ናብ ሰብ ሮሜ 2

BCV aksumትግርኛ28 ፍቕድታት4:21 ስማዕ
ስማዕ 4:21 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ስለዙይ ኣታ ንኻልእ እትፈርድ ሰብ፥ እተመኽንዮ የብልካን፤ በቲ ዅሉ ንኻልእ እትፈርደሉ ነገር፥ ንባዕልኻ ትዅንን ኣለኻ፤ ነቲ ፈራዲ ዝኾንካሉ፥ ንስኻውን ንእኡ ትገብሮ ኣለኻሞ።(ሀ)

2ንሕና ግና፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ከምዙይ ዝገብሩ፥ ግቡእ ፍርዲ እግዚኣብሄር፥ ከም ዝወርድ ንፈልጥ ኢና።

3ኣታ ኣብ ልዕሊ እቶም ከምዙይ ዝገብሩ እትፈርድ፥ ባዕልኻውን ከምቲ ግብሮም እትገብር ሰብ፥ ካብ ፍርዲ እግዚኣብሄር፥ እተምልጥዶ ይመስለካ?(ለ)

4ወይ ከዓ ብዝሒ ሕያዋይነቱን ትዕግስቱን ዓቕሉንዶ፥ ትንዕቕ ኣለኻ? ሕያዋይነት እግዚኣብሄር፥ ናብ ንስሃ ኽመርሐካ ኸም ዝኽእል፥ ኣይትፈልጥን ዲኻ?

5ግና ብትረት ልብኻን ብዘይምንሳህኻን፥ በታ ቕኑዕ ፍርዲ እግዚኣብሄር ዝወርደላ መዓልቲ ቝጥዓ፥ ንባዕልኻ መቕሰፍቲ ትእክብ ኣለኻ።

6እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ፥ ከከም ግብሩ ኽፈድዮ እዩ እሞ።

7ነቶም ሰናይ እናገበሩ፥ ምስጋናን ክብርን ዘለኣለማዊ ህይወትን ብትዕግስቲ ዝፅበዩ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክህቦም እዩ።

8ነቶም ንዓመፃ እምበር፥ ንሓቂ ዘይእዘዙ ፈተውቲ ርእሶም ግና፥ ቍጥዓን መዓትን ክወርዶም እዩ።

9ንዅሉ ኽፉእ ዝገብር ሰብ፥ ስቓይን መከራን ክወርዶ እዩ፤ ቅድም ንኣይሁዳዊ፥ ከምኡ ኸዓ ንኣህዛብ።

10ሰናይ ንዝገብር ኵሉ ግና፥ ምስጋናን ክብርን ሰላምን ክወሃቦ እዩ፤ ቅድም ንኣይሁዳዊ፥ ከምኡ ኸዓ ንኣህዛብ።

11እግዚኣብሄር፥ ገፅ ሰብ ሪኡ ኣየዳሉን እዩ እሞ።

12እቶም ብዘይ ሕጊ ሓጢኣት ዝገበሩ ዅሎም፥ ብዘይ ሕጊ ኽጠፍኡ እዮም፤ እቶም ሕጊ እንተለዎም፥ ሓጢኣት ዝገበሩ ዅሎም ከዓ፥ በቲ ሕጊ ኽፍረዱ እዮም።

13ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ገበርቲ ሕጊ ጥራሕ ደኣ እዮም ዝፀድቁ እምበር፥ ሰማዕቲ ሕጊ ኣይኮኑን ዝፀድቁ።

14እቶም ሕጊ ዘይብሎም ኣህዛብ፥ ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ፥ ብባህርዮም ተመሪሖም ዝፍፅምዎ፥ ንሳቶም ሕጊ እንተ ዘይብሎም እኳ፥ ንባዕላቶም ሕጊ እዮም።

15በዙይ ከዓ ንሳቶም ሕሊናኦም እናመስከረሎም፥ ሓሳቦምውን ሓንሳእ እንትወቕሶም፥ ሓንሳዕውን እንትድግፎም ብምርካቡ፥ እቲ ግብሪ ሕጊ ኣብ ልቦም ዝተፅሓፈ ምዃኑ የርእዩ ኣለዉ።

16ስለዙይ፥ እቲ ኣነ ዝሰብኮ ወንጌል ከም ዝብሎ፥ በታ እግዚኣብሄር ብኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ፥ ንሕቡእ ሓሳባት ልቢ ሰብ ዝፈርደላ መዓልቲ፥ ከምኡ ክኸውን እዩ።

17ንስኻ ግና “ብሕጊ ዝነብር፥ ብእግዚኣብሄርውን ዝምካሕ ኣይሁዳዊ እየ” ኢኻ እትብል።

18ፍቓድ እግዚኣብሄር እንታይ ከም ዝኾነ እትፈልጥ፥ ሕጊ ስለ ዝተምሃርካ፥ ዝሐሸ ነገር ፈሊኻ እትፈልጥ፥

19“መራሒ ዕውራት፥ ኣብ ፀልማት ንዘለዉ ኸዓ ብርሃን እየ” ኢልካውን እትምካሕ፥

20እቲ ብሕጊ ዝርከብ ፍልጠትን ሓቅን ስለ ዘለካ ኸዓ “ንዓያሹ መለበሚ፥ ናይ ህፃናት ከዓ መምህር እየ” እትብል ኢኻ።(ሐ)

21እምበኣር፥ ኣታ ንኻልእ እትምህር፥ ንባዕልኻ ደኣ ዘይትምህር? ኣይትስረቑ ኢልካ ትምህር፥ ንባዕልኻ ግና ትሰርቕ።

22ኣይትዘምዉ ትብል፥ ንስኻዶ ትዝሙ? ጣዖት ትፅየፍ፥ ባዕልኻዶ ቤተ መቕደስ(መ) ትሰርቕ?

23ከምቲ “ብሰንክኹም፥ ስም እግዚኣብሄር፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ይፅረፍ ኣሎ” ተብሂሉ ዝተፅሓፈ፥ ኣታ ብሕጊ እትምካሕ፥ ሕጊ ብምፍራስካ ንእግዚኣብሄር ተቃልሎ ኣለኻ።

25ግርዘት እትጠቅም፥ ሕጊ እንተ ሓሊኻ እያ፤ ሕጊ እንተ ጥሒስካ ግና፥ እታ ግርዘት፥ ከም ዘይምግራዝ ኽትኮነካ እያ።

26እምበኣር እቲ ዘይግሩዝ፥ ነቲ ትእዛዝ ሕጊ እንተ ሓልይዎ፥ እቲ ዘይምግራዙ ኸም ግርዘት ኮይኑዶ፥ ኣይቝፀረሉን እዩ?

27እቲ ብስጋ ዘይተገርዘ እናሃለወ ሕጊ ዝሕሉ፥ ፅሑፍ ሕግን ግርዘትን እንተለካ ሕጊ ንእተፍርስ፥ ንኣኻ ክዅንነካ እዩ።(ሠ)

28ብዝረአ ኣይሁዳዊ ምዃን፥ ኣይሁዳዊ ኣይትገብርን እያ፤ እታ ብዝረአ ኣብ ስጋ እትግበር ግርዘትውን፥ ግርዘት ኣይኮነትን።

29ኣይሁዳዊ ማለት፥ እቲ ብውሽጡ ኣይሁዳዊ ዝኾነ እዩ እሞ። ግርዘት ከዓ፥ ብሕጊ ዘይኮነስ፥ እታ ብመንፈስ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልቢ እትግበር ግርዘት እያ። ከምዙይ ዝመሰለ ሰብ፥ ናእዳኡ ኻብ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ካብ ሰብ ኣይኮነን።

ትርጓሜ

2:1-16 ኣይሁድ ንርእሶም ቅዱስ ህዝቢ፣ ነቲ መሰሎም ከኣ ብመሰል ዝረኸቡ ይመስሎም ነበረ፣ እንተኾነ ግና፣ ዘየመስግኑ፣ ዓመጽቲ ከምኡ’ውን ቅኑዓት ዘይኮኑ (ሓጥኣን) ነበሩ። ግናኸ፣ ከምዚ ዝገብሩ ካብ ኩሉ ህዝቢ፣ ወለዶን ዓይነትን ዝኾኑ ኩሎም፣ ፍርዲ ኣምላኽ ከምቲ ናይ ሓቂ ባህርዮም ከም ዝኸውን ክዝከር ኣለዎም። እቲ ጉዳይ ብሩህ ስለዝኾነ፡ ናብቲ ሓሳብ ናይቲ ሓጥእ ባዕሉ ክንጥቅስ ንኽእል ኢና። ኣብ ኩሉ ብፍላጥ ዝፍጸም ሓጢኣት፣ ምሕሳር ናይቲ ሰናይነት ኣምላኽ ይርከብ። ጨናፍር ናይ ምሕላፍ ትእዛዝ ወዲ ሰብ እተፈላለዩ እኳ እንተኾኑ፡ ኩሎም ግና ካብ ሓደ ሱር ይምንጩ።

ግናኸ ኣብ ሓቀኛ ንስሓ፣ ካብቲ ኣብ ኣእምሮ ዝፍጠር ለውጢ ዝመጸ ምጽላእ ናይቲ ናይ ቀደም ሓጢኣተይናነት ክህሉ ኣለዎ፣ እዚ ለውጢ እዚ ንስናይ ክመርጽን ንኽፉእ ክነጽግን የኽእሎ። ከምኡ’ውን ስምዒት ናይ ውሽጣዊ ጽንኵርና የርኢ። እዚ እዩ እቲ ኣብ ንስሓ ዝፍጠር ዓቢ ለውጢ፣ ንሱ ሓዳስ ልደት እዩ፣ ንኹሉ ሰብኣይ ከኣ የድልዮ። ጥፍኣት ናይ ሓጥኣን ድሕሪ እቲ ደረቕን ዘይንስሑን ልቢ ምኻዶም እዩ። ሓጥኣት ግብሮም ብጽኑዕ ቃላት፣ ንቍጥዓ ምእካብ ተባሂሉ ይግለጽ።

ኣብ መግለጺ ናይቲ ጻድቕ ሰብ፣ ምሉእ ሕጊ ዝሓቶ ነገር ኣስተውዕል። ምንቕቓሕ ንጹህ ክኸውን ይሓትት፣ ካብ ምድራዊ ትምኒት ወይ ፍጻሜታት ዝመጽእ ኩሉ ተግባር ከኣ ይነጽግ። ኣብ መግለጺ ናይቶም ዘይቅኑዓት፣ ባእሲ ከም መሰረት ናይ ኩሉ ክፉእ ይቐርብ። ፍቓድ ወዲ ሰብ ኣብ ኩነታት ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ እዩ። ኣህዛብ እኳ፣ ንጽሑፍ ሕጊ ዘይነበሮም፣ ብብርሃን ተፈጥሮ እንታይ ክገብሩ ከምዘለዎም ዝመርሖም ውሽጣዊ ነገር ነበሮም።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ስለዚህ፥ አንተ የምትፈርድ ሰው ሁሉ ሆይ፥ የምታመካኘው የለህም፤ በሌላው በምትፈርድበት ነገር ራስህን ትኰንናለህና፤ አንተው ፈራጁ እነዚያን ታደርጋለህና። አማርኛ ENGNIV You, therefore, have no excuse, you who pass judgment on someone else, for at whatever point you judge the other, you a… English BCV ስለዙይ ኣታ ንኻልእ እትፈርድ ሰብ፥ እተመኽንዮ የብልካን፤ በቲ ዅሉ ንኻልእ እትፈርደሉ ነገር፥ ንባዕልኻ ትዅንን ኣለኻ፤ ነቲ ፈራዲ ዝኾንካሉ፥ ንስኻውን ንእኡ ትገብሮ ኣለኻሞ።(ሀ) ትግርኛ GAZBIB Kanaafis ati yaa isa nama biraatti faradduu, waan itti qabattu hin qabdu! Ati inni namatti faraddu, isuma namichi sun h… Afaan Oromoo BCV GIZ ዕጓለ እመሕያው በምንትኑ ዘትትዋሥኦ ለመኰንነ ጽድቅ ሶበ አንተ ዝኰ ዘትግዕዝ በላዕለ ባዕድ፤ ሶበ ለሊከ ትገብር ዝኰ ዘትጸልእ በላዕለ ቢጽከ፤ አኮኑ ርእሰከ ትግዕዝ እስመ ለሊከ ትገብሮ። giz GAZGAZ Kanaafis ati yaa isa nama biraatti faradduu, waan itti qabattu hin qabdu! Ati inni namatti faraddu, isuma namichi sun h… Afaan Oromoo AMHNIV ስለዚህ አንተ በሌላው ላይ የምትፈርድ፣ የምታመካኝበት የለህም፤ በሌላው ላይ በምትፈርድበት ነገር ሁሉ፣ ራስህን ትኰንናለህ፤ ፈራጅ የሆንኸው አንተ ያንኑ ታደርጋለህና። አማርኛ SWAHSUV Kwa hiyo, wewe mtu uwaye yote uhukumuye, huna udhuru; kwa maana katika hayo umhukumuyo mwingine wajihukumu mwenyewe kuw… Kiswahili