፍትሑ ዝቐርብ ነቐፌታን ንሓዋሩ ከተዕውዮ ኣለዎ። እቲ ናይ ኣይሁድ ክፋእን ዕቡጥ ዘይምእማንን፡ ሰብ ብእምነት ጽድቂ ኣምላኽ ከም ዝድለዮ፡ ከምኡ’ውን ንሓጢኣት ብምቕጻዕ ፍትሑ ምዃኑ ኣረጋገጸ። "እቲ ጽቡቕ ምእንቲ ክመጽእስ፡ እከይ ንግበር" ዝብል ሓሳብ ካብ ኣፍ ሓጥኣን ንልቦም ብዙሕ ግዜ ይበዝሕ። ከመይሲ ሒደት ጥራይ ብኸምዚኦም ክፍኣት ኣገባባት ርእሶም የጸድቑ። እቲ ምእመን ግቡኡ ናይኡ ምዃኑን፡ ፍጻሜታት ናይ ኣምላኽ ምዃኖምን ይፈልጥ። ኣምላኽ በዚ ገይሩ ንርእሱ ከም ዘኽብር ብተስፋ ወይ ከምኡ’ውን ብርግጽነት፡ ዝኾነ ሓጢኣት ከይገብር ወይ ሓንቲ ሓሶት ከይዛረብ ኣለዎ። ገሊኦም ብኸምዚ እንተተዛረቡን እንተገበሩን፡ ምፍራዶም ቅኑዕ እዩ።

3:9-18 ኣብዚ ድማ እንደገና ይርአ፡ ኩሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ከም ጾር ኣብ ትሕቲ ገበን ሓጢኣት ከም ዘሎ፤ ከምኡ’ውን ንእከይ ግብሪ ንኽገብር፡ ባርያኡ ኮይኑ፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣትን ስልጣንን ሓጢኣት ከም ዘሎ። እዚ ብብዙሓት ጥቕስታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ብሉይ ኪዳን፡ እዚኦም ከኣ እቲ ዝበላሸወን ዘይብቑዕን ኩነታት ኩሉ ሰብ፡ ክሳብ ጸጋ ዝገድቦም ወይ ዝቕይሮም ዝገልጹ እዮም።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6