ራእይ ዮሃንስ 10

TIG24ትግርኛ11 ፍቕድታት

1ካልእ ሓያል መልኣኽ ድማ ደበና ተኸዲኑ፡ ኣብ ርእሱ ቀስተ ደመና፡ ገጹ ከም ጸሓይ፡ ኣእጋሩ ድማ ከም ኣዕኑድ ሓዊ፡ ካብ ሰማይ ክወርድ ረኣኹ።

2ኣብ ኢዱ ኽፉት መጽሓፍ ሒዝዎ፡ የማነይቲ እግሩ ናብ ባሕሪ፡ ጸጋማይ እግሩ ድማ ናብ ምድሪ ኣንበረ።

3ከም ኣንበሳ ኪጉረምረም ከሎ ብዓቢ ድምጺ ጨደረ። ምስ ጸውዐ ድማ ሸውዓተ ነጎዳ ድምጾም ኣስምዑ።

4እቶም ሸውዓተ ነጎዳታት ድምጾም ምስ ኣስምዑ፡ ክጽሕፍ ቀረብኩ። ካብ ሰማይ ድማ ከምዚ ክብለኒ ሰማዕኩ፡ ነቲ ሸውዓተ ነጎዳ ዝዛረብዎ ነገር ማሕተም ግበሮ፡ ኣይትጽሓፎ።

5እቲ ኣብ ባሕርን ኣብ ምድርን ደው ኢሉ ዝረኣኹዎ መልኣኽ ድማ ኢዱ ናብ ሰማይ ኣልዓለ።

6በቲ ንዘለኣለም ህያው፡ ሰማያትን ኣብኡ ዘሎን፡ ምድርን ኣብኡ ዘሎን ባሕርን ኣብኡ ዘሎን ዝፈጠረ፡ ግዜ ከም ዘይህሉ ድማ መሓለ። ዝነውሐ፤

7ኣብ መዓልትታት ድምጺ እቲ ሻብዓይ መልኣኽ፡ ንሱ ክነፍሕ ኣብ ዝጅምረሉ ግዜ ግና፡ እቲ ምስጢር ኣምላኽ ከምቲ ንባሮቱ ነብያት ዘበሰሮም ምተፈጸመ።

8እቲ ኻብ ሰማይ ዝሰማዕክዎ ድምጺ ድማ መሊሱ ተዛረበኒ፡ ኪድ ነቲ ኽፉት መጽሓፍ ኣብ ኢድ እቲ ኣብ ባሕርን ኣብ ምድርን ደው ኢሉ ዘሎ መልኣኽ ውሰዶ።

9ናብቲ መልኣኽ ድማ ከይደ፡ ነታ ንእሽቶ መጽሓፍ ሃበኒ፡ በልክዎ። ንሱ ድማ ከምዚ በለኒ፡ ወሲድካ ብላዕ፤ ንኸብድኻ ድማ መሪር ክገብሮ እዩ፡ ኣብ ኣፍካ ግና ከም መዓር ጥዑም ክኸውን እዩ።

10ነታ ንእሽቶ መጽሓፍ ድማ ካብ ኢድ እቲ መልኣኽ ወሲደ በሊዐያ። ኣብ ኣፈይ ድማ ከም መዓር ጥዑም ነበረ፤ ምስ በላዕኩ ድማ ከብደይ መሪሩ።

11ንሱ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ህዝብታትን ኣህዛብን ቋንቋታትን ነገስታትን ከም ብሓድሽ ክትንበ ኣሎካ።

ትርጓሜ

ዮሃንስ ራእይ 10:1-7

እቲ ሃዋርያ ካልእ ትርኢት ረኣየ። እቲ ነዚ ምግላጽ ዘመሓላልፍ ዝነበረ ኣካል ምናልባት ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ነይሩ፣ ወይ ከኣ ክብሩ ንምግላጽ ነይሩ። ንሱ ክብሩ ይኸውሎ፣ እዚ ኸኣ ንዓይኒ ምድራዊ ሰብ ንምርኣይ ዝበዝሕ እዩ፤ ብዕልጋታቱ ድማ መጋረጃ ይገብር።

ቅብብል ቀስተ ደመና ኣብ ርእሱ ነበረ፤ ጐይታና ንቃል ኪዳኑ ኩሉ ግዜ ይዝክር። ድምጹ እቲ መፍርሂ ብሸውዓተ ነጐዳታት ይመልስ ነበረ፤ እዚ ኸኣ መንፈስ ኣምላኽ ንምግላጽ ዕዙዝን መፍርሕን መንገዲ እዩ። እቶም ትሕዝቶታት እተን ሸውዓተ ነጐዳታት ኣይንፈልጥን ኢና፣ ከምኡ’ውን ምኽንያት ንኸይፍለጣ ምሕባአን። ኣብ ታሪኽ ዓበይቲ ፍጻሜታት ኣለዉ፣ ምናልባት ምስ ቤተ ክርስቲያን ክርስቶስ ዝተኣሳሰሩ፣ እቶም ብግልጺ ትንቢት ዘይተገልጹ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 5

AMHEVG ሌላም ብርቱ መልአክ ደመና ተጐናጽፎ ከሰማይ ሲወርድ አየሁ፤ በራሱም ላይ ቀስተ ደመና ነበረ፥ ፊቱም እንደ ፀሐይ እግሮቹም እንደ እሳት ዓምዶች ነበሩ፥ አማርኛ ENGNIV Then I saw another mighty angel coming down from heaven. He was robed in a cloud, with a rainbow above his head; his fa… English BCV ድሕሪዙይ ካልእ ብርቱዕ መልኣኽ፥ ደመና ተወንዚፉ፥ ካብ ሰማይ ክወርድ እንተሎ ረአኹ። ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸዓ፥ ቀስተ ደመና ነበረ፤ ገፁ ድማ ኸም ፀሓይ ብሩህ ነበረ፤ ኣእጋሩውን፥ ከም ኣዕማድ… ትግርኛ GAZBIB Ergasii immoo ergamaan aango-qabeessi biraa tokko waaqa keessaa utuu gad bu'uu nan arge. Inni duumessa ofitti maree, na… Afaan Oromoo BCV GIZ ወእምዝ ወረደ ካልእ መልአክ ዐቢይ እምሰማይ ወይትዐጸፍ ደመና ውስተ ርእሱ ወብሩህ ገጹ ከመ ፀሓይ ወእገሪሁ ከመ አዕማደ እሳት። giz GAZGAZ Ergasii immoo ergamaan aango-qabeessi biraa tokko waaqa keessaa utuu gad bu'uu nan arge. Inni duumessa ofitti maree, na… Afaan Oromoo BCV aksum ድሕሪዙይ ካልእ ብርቱዕ መልኣኽ፥ ደመና ተወንዚፉ፥ ካብ ሰማይ ክወርድ እንተሎ ረአኹ። ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸዓ፥ ቀስተ ደመና ነበረ፤ ገፁ ድማ ኸም ፀሓይ ብሩህ ነበረ፤ ኣእጋሩውን፥ ከም ኣዕማድ… ትግርኛ AMHNIV ከዚህ በኋላ ሌላ ብርቱ መልአክ ደመና ተጐናጽፎ ከሰማይ ሲወርድ አየሁ፤ እርሱም በራሱ ላይ ቀስተ ደመና ነበር። ፊቱ እንደ ፀሓይ፣ እግሮቹ እንደ እሳት ዐምዶች ነበሩ። አማርኛ