ናብ ሰብ ሮሜ 11

BCV aksumትግርኛ33 ፍቕድታት5:49 ስማዕ
ስማዕ 5:49 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እምበኣር እግዚኣብሄር ንህዝቡ ገዲፍዎም እዩዶ ኽብል? ኣይፋሉን፤ ኣነ እኳ ንባዕለይ እስራኤላዊ፥ ካብ ዘርኢ ኣብርሃም፥ ካብ ነገድ ብንያም እየ።

2እግዚኣብሄር፥ ነቲ ኣቐዲሙ ዝሓረዮ ህዝቡ ኣይገደፎን። ብዛዕባ ኤልያስ እተፅሓፈ፥ ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ንእስራኤላውያን እንታይ ኢሉ ኸም ዝኸሰሶምዶ፥ ኣይትፈልጡን ኢኹም?

3“ጐይታይ ንነቢያትካ ቐተልዎም፤ መሰውኢታትካውን ኣፍረሱ፤ ኣነ በይነይ እየ ተሪፈ ዘለኹ፤ ንነፍሰይ ድማ ይደልዩዋ ኣለዉ” በለ።

4እግዚኣብሄር ግና “ነቲ በዓል ዝበሃል ጣዖት ዘይሰገዱ፥ ንባዕለይ ሸውዓተ ሽሕ ሰባት ኣትሪፈ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ።

5ከምኡ ኸዓ፥ በዝ ዘመንዙይ፥ ብፀጋ ተሓርዮም ዝተረፉ ኣለዉ።

6እምበኣር ብፀጋ ኻብ ኮነ፥ ብግብሪ ኣይኮነን፤ ብግብሪ እንተ ዝኸውንስ፥ እቲ ፀጋ፥ ፀጋ ኣይምኾነን።(ሀ)

7እምበኣር እንታይ ደኣ እዩ? እስራኤላውያን ነቲ ዝደልይዎ ዝነበሩ ኣይረኸብዎን፤ እቶም ሕሩያት ግና ረኸብዎ፤ እቶም ዝተረፉ ኸዓ ኸምቲ ፅሑፍ፦ “ኣዒንቶም ከይሪኣ፥ ኣእዛኖምውን ከይሰምዓ፥ እግዚኣብሄር ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ፥ ድንዙዝ መንፈስ ሃቦም።”

9ዳዊት ከዓ፦ “ማእዶም መፃወድያን መድፈንን፥ መዐንቀፍን ፍዳን ይኹኖም፤

10ምእንቲ ኸይሪኡ ኣዒንቶም ይፀልምታ፤ ሕቘኦም ከዓ ንሓዋሩ ይጕበጥ” ይብል።

11እምበኣርከ፥ እስራኤላውያን ኣብኡ ወዲቖም ምእንቲ ኽተርፉ ድዮም ዝተዓንቀፉ? ኣይፋሎምን፤ እንተ ኾነ ምእንቲ ንኣኣቶም ከቕንኦም፥ ብበደሎም፥ ንኣህዛብ ምድሓን ኮነሎም።

12በደሎም ንዓለም በረኸት ካብ ኮነ፥ ውድቀቶምውን ንኣህዛብ በረኸት ካብ ኮነ፥ ምልኣቶም ደኣ፥ ክንደይ ዝበለፀ ይኾን!

13ምናልባሽ ነቶም ዓሌተይ ዝኾኑ እንተ ኣቕናእኽዎም፥ ካብኣቶምውን ንገሊኣቶም እንተ ኣድሓንኩስ፥ ንኣኻትኩም ንኣህዛብ እብለኩም ኣለኹ። ኣነ ንኣህዛብ ሃዋርያ ኸም ምዃነይ፥ ብኣገልግሎተይ እሕበን እየ።

15እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን ምስ ገደፎም፥ ንዓለም ዕርቂ ኻብ ኣምፅአላ፥ ምስ ተቐበሎም ግዳ፥ ካብ ሞት ናብ ህይወት ምምላስ እንተ ዘይኮይኑ፥ ካልእ እንታይ ክኸውን ይኽእል?

16እቲ ኸም በዅራት ዝቐረበ ብሒቝ፥ ዝተቐደሰ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ እቲ ዝተረፈ ቕዱስ እዩ፤ እቲ ሱር ዝተቐደሰ እንተ ደኣ ኾይኑ ኸዓ፥ እቲ ጨናፍርውን ቅዱስ እዩ።

17ካብቶም ጨናፍር ገሊኣቶም እንተ ተሰብሩ እሞ፥ ንስኻ ኣውሊዕ በረኻ እንተለኻ፥ ኣብ ስፍራኦም እንተ ተተኸልካ፥ ካብቲ ሱር ኣውሊዕ ዝወፅእ ማራ፥ ተኻፋሊውን እንተ ዄንካ፥

18ኣብቶም ጨናፍር ኣይትተዓበ። እቲ ሱር እዩ ንኣኻ ፆይሩካ ዘሎ እምበር፥ ንስኻ ኣይኮንካን፥ ነቲ ሱር ፆይርካዮ ዘለኻ፥

19ምናልባሽ ንስኻ “ኣነ ምእንቲ ኽትከል እዮም፥ እቶም ጨናፍር ዝተሰብሩ” ትብል ትኸውን።

20ፅቡቕ፤ ንሳቶም ሰኣን ምእማኖም ተሰብሩ፤ ንስኻ ግና ስለ ዝኣመንካ ደው ኢልካ ኣለኻ። ስለዙይ ፍራሕ ደኣ እምበር፥ ብልብኻ ኣይትተዓበ።

21እግዚኣብሄር፥ ነቶም ብባህርዮም ጨናፍር ዝነበሩ፥ ካብ ዘየናሕሰየሎም፥ ንኣኻውን ኣየናሕስየልካን እዩ።

22እምበኣር ናይ ኣምላኽ ሕያዋይነትን፥ ጭካነን ኣስተውዕል፤ ኣምላኽ ነቶም ዝወደቑ ጨካን፥ ንኣኻ ግና ኣብ ሕያዋይነቱ ፀኒዕኻ እንተ ነበርካ፥ ሕያዋይ እዩ፤ እንተ ዘይኮነ፥ ንስኻውን ክትቍረፅ ኢኻ።

23ንሳቶም ኣብቲ ዘይምእማኖም እንተ ዘይፀንዑ ግና፥ ክትከሉ እዮም። እግዚኣብሄር መሊሱ ኽተኽሎም ይኽእል እዩ እሞ።

24ንስኻ ኻብቲ ብፍጥረቱ ኣውሊዕ በረኻ ዝተቘረፅካ፥ ኣብዘይ ፍጥረትካ፥ ኣብ ሰናይ ኣውሊዕ ኻብ ተተኸልካስ፥ እቶም ብፍጥረቶም ጨናፍር ኣውሊዕ ዝነበሩ ግዳ፥ ክንደይ ኣብቲ ናይ ባዕልቶም ኣውሊዕ ዘይትከሉ!

25ኣሕዋተይ፥ ምእንቲ “ፈላጣት ኢና” ኢልኩም ከይትምክሑስ፥ ነዛ ምስጢር እዚኣ ኽትፈልጡ እፈቱ። ንገሊኣቶም እስራኤላውያን ትረት ልቢ ዝበፅሖም፥ ኣህዛብ ናብ ድሕነት ብምልኣት ክሳዕ ዝምለሱ እዩ።

26ከምቲ መፅሓፍ “መድሓኒ ኻብ ፅዮን ክመፅእ እዩ፤ ካብ ዘርኢ ያእቆብ ሓጢኣት ከርሕቕ እዩ፤ ሓጢኣቶም ምስ ኣርሓቕኩ ኸዓ፥ እቲ ምስኣቶም ዝኣትዎ ኺዳን እዙይ እዩ” ዝብሎ፥ እስራኤላውያን ብምሉኦም ክድሕኑ እዮም።

28ብወገን ወንጌል፥ ምእንታኻትኩም ፀላእቲ እዮም፤ ብወገን ምሕራይ ግና፥ ምእንቲ ኣቦታት ፍቑራት እዮም፤

29እግዚኣብሄር፥ ብውህብቶኡን ፃውዒቱን፥ ኣይናሳሕን እዩ እሞ።

30ንስኻትኩም ቀደም ንእግዚኣብሄር ኣይተኣዘዝኩምዎን፤ ሕዚ ግና፥ ብናይ እስራኤል ዘይምእዛዝ ተምሓርኩም።

31ከምኡውን ንሳቶም፥ በቲ ንስኻትኩም ዝተምሓርኩምሉ ምሕረት ምእንቲ ኽምሓሩ፥ ሕዚ ኣይተኣዘዙን።

32እግዚኣብሄር፥ ምሕረቱ ምእንቲ ንዅሉ ኸርኢ፥ ንዅሎም ኣብቲ ዘይምእዛዝ ዓፅዩዎም እዩ እሞ።

33ናይ እግዚኣብሄር ሃብቱን ጥበቡን ፍልጠቱን ክንደይ ዓሚቝ እዩ! ንፍርዱ ኽምርምሮ ዝኽእል የለን፤ ንመንገዱውን ክረኽቦ ዝኽእል የለን።

34ሓሳብ እግዚኣብሄር ዝፈልጥ መን እዩ? ዘማኽሮኸ መን እዩ?

35ንእግዚኣብሄር ኣቐዲሙ ዝሃቦ እሞ፥ ዝፍደዮ መን እዩ?

36ኵሉ ኻብኡን ብእኡን ንእኡን እዩ፤ ንእኡ፥ ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን!

ትርጓሜ

ሮሜ 11:1-10። ብየሱስ ክርስቶስ ብእምነት ጽድቅን ህይወትን ዝነበሮም ዝተረፉ ሕሩያት ኣመንቲ ኣይሁድ ነበሩ። እዚኦም ከም ምርጫ ጸጋ ተሓልዮምዎም ነበሩ። እምበኣር እዚ ምርጫ እዚ ናይ ጸጋ እንተኾይኑ፡ ተገይሩ ይኹን ወይ ትጽቢት ተገይሩሉ፡ ናይ ግብሪ ኪኸውን ኣይክእልን። ኣብ ውድቕ ፍጥረት ዘሎ ዅሉ ብሓቂ ጽቡቕ ባህሪ፡ ውጽኢት ናይቲ ኣባኡ ዝተዋህበ ናይ ኣምላኽ ጸጋ ኪኸውን ኣለዎ እምበር፡ ምኽንያት ኪኸውን ኣይክእልን። ምድሓን ካብ ፈለማ ክሳዕ መወዳእታ ናይ ጸጋ ወይስ ናይ ዕዳ ኪኸውን ኣለዎ። እዞም ነገራት እዚኦም ንሓድሕዶም ብቀጥታ ዝጻረሩ ስለዝኾኑ፡ ብሓንሳእ ኪደባለቑ ኣይክእሉን። ኣምላኽ ንጸጋኡ፡ ልቢን ባህሪን ናይቶም ዓለወኛታት ብምልዋጥ የኽብሮ። እምበኣርከስ ከመይ ገይሮም እዮም ኪግረሙን ኬመስግንዎን ዝግባእ! ህዝቢ እስራኤል ኣብ ዕሙቕ ድቃስ ከም ዝነበረ እዩ፡ ሓደጋኦም ከይፈለጠ ወይ ብእኡ ከይተገደሰ፡ ናይቲ መድሓኒ ግድነት ከም ዘሎዎም ወይ ድማ ኣብ ወሰን ናይ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ከም ዘለዉ ከይተገንዘበ። ዳዊት ብመንፈስ ንስቓይ ክርስቶስ ካብ ህዝቡ፡ ካብ ኣይሁድ፡ ተነቢኡ፡ በዚ ድማ ንእኦም ዝመጾም መርኣእቲ ፍርዲ ኣምላኽ ይትንበይ፡ መዝ 69። እዚ ኸኣ ካልኦት ጸሎታት ዳዊት ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ብኸመይ ክንርዳእ ከም ዘሎና የምህረና፤ እዞም ጸሎታት እዚኦም ትንቢታት ፍርዲ ኣምላኽ እዮም እምበር፡ ንቑጥዓ ባዕሉ ዝገልጹ ኣይኮኑን። መለኮታዊ መርገም ንነዊሕ ኪሰርሕ እዩ፤ ብናይ ዓለም ኣተሓሳስባ እንተደኒና ኸኣ፡ ዓይንና ይጸልምት።

11:11-21 ወንጌል ኣብ ዝርከበሉ ኩሉ ቦታ እቲ ዝዓበየ ሃብቲ እዩ። ስለዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘይኣምንቲ ኣይሁድ ቅኑዕ ምድላይ ብዙሓት ኣህዛብ ምስ ኣምላኽ ክተዓረቑን ሰላም ክገብሩን ምኽንያት ኮይኑ እዩ፤ ኣብ መጻኢ ናይ ኣይሁድ ናብ ቤተ ክርስትያን ምቕባል ድማ ካብ ሓጢኣት ንዝሞቱ ናብ ጽድቂ ህይወት ከም ናይ ጠቕላላ ትንሳኤ ዝመስል ለውጢ ኪኸውን እዩ። ኣብርሃም ከምቲ ሱር ቤተ ክርስትያን እዩ ነይሩ። ኣይሁድ ጨናፍር ናይዛ ኦም እዚኣ ኮይኖም ቀጺሎም ክሳብ ከም ህዝቢ ንመሲሕ ዝነጸግዎ፤ ድሕሪኡ ድማ ምስ ኣብርሃምን ምስ ኣምላኽን ዝነበሮም ርክብ ከም ዝተቖርጸ ኮነ። ኣህዛብ ድማ ኣብ ቦታኦም ናብዛ ኦም እዚኣ ተኸሩ፤ ናብ ቤተ ክርስትያን ኣምላኽ ተቐቢሎም ማለት እዩ። ብዙሓት ናይ ኣብርሃም እምነት፣ ቅድስናን ቡራኬን ወረስቲ ኮኑ። ብባህርይና ምራቑቕ ምዃንና ናይ ኩሉና ተፈጥሮኣዊ ኩነታት እዩ። ምልዋጥ ከም ምትካል ረስኒ ጨናፍር ኣብ ጽቡቕ ኦሊቭ እዩ። እታ ረስኒ ኦሊቭ ክትበላሾ ምስ ጀመረት ናብታ ፍረኣምባ ዝኾነት ብዙሕ ግዜ ትኽረ ነይራ፣ እዚ ድማ ፍረ ጥራይ ኣየምጽአን፣ የግዳስ ነታ እትበላሾ ዝነበረት ኦሊቭ ክትለምዕን ክትምብልልን ገበራ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6