ራእይ ዮሃንስ 8

BCVትግርኛ13 ፍቕድታት3:19 ስማዕ
ስማዕ 3:19 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ነቲ ሻውዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸዓ፥ ኣብ ሰማይ(ሀ) ንፍርቂ ሰዓት ዝኣክል፥ ህድኣት ኮነ።

2ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ፥ ደው ዝበሉ ሸውዓተ መላእኽቲ ረአኹ። ሸውዓተ መለኸትውን ተውሃቦም።

3ካልእ መልኣኽውን፥ ወርቂ ፅንሃህ ሒዙ መፀ እሞ፥ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ደው በለ። ምስቲ ፀሎት ኵሎም ቅዱሳን ወሲኹ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቅድሚ ዙፋን ዘሎ መሰውኢ ወርቂ፥ ምእንቲ ኸቕርቦ ኸዓ፥ ብዙሕ ዕጣን ተውሃቦ።

4ትኪ እቲ ዕጣን ከዓ፥ ምስቲ ፀሎት ቅዱሳን ኮይኑ፥ ካብ ኢድ እቲ መልኣኽ፥ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓረገ።

5እቲ መልኣኽ ድማ፥ ነቲ ፅንሃህ ወሲዱ፥ ካብቲ ኣብ መሰውኢ ዘሎ ጓህሪ፥ ሓዊ መልኦ፤ ናብ ምድሪ እውን ደርበዮ፤ ነጐድጓድን ድምፅን መብረቕን ምንቅጥቃጥ ምድርን ከዓ ኾነ።

6እቶም ሸውዓተ መለኸት ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ ድማ፥ መለኸት ክነፍሑ ተዳለዉ።

7እቲ ቐዳማይ መልኣኽ፥ መለኸቱ ነፍሐ፤ ደም ዝተሓወሶ በረድን ሓዊን ድማ መፀ፤ ናብ ምድሪ እውን ተደርበየ። ሲሶ ምድሪ ነደደ፤ ሲሶ ኣእዋምውን ነደደ፤ ኵሉ ለምለም ሳዕሪውን ነደደ።

8እቲ ኻልኣይ መልኣኽውን፥ መለኸቱ ነፍሐ፤ ሃልሃል እናበለ ዝነድድ፥ ዓብዪ እምባ ዝመስል ነገር፥ ናብ ባሕሪ ተደርበየ። ሲሶ ባሕሪ ድማ ደም ኮነ።

9ሲሶ ናይቲ ኣብ ባሕሪ ዝነብር ህይወት ዘለዎ ፍጡርውን ሞተ፤ ሲሶ መራኽብውን ጠፍኣ።

10እቲ ሳልሳይ መልኣኽ ከዓ፥ መለኸቱ ነፍሐ፤ ዓብዪ ኮኸብ፥ ከም ሽግ እናነደደ፥ ካብ ሰማይ ወደቐ፤ ኣብ ሲሶ ሩባታትን፥ ኣብ ዓይኒ ማያትን ድማ ወደቐ።

11ስም እቲ ኮኸብ ከዓ “ምረት” እዩ ዝበሃል፤ ሲሶ ማያት ድማ መረረ፤ እቲ ማይ መሪር ብምዃኑውን፥ ብሰንኪ እቲ መሪር ማይ፥ ብዙሓት ሰባት ሞቱ።

12እቲ ራብዓይ መልኣኽውን፥ መለኸቱ ነፍሐ፤ ሲሶ ፀሓይን፥ ሲሶ ወርሕን፥ ሲሶ ኸዋኽብትን፥ ተወቕዐ። ናይ ብርሃኖም ሳልሳይ ኣፍ ድማ ፀልመተ። ስለዙይ ሲሶ ናይ መዓልቲ፥ ፀልመተ፤ ሲሶ ናይ ለይቲ ኸዓ፥ ብዘይ ብርሃን ወርሕን ከዋኽብትን ኮነ።

13ድሕሪዙይ ሓደ ንስሪ ኣብ ማእኸል ሰማይ ክዝምቢ እንተሎ ረአኹ። ዓው ብዝበለ ድምፂ ኸዓ፥ “እቶም ሰለስተ መላእኽቲ፥ ነተን ተሪፈን ዘለዋ መለኸታት ምስ ነፍሕወን፥ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ወይለኦም! ወይለኦም! ወይለኦም!” እንትብል ሰማዕኹ።

ትርጓሜ

8:1-6

ሻውዓይ ማሕተም ተኸፊቱ። ኣብ ሰማይ ንሓጺር እዋን ዕምቈት ዝመልኦ ህድኣት ነበረ፤ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ኩሉ ህድእ ኢሉ ነበረ፡ ከመይሲ ኣብ ምድሪ ዘላ ቤተ-ክርስቲያን ብመከራ ክትስእስዕ ከላ፡ እቲ ስእስዓ ክሳብ ሰማይ ይበጽሕ እዩ፤ ወይ ድማ ናይ ትጽቢት ህድኣት እዩ። ነቶም መለኸት ኪነፍሑ ዝነበሮም መላእኽቲ መለኸታት ተዋህቦም። ጐይታና የሱስ ናይ ቤተ-ክርስቲያን ሊቀ-ካህናት እዩ፡ ወርቃዊ መዓጠን ዘለዎ፡ ብዙሕ ዕጣን ዘለዎ፡ ብኽቡር ኣካሉ ምሉእ ገንዘብ ዘለዎ። ሰባት ኣብ ክርስቶስ ዘሎ ምልኣት ንምፍላጥ እንተዝጽዕሩ፡ ምስ ክብርቱ ንምልላይ ድማ እንተዝፈትኑ! ክርስቶስ ከም ናይ ኣማላዲነት ዝበለ ኣገልግሎት ከም ዘለዎ፡ ብሓቂ እንተዝእመኑ! እንተዘይኮነ፡ ሕጂ ብዓሚቕ ምሕረት ዝፍጽሞ። ከምኡ ዝቐርቡ ጸሎታት፡ ክስማዑን ክቕበሉን ከቶ ኣይተነጽጉን። እዚኦም፡ ከምኡ ኣብ ሰማይ እተቐበሉ ጸሎታት፡ ኣብ ምድሪ ዓበይቲ ለውጥታት ፈጠሩ። እቲ ክርስትያናዊ ኣምልኾን ሃይማኖትን፡ ብመበቆሉን ባሕርዩን ንጹህን ሰማያውን ኪኸውን ከሎ፡ ናብ ምድሪ ምስ ተላእከን ምስ ፍትወታትን ዓለማዊ ትልምታት ሓጥኣን ሰባትን ክጋጮ ከሎ፡ ኣብዚ ብትንቢታዊ ቛንቋ እተዘርገሐ፡ ልዩ ዕግርግር ፈጠረ፡ ከምቲ ጐይታና ባዕሉ ዝገለጾ፡ ሉቃስ 12:49።

ራእይ 8:7-13

እቲ ቀዳማይ መልኣኽ ነቲ ቀዳማይ መለኸት ኣስመዐ፣ በረድ ምስ ሓዊ ተደሪቡ ምስ ደም ኰነ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6