ራእይ ዮሃንስ 7

BCV aksumትግርኛ17 ፍቕድታት3:32 ስማዕ
ስማዕ 3:32 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ድሕሪዙይ እቶም ኣርባዕተ መላእኽቲ፥ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ደው ኢሎም ረአኹ። ንሳቶም፥ ኣብ ምድሪ ወይ ኣብ ባሕሪ ወይ ኣብ ዝኾነ ኣእዋም፥ ንፋስ ምእንቲ ኸይነፍስ፥ ነቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ምድሪ ሒዞምዎም ነበሩ።

2ንዘለኣለም ህያው ናይ ዝኾነ ማሕተም ዝሓዘ፥ ካልእ መልኣኽ፥ ካብ ምብራቕ ክወፅእ እንተሎ ረአኹ። ንሱ ኸዓ፥ ነቶም ንምድርን ንባሕርን ክጐድኡ ስልጣን ዝተውሃቦም ኣርባዕተ መላእኽቲ፥ ብብርቱዕ ድምፂ ፀውዖም እሞ፥

3“ነቶም ኣገልገልቲ ኣምላኽና፥ ኣብ ገግምባሮም ማሕተም ክሳዕ እንገብረሎም፥ ንምድሪ ወይ ንባሕሪ ወይ ነእዋም፥ ኣይትጕድእዎም” በሎም።

4ቍፅሪ ናይቶም ማሕተም ዝተገብረሎም ክንደይ ከም ዝኾነ ድማ ሰማዕኹ። ካብ ኵሉ ነገድ እስራኤል፥ ማሕተም ዝተገብረሎም፥ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ።

5እቶም ማሕተም ዝተገብረሎም፥ ካብ ነገድ ይሁዳ - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ሮቤል - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ጋድ - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥

6ካብ ነገድ ኣሴር - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ንፍታሌም - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ምናሴ - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥

7ካብ ነገድ ስምኦን - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ሌዊ - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ይሳኮር - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥

8ካብ ነገድ ዛብሎን - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ዮሴፍ - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ብንያም - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ነበሩ።

9ድሕሪዙይ ድማ፥ እንሆ፥ ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን፥ ካብ ኵሉ ቛንቋታትን ዝተኣከቡ፥ ሓደኳ ኽቘፅሮም ዘይኽእል ብዙሓት ሰባት፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም፥ ጨናፍር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋንን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ በጊዕን፥ ደው ኢሎም እንተለዉ ረአኹ።

10ብዓብዪ ድምፂ ኸዓ፥ “ምድሓን፥ ናይቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽናን፥ ናይቲ በጊዕን እዩ” እናበሉ፥ ድምፂ ኣስምዑ።

11እቶም መላእኽቲ ዅላቶም፥ ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋንን፥ እቶም ኣሕሉቕን፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ቆሙ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን ብግምባሮም ተደፊኦም ከዓ፥ ንእግዚኣብሄር ሰገዱሉ።

12ከምዙይ ከዓ ይብሉ ነበሩ፦ “ኣሜን፥ ውዳሴን፥ ግርማን፥ ጥበብን፥ ምስጋናን፥ ክብርን፥ ስልጣንን፥ ሓይልን፥ ንዘለኣለመ ኣለም ንኣምላኽና ይኹን፤ ኣሜን።”

13ሓደ ኻብቶም ኣሕሉቕ ድማ፥ “እዞም ፃዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸደኑስ፥ እንታዎት እዮም? ካበይከ እዮም መፂኦም?” በለኒ።

14ኣነ ድማ “ጐይታይ፥ ንስኻ ትፈልጥ” በልክዎ። ንሱ ኸዓ፥ “እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ መከራ ዝወፁ፥ ክዳውንቶምውን፥ ብደም እቲ በጊዕ ሓፂቦም ዘንፅሁ እዮም።

15ስለዙይ ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን እግዚኣብሄር እኒሀዉ፤ ኣብታ መቕደሱውን፥ ለይትን መዓልትን የገልግልዎ ኣለዉ። እቲ ኣብቲ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኸዓ፥ ድንኳኑ ተኺሉ ኸፅልለሎም እዩ።

16ድሕሪ ሕዚ ኣይጠምዩን፤ ኣይፀምኡን፤ ፀሓይ ኮነ ሃሩር ድማ፥ ከቶ ኣይረኽቦምን እዩ።

17እቲ ኣብ ማእኸል ዙፋን ዘሎ በጊዕ፥ ክጓስዮም እዩሞ፥ ናብ ዒላታት ማይ ህይወትውን፥ ክመርሖም እዩሞ፤ እግዚኣብሄርውን፥ ካብ ኣዒንቶም፥ ኵሉ ንብዓት ኽሕብሰሎም እዩ” በለኒ።

ትርጓሜ

7:1-8 ብምሳለኣዊ ቛንቋ ቅዱስ ጽሑፍ፡ ኣርባዕተ ንፋሳት ብሓንሳብ ምነፋዖም፡ ዘስካሕክሕን ኩሉ ዘጠቃልልን ጥፍኣት ማለት እዩ። ግና እቲ ጥፍኣት ተደናጒዩ ኣሎ። ማሕተም ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ንብረቱ ንምምልካት ይጥቀሙሉ ነይሮም። እዚ ማሕተም እዚ ድማ ኣብ ልቢ ምእመናን ዝተሓትመ ምስክር መንፈስ ቅዱስ እዩ። ጐይታ ኸኣ ህዝቡ ቅድሚ ምሕታሞም ክጭነቑ ኣይፈቐደን፡ ንኹሉ ቃልዕ ምእንቲ ክዳለዉ። እሞዳ ኣስተብህሉ፡ እቶም ብመንፈስ ከምዚ ዝተሓትሙ ሰባት፡ እቲ ማሕተም ኣብ ግንባሮም ክኸውን ኣለዎ፡ ብዓይኒ ፈተውትን ጸላእትን ብግልጺ ዝርአ፡ ግናኸ እቲ ምእመን ገዛእ ርእሱ ክርእዮ ኣይክእልን፡ እንተ ዘይኮይኑ ግን ብቐጻልነት ኣብ መርኣያ ቃል ኣምላኽ እንተ ጠመተ እዩ። ቍጽሪ እቶም ዝተሓትሙ ሰባት፡ ነቲ ኣምላኽ ዝዓቀቦ ዝተረፈ ህዝቢ ዝውክል ተባሂሉ ክርአ ይከኣል እዩ። እታ ቤተ ክርስቲያን ኣምላኽ ምስ እታ እኩይ ዓለም ብምንጽጻር ንእሽቶ መጓሰ እኳ እንተኾነት፡ ግናኸ ንሳ ብሓቂ ዓብይ ማሕበረሰብ እያ እሞ ድማ ካብኡ ንላዕሊ ክትሰፍሕ እያ። ኣብዚ እታ ኩለ-ሓፈሻዊት ቤተ ክርስቲያን ከም ኣርኣያ እስራኤል ተመሲላ ኣላ።

ዮሃንስ ራእይ 7:9-12

ፍረ በዅሪ ክርስቶስ መገዲ ምስ ከፈተ፣ ኣብ ኋላዊ ግዜ እቶም ዝተለወጡ ኣህዛብ ይስዕቡ፣ ነቲ ምድሓኖም ከኣ ብዓወት ናብ ኣምላኽን ናብ በጃን የውዕልዎ። ኣብ ግብሪ ሃይማኖታዊ ኣምልኾ ናብ ኣምላኽ ንቕረብ፣ ብክርስቶስ ከኣ ክንመጽእ ኣሎና። ዝፋን ኣምላኽ ብሓጥኣን ክቕረብ ኣይካኣልን ነይሩ፣ ተላባዒ እንተዘይርከብ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ከዚህም በኋላ በአራቱ በምድር ማዕዘን ቆመው አራት መላእክት አየሁ፥ እነርሱም ነፋስ በምድር ቢሆን ወይም በባሕር ወይም በማንም ዛፍ እንዳይነፍስ አራቱን የምድር ነፋሳት ያዙ። አማርኛ ENGNIV After this I saw four angels standing at the four corners of the earth, holding back the four winds of the earth to pre… English BCV ድሕሪዙይ እቶም ኣርባዕተ መላእኽቲ፥ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ደው ኢሎም ረአኹ። ንሳቶም፥ ኣብ ምድሪ ወይ ኣብ ባሕሪ ወይ ኣብ ዝኾነ ኣእዋም፥ ንፋስ ምእንቲ ኸይነፍስ፥ ነቶም ኣርባዕተ ን… ትግርኛ GAZBIB Kana booddees ergamoonni afur golee lafaa arfan irra dhaabatanii, qilleensi lafatti, galaanatti, mukattis akka hin qill… Afaan Oromoo BCV GIZ ወእምድኅረ ዝንቱ ርኢኩ አርባዕቱ መላእክት ይቀውሙ ውስተ አርባዕቱ መዓዝኒሃ ለምድር ከመ የአኀዙ ከመ ኢይንፋኅ ነፋስ ውስተ ምድር ወኢውስተ ባሕር ወኢውስተ ዕፀታት። giz GAZGAZ Kana booddees ergamoonni afur golee lafaa arfan irra dhaabatanii, qilleensi lafatti, galaanatti, mukattis akka hin qill… Afaan Oromoo AMHNIV ከዚህ በኋላ አራት መላእክት በአራቱ የምድር ማእዘኖች ቆመው አየሁ፤ እነርሱም ነፋስ በምድር ወይም በባሕር፣ ወይም በማንኛውም ዛፍ ላይ እንዳይነፍስ አራቱን የምድር ነፋሶች ያዙ። አማርኛ SWAHSUV Baada ya hayo nikaona malaika wanne wamesimama katika pembe nne za nchi, wakizizuia pepo nne za nchi, upepo usivume juu… Kiswahili