ራእይ ዮሃንስ 12

BCVትግርኛ18 ፍቕድታት3:47 ስማዕ
ስማዕ 3:47 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ዓብዪ ምልክት ድማ ኣብ ሰማይ ተርኣየ፦ ፀሓይ ዝተወንዘፈት፥ ወርሒ እውን ኣብ ትሕቲ ኣእጋራ ዘለዋ፥ ዓሰርተ ኽልተ ኸዋኽብቲ ዘለዎ ኣክሊል ድማ፥ ኣብ ርእሳ ዝደፍአት፥ ሓንቲ ሰበይቲ ተርኣየት።

2ንሳ ጥንስቲ ነበረት፤ ሕማም ሕርሲ ስለ ዝሓዛ ድማ፥ ክትወልድ ትፀዓር ነበረት።

3ካልእ ምልክት ከዓ፥ ኣብ ሰማይ ተርኣየ፦ እንሆ ሸውዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ዘለዎ፥ ኣብቲ ኣራእሱውን ሸውዓተ ዘውዲ ዝደፍአ፥ ሓደ ዓብዪ ቐይሕ ገበል ተርኣየ።

4ብጭራኡ ድማ፥ ሲሶ ኸዋኽብቲ፥ ካብ ሰማይ ስሒቡ፥ ናብ ምድሪ ደርበየ። እቲ ገበል፥ ሽዑ ምስ ወለደት፥ ነቲ ህፃን ምእንቲ ኽውሕጦ ኢሉ፥ ኣብ ቅድሚ እታ ኽትወልድ ዝቐረበት ሰበይቲ ደው በለ።

5ንሳ፥ ንዅሎም ኣህዛብ፥ ብበትሪ ሓፂን ክገዝኦም ዘለዎ ወዲ ወለደት። እቲ ወዳ፥ ናብ እግዚኣብሄርን፥ ናብ ዙፋኑን፥ ብቕፅበት ተወሰደ።

6እታ ሰበይቲ ድማ፥ ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ፥ ክንክን ናብ ዝግበረላ፥ ናብታ እግዚኣብሄር ዘዳለወላ ቦታ፥ ናብ ምድረ በዳ ሃደመት።

7ኣብ ሰማይ ከዓ ውግእ ኾነ፤ ሚካኤልን መላእኽቱን፥ ነቲ ገበል ተዋግእዎ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም።

8እንተ ኾነ፥ እቲ ገበልን መላእኽቱን ተስዓሩ፤ እቲ ኣብ ሰማይ ዝነበረ ቦታኣቶምውን ሰኣኑ።

9እቲ ንዅላ ዓለም ዘስሓታ ዓብዪ ገበል፥ ተደርበየ፤ ንሱ እቲ ዲያብሎስ ወይ ሰይጣን ዝበሃል፥ ናይ ጥንቲ ተመን እዩ፤ ናብ ምድሪ ተደርበየ፤ መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ።

10ኣብ ሰማይ ከዓ፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ፥ “ሕዚ ምድሓንን ሓይልን መንግስትን፥ ናይ ኣምላኽና ኾይኑ እዩ፤ ስልጣን ከዓ፥ ንመሲሑ ኾይኑ እዩ። እቲ ለይትን መዓልትን፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ዝኸሶም ዝነበረ፥ ከሳሲ ኣሕዋትና፥ ተደርቢዩ እዩ እሞ።

11ሳላ ደም እቲ በጊዕን፥ ሳላ ቓል ምስክርነቶምን ድማ ሰዓርዎ፤ ንህይወቶም ክሳዕ ሞት ኣየናሕሰዩላን።

12ስለዙይ፥ ኣቱም ሰማያትን፥ ኣቱም ኣብኣቶም እትነብሩን ተሓጐሱ፤ ምድርን ባሕርን ግና፥ ዲያብሎስ ቁሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ፥ ብብርቱዕ ቍጥዓ፥ ናባኻትኩም ወሪዱ ኣሎ እሞ ወይለኹም!”

13ሽዑ እቲ ገበል፥ ናብ ምድሪ ኸም ዝተደርበየ ምስ ረአየ፥ ነታ ወዲ ዝወለደት ሰበይቲ ኣሳጐጓ።

14ነታ ሰበይቲ ኸዓ፥ ካብ ገፅ እቲ ገበል ርሒቓ፥ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን፥ ኣብኡ ንኽትሕሎ፥ ክንክን ናብ እትረኽበሉ ስፍራ ምእንቲ ኽትነፍር፥ ከም ናይ ዓብዪ ንስሪ፥ ክልተ ኣኽናፍ ተውሃባ።

15እቲ ገበል ድማ፥ ኣጋፊዑ ምእንቲ ኽወስዳ፥ ደድሕሪ እታ ሰበይቲ፥ ውሕጅ ዝመስል ማይ ካብ ኣፉ ኣፍሰሰ።

16ምድሪ ግና፥ ነታ ሰበይቲ ረድአታ፤ እታ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ፥ ነቲ ገበል ብኣፉ ዘፍሰሶ ውሕጅ፥ ፀም ኣቢላ ሰተየቶ።

17እቲ ገበል ኣብ ልዕሊ እታ ሰበይቲ ተቘጥዐ፤ ምስቶም ዝተረፉ ዘርኣ ድማ፥ ክዋጋእ ኸደ፤ ንሳቶም ትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝሕልዉን፥ ናይ ኢየሱስ ምስክርነት ኣጥቢቖም ዝሓዙን እዮም።

18እቲ ገበል ድማ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ወሰን ባሕሪ ዘሎ ሑፃ ደው በለ።

ትርጓሜ

ራእይ 12:1-6

እታ ቤተ ክርስቲያን፡ ብምሳሌ ጓል ኣንስተይቲ፡ ማለት ኣደ እቶም ኣመንቲ፡ ብሃዋርያ ብራእይ ኣብ ሰማይ ተራእየት። ጸሓይ ተኸዲና፡ ብምስጋት፡ ብምቅዳስ፡ ምስ ክርስቶስ ጸሓይ ጽድቂ ብምሕባር እተንብብ ብርሃን ነበረት። ወርሒ ኣብ ትሕቲ እግራ ነበረት፡ ካብቲ ብሙሴ ዝተዋህበ፡ ዝተንጸባረቐን ዝደኸመን ብርሃን ምግላጽ ድማ ልዕል ነበረት። ኣብ ርእሳ ድማ ኣኽሊል ዓሰርተው ክልተ ኸዋኽብቲ ነበራ፤ እዚ ድማ ብዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት ዝተሰብከ ትምህርቲ ወንጌል ንኹሎም ናይ ሓቂ ኣመንቲ ኣኽሊል ክብሪ እዩ። ከምቲ ቅዱስ ስድራ ቤት ንምውላድ ብሕማም ወሊድ ዝነበረት፡ ንሱ ድማ ሓጥኣን ሓጥኣቶም ፈሊጦም ናብ ንስሓ ንኽበጽሑ ትምነ ነበረት።

ድራጎን ናይ ሰይጣን፡ ከምኡ'ውን ናይ ቀንዲ ወኪላቱ ወይ ኣብ ምድሪ ንእኡ ዝገዝኡሉ፡ በቲ ግዜ እቲ እቲ ኣረማዊ ግዝኣት ሮሜ፡ እታ ኣብ ሾብዓተ ኣኽራናት ዝተሰርሐት ከተማ፡ ፍሉጥ ምልክት እዩ። ዓሰርተ ቐርኒ ዝነበሮ፡ ናብ ዓሰርተ መንግስታት ዝተመቕለ። ሾብዓተ ኣኽሊላት ዝነበሮ፡ እዚ ድማ ሾብዓተ ዝተፈላለዩ ኣገባብ ምምሕዳር ዘመልክት። ብጅራኡ ሓንቲ ሲሶ ኻብ ከዋኽብቲ ሰማይ ጎቲቱ ናብ ምድሪ ኸኣ ደርበየ፡ ንኣገልገልትን መምህራንን የሳቕዮምን የታልሎምን ነበረ። ንክርስትያናዊ ሃይማኖት ንምጥፋእ ንቑሕ ነበረ፤ ይኹን እምበር፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ተቓውሞ ናይ ጸላእቲ፡ እታ ቤተ ክርስቲያን ሓቀኛታትን እሙናትን ዝኾኑ ተባዕ ዘርኢ ወለደት፡ እዞም ድማ ክርስቶስ ብሓቂ ዝተቐርጸሎም እዮም፤ እቲ ምስጢር ክርስቶስ፡ እቲ ንኣህዛብ ኪገዝእ ዝግብኦ ወዲ ኣምላኽ፡ ብሓቑ ኸኣ ኣባላቱ ነቲ ሓደ ክብሪ ዝሳተፉ እዮም። እዚ ብሩኽ ወለዶ እዚ ብእግዚኣብሔር ተኸቢሩ ነበረ።

12:7-11 ዘሎ ደራጎን ንቤተ ክርስቲያን ዝገበሮ ፈተነታት ኣይሰለጦን፣ ንሱ ንባዕሉ ድማ ክፉእ መወዳእታ ኮኖ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 5

AMHEVG ታላቅ ምልክትም በሰማይ ታየ ፀሐይን ተጐናጽፋ ጨረቃ ከእግሮችዋ በታች ያላት በራስዋም ላይ የአሥራ ሁለት ከዋክብት አክሊል የሆነላት አንዲት ሴት ነበረች። አማርኛ ENGNIV A great and wondrous sign appeared in heaven: a woman clothed with the sun, with the moon under her feet and a crown of… English GAZBIB Wanti guddaan dinqisiisaan tokko, waaqa keessatti in argame; dubartiin biiftuu uffattee, ji'a miilla jala kaa'attee, go… Afaan Oromoo BCV GIZ ወአስተርአየ ተኣምር ዐቢይ በውስተ ሰማይ ብእሲት እንተ ትለብስ ፀሓየ፤ ወወርኅ ታሕተ እገሪሃ ወዲበ ርእሳኒ አክሊል ዘዐሠርቱ ወክልኤቱ ከዋክብት። giz GAZGAZ Wanti guddaan dinqisiisaan tokko, waaqa keessatti in argame; dubartiin biiftuu uffattee, ji'a miilla jala kaa'attee, go… Afaan Oromoo AMHNIV ታላቅና አስደናቂ ምልክት በሰማይ ታየ፤ ፀሓይን የለበሰች፣ ጨረቃን ከእግሮቿ በታች የረገጠችና በራሷም ላይ ዐሥራ ሁለት ከዋክብት ያሉት አክሊል የደፋች አንዲት ሴት ታየች። አማርኛ SWAHSUV Na ishara kuu ilionekana mbinguni; mwanamke aliyevikwa jua, na mwezi ulikuwa chini ya miguu yake, na juu ya kichwa chak… Kiswahili ENGESV And a great sign appeared in heaven: a woman clothed with the sun, with the moon under her feet, and on her head a crow… English