ራእይ ዮሃንስ 9

BCVትግርኛ21 ፍቕድታት4:16 ስማዕ
ስማዕ 4:16 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እቲ ሓምሻይ መልኣኽ ድማ መለኸቱ ነፍሐ፤ ኮኸብ ከዓ፥ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኽወድቕ እንተሎ ረአኹ፤ መፍትሕ እቲ ዓሚቝ ጕድጓድውን ተውሃቦ።

2እቲ ኮኸብ ድማ፥ ነቲ ዓሚቝ ጕድጓድ ከፈቶ። ካብቲ ጕድጓድ ከዓ፥ ከም ትኪ ዓብዪ እቶን ዝመስል ትኪ ወፀ። ብትኪ እቲ ጕድጓድ ድማ፥ ፀሓይን ኣየርን ፀልመተ።

3ካብቲ ትኪውን፥ ኣንበጣ ናብ ምድሪ ወፀ፤ ከምቲ ንዕንቅርቢታት ምድሪ፥ ስልጣን ዘለወን ከዓ፥ ስልጣን ተውሃቦ።

4ነቲ ኣንበጣውን “ነቶም ኣብ ግምባሮም፥ ማሕተም እግዚኣብሄር ዘይብሎም ሰባት ጥራሕ ደኣ እምበር፥ ኣብ ምድሪ ንዘሎስ፥ ንሳዕሪ ወይ ንዅሉ ዝለምለመ፥ ወይ ነእዋም ኣይትጕድኣዮም” ተብሂሉ ተነገሮ።

5ክቐትሎም ዘይኮነስ፥ ንሓሙሽተ ወርሒ ኸሳቕዮም ስልጣን ተውሃቦ። እቲ ምስቓዮም ከዓ፥ ከምቲ ዕንቅርቢት ንሰብ ክትነክስ እንተላ ዘሳቒ እዩ።

6በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ሰባት ንሞት ይደልዩዋ፤ ግና ኣይረኽብዋን እዮም፤ ሙማትውን ክምነዩ እዮም፤ ሞት ግና ኻብኣቶም ክሃድም እዩ።

7ትርኢት እቲ ኣንበጣ ድማ፥ ንውግእ ከም ዝተዳለዉ ኣፍራስ ይመስል ነበረ፤ ኣብ ኣራእሶምውን፥ ኣኽሊላት ወርቂ ዝመስል ነበሮም፤ ገፆም ከዓ፥ ከም ገፅ ሰብ ነበረ።

8ከም ፀጕሪ ኣንስቲ ዝመስል ፀጕሪ ድማ ነበሮም፤ ኣስናኖምውን፥ ከም ኣስናን ኣናብስ ነበረ።

9ድርዒ ሓፂን ዝመስል፥ ድርዒ ነበሮም፤ ድምፂ ኣኽናፎምውን፥ ከም ድምፂ እቶም ናብ ውግእ ዝጋልቡ፥ ብዙሓት ኣፍራስ ሰረገላታት ነበረ።

10ከም ጭራ ዕንቅርቢት ዝመስል፥ ጭራ ነበሮም፤ ንሓሙሽተ ወርሒ፥ ንሰባት ምእንቲ ኽጐድኡ ኸዓ፥ ኣብ ጭራኦም ስልጣን ነበሮም።

11ንጉስ ኣለዎም፤ ንሱ መልኣኽ መዓሙቝ እዩ፤ ስሙ ብዕብራይስጢ ኣብዶን፥ ብግሪክ ከዓ ኣጶልዮን(ሀ) ይበሃል።

12እቲ ቐዳማይ መከራ ሓሊፉ፤ ድሕሪዙይ ከዓ እንሆ ገና ኽልተ መከራ ይመፅእ ኣሎ።

13እቲ ሻድሻይ መልኣኽውን፥ መለኸቱ ነፍሐ። ካብተን ኣርባዕተ ኣቕርንቲ፥ ናይቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ መሰውኢ ኸዓ፥ ድምፂ ኽወፅእ እንተሎ ሰማዕኹ።

14“ነቶም ኣብቲ ዓብዪ ሩባ ኤፍራጥስ፥ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣርባዕተ መላእኽቲ፥ ፍትሓዮም” በሎ።

15እቶም ነዛ ሰዓት እዚኣን፥ ነዛ መዓልቲ እዚኣን፥ ነዛ ወርሒ እዚኣን፥ ነዛ ዓመት እዚኣን፥ ዝተዳለዉ ኣርባዕተ መላእኽቲ፥ ሲሶ ደቂ ሰብ ክቐትሉ ተፈትሑ።

16ቍፅሪ እቶም ሰራዊት ፈረሰኛታት ድማ፥ ክልተ እልፊ ጊዜ እልፊ እዩ፥ ዝብል ሰማዕኹ።

17ብራእይ ድማ፥ ነቶም ኣፍራስን፥ ነቶም ተቐሚጦምዎም ዝነበሩን ረአኽዎም፤ ድርዖም ከዓ፥ ከም ሓዊ ቐይሕ፥ ከም ያክንት ሰማያዊ፥ ከም ዲን ድማ፥ ብጫ ዝመስል ነበረ። ኣራእስ እቶም ኣፍራስ፥ ከም ኣራእስ ኣናብስ ይመስል ነበረ። ካብ ኣፎምውን፥ ሓዊን ትክን ዲንን ይወፅእ ነበረ።

18በቲ ኻብ ኣፎም ዝወፀ ሓዊን ትክን ዲንን፥ በዘን ሰለስተ መዓታት እዚኣተን፥ ሲሶ ሰብ ተቐትለ።

19ሓይሊ እቶም ኣፍራስ፥ ኣብ ኣፎምን ኣብ ጭራኦምን እዩ፤ እቲ ጭራኦም ተመን እዩ ዝመስል፤ ርእሲውን ኣለዎም፤ ብእኡ ገይሮም ድማ እዮም ዝጐድኡ።

20እቶም በዘን መዓታት እዚኣተን እንተይተቐትሉ ዝተረፉ ሰባት፥ ካብቲ ግብሪ ኣእዳዎም ኣይተነስሁን። ንኣጋንንትን ነቶም ክሪኡ፥ ወይ ክሰምዑ፥ ወይ ክኸዱ ዘይኽእሉ፥ ብወርቅን ብብሩርን ብነሃስን ብእምንን ብዕንፀይትን ዝተሰርሑ ጣዖታት፥ ምምላኽ ኣይሓደጉን።

21ከምኡውን፥ ካብ ምቕታሎምን ወይ ካብ ምጥንቋሎምን ወይ ካብ ምንዝርናኦምን ወይ ካብ ስርቆምን፥ ኣይተነስሁን።

ትርጓሜ

9:1-12

ሓምሻይ መለኸት ምስ ተነፍሐት፡ ሓንቲ ኮኾብ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ወረደት። እታ በዛ ኮኾብ እተዋከለት ኣካል፡ ኣገልጋሊ ክርስቶስ ምዃን ምስ ኣቋረጸት፡ ኣገልጋሊት ሰይጣን ትኸውን እሞ፡ ነቲ ሓይልታት ሲኦል ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ክርስቲያን ክርስቶስ የንፍርሮ። መዓሙቕ ምስ ተኸፍተ ድማ፡ ዓብዪ ትኪ ወጸ። ሰይጣን ዕላማታቱ ኸኣ ኣዒንቲ ሰባት ብምዕዋር፡ ብርሃንን ፍልጠትን ብምጥፋእ፡ ድንቁርናን ስሕተትን ድማ ብምዕባይ ይፍጽም። ካብዚ ትኪ እዚ ኸኣ፡ ምልክት ወከልቲ ሰይጣን ኮይኖም ንዕቡጥ እምነትን፡ ጣኦታውነትን፡ ስሕተትን፡ ጭካኔን ዘስፋሕፍሑ መንጋታት ኣንበጣ ወጸ። ኣእዋምን ሳዕርን፡ ማለት እቶም እሙናት ኣመንቲ፡ እዋን ዘይገበሩ ይኹኑ ብዕድመ ዝደፍኡ፡ ኣይተንከፉን። ግናኸ ኣብ ነፍሲ ዘሎ ሕቡእ መርዛን ለበዳን ንብዙሓት ካልኦት ንጽሕናኦም ይምንዝዖም፡ ድሕሪኡ ድማ ሰላሞም። እቲ ኣንበጣ ነቶም ማሕተም ኣምላኽ ዝነበሮም ክጎድእ ሓይሊ ኣይነበሮን። ኩሉ ዝኽእል፡ ዝፈላሊ ጸጋ ኣምላኽ፡ ንህዝቡ ካብ ምሉእ ናይ መወዳእታ ክሕደት እምነት ክሕሉ እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6