1ሽዑ ሓደ መልኣኽ፥ ካብ ሰማይ ክወርድ እንተሎ ረአኹ፤ ንሱ መኽፈቲ ናይቲ ዓሚቝ ጕድጓድን፥ ገዚፍ መቑሕን፥ ኣብ ኢዱ ሒዙ ነበረ።
2እቲ መልኣኽ ነቲ ገበል ሓዞ፤ ንሱውን እቲ ዲያብሎስ ወይ ሰይጣን ዝበሃል፥ ናይ ጥንቲ ተመን እዩ። ሽሕ ዓመትውን ኣሰሮ።
3ድሕሪዙይ ንኣህዛብ ምእንቲ ኸየስሕቶም ኢሉ፥ እተን ሽሕ ዓመታት ክሳዕ ዝፍፀማ፥ ናብቲ ዓሚቝ ጕድጓድ ደርበዮ። ዓፅዩ ድማ፥ ኣብ ልዕሊኡ ማሕተም ገበረሉ። ድሕሪዙይ ንቑሩብ ጊዜ ኽፍታሕ ኣለዎ።
4ዙፋናትውን ረአኹ፤ ነቶም ኣብ ዙፋናት ዝተቐመጡ ኸዓ፥ ክፈርዱ ስልጣን ተውሃቦም። እዚኣቶም፥ እቶም ንኢየሱስ ብምምስካሮምን፥ ንቓል እግዚኣብሄር ብምብሳሮምን፥ ዝተሰየፉ እዮም። እዚኣቶም፥ ነቲ ኣራዊት ኮነ ንምስሉ ዘይሰገዱ፥ ኣብ ግምባሮም ኮነ ኣብ ኣእዳዎም፥ ማሕተሙ ዘይተቐበሉ እዮም። ንሳቶም፥ ህያዋን ኮይኖም፥ ምስ ክርስቶስ ሽሕ ዓመት ነገሱ።(ሀ)
5እቶም ዝተረፉ ምዉታን ግና፥ እተን ሽሕ ዓመታት ክሳዕ ዝፍፀማ ኣይትስኡን። እዙይ እቲ ቐዳማይ ትንሳኤ እዩ።
6ኣብቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ዕድል ዘለዎ፥ ብፁዕን ቅዱስን እዩ። እቲ ኻልኣይ ሞት፥ ኣብዚኣቶም ስልጣን የብሉን፤ ግና ናይ እግዚኣብሄርን፥ ናይ ክርስቶስን ካህናት ክኾኑ፥ ምስ ክርስቶስውን፥ ሽሕ ዓመት ክነግሱ እዮም።
7እተን ሽሕ ዓመታት ምስ ተፈፀማ ኸዓ፥ ሰይጣን ካብ ማእሰርቱ ኽፍታሕ እዩ።
8ነቶም ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ንዝነብሩ ኣህዛብ፥ ከስሕቶም፥ ንጎግን ንማጎግንውን፥ ንውግእ ምእንቲ ኽእክቦም ክወፅእ እዩ። ቍፅሮም ድማ፥ ከም ሑፃ ባሕሪ እዩ።
9ኣብ ልዕሊ ሰፊሕ ምድሪ ወፂኦም፥ ንሰፈር እቶም ቅዱሳንን፥ ነታ ፍትውቲ ኸተማን ድማ ኸበቡ። ግና ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ በልዖም።
10እቲ ዘስሕቶም ዝነበረ ዲያብሎስ ከዓ፥ ናብቲ እቲ ኣራዊትን፥ እቲ ሓሳዊ ነቢይን ዝተደርበይዎ፥ ቃላይ ሓዊን ዲንን፥ ተደርበየ። ንዘለኣለመ ኣለም ከዓ፥ ለይትን መዓልትን ክሳቐዩ እዮም።
11ድሕሪዙይ ዓብዪ ፃዕዳ ዙፋንን፥ ነቲ ኣብኡ ዝተቐመጠን ረአኹ፤ ሰማይን ምድርን፥ ካብ ቅድሚኡ ሃደሙ፤ ቦታውን ኣይተረኽበሎምን።
12ምዉታን ድማ፥ ዓበይትን ኣናእሽቱን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን፥ ደው ኢሎም ረአኹ። መፃሕፍቲ እውን ተገለፁ፤ እቲ መፅሓፍ ህይወት ዝኾነ፥ ካልእ መፅሓፍውን ተገለፀ። እቶም ምዉታን ድማ፥ ከምቲ ኣብቲ መፃሕፍቲ(ለ) ተፅሒፉ ዝነበረ፥ ከከም ግብሮም ተፈርዶም።
13ባሕሪ ድማ፥ ነቶም ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ምዉታን ሃበት። ሞትን ሲኦልንውን፥ ኣብኣቶም ዘለዉ ምዉታን ሃቡ። ነፍሲ ወከፎም ከዓ፥ ከከም ግብሮም ተፈረዱ።(ሐ)
14ሞትን ሲኦልንውን፥ ናብቲ ቓላይ ሓዊ፥ ተደርበዩ። እዝ ቓላይ ሓዊ፥ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ።
15ስሙ ኣብ መፅሓፍ ህይወት ተፅሒፉ ዘይተረኸበ ዅሉ፥ ናብቲ ቓላይ ሓዊ ተደርበየ።