ራእይ ዮሃንስ 10

BCV aksumትግርኛ11 ፍቕድታት2:23 ስማዕ
ስማዕ 2:23 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ድሕሪዙይ ካልእ ብርቱዕ መልኣኽ፥ ደመና ተወንዚፉ፥ ካብ ሰማይ ክወርድ እንተሎ ረአኹ። ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸዓ፥ ቀስተ ደመና ነበረ፤ ገፁ ድማ ኸም ፀሓይ ብሩህ ነበረ፤ ኣእጋሩውን፥ ከም ኣዕማድ ሓዊ ነበራ።

2ሓንቲ ንእሽተይ ቅልዕቲ መፅሓፍ፥ ኣብ ኢዱ ሒዙ ነበረ። የማነይቲ እግሩ ኣብ ባሕሪ፥ ፀጋመይቲ እግሩ ድማ፥ ኣብ ምድሪ ረገፀ።

3ከም ዝጓዝም ኣንበሳ ኸዓ፥ ብርቱዕ ድምፂ ኣስምዐ። ድምፂ ምስ ኣስምዐ ድማ፥ እቶም ሸውዓተ ነጐድጓዳት፥ ድምፂ ኣስምዑ።

4እቶም ሸውዓተ ነጐድጓዳት ድምፆም ምስ ኣስምዑ፥ ክፅሕፍ ደለኹ። እንተ ኾነ ኻብ ሰማይ፥ “ነቲ፥ እቶም ሸውዓተ ነጐድጓዳት ዝተዛረብዎስ፥ ሕተሞ ደኣ እምበር፥ ኣይትፅሓፎ” ዝብል ድምፂ ሰማዕኹ።

5እቲ ኣብ ባሕርን፥ ኣብ ምድርን፥ ደው ኢሉ ዝረአኽዎ መልኣኽ ድማ፥ የማነይቲ ኢዱ ናብ ሰማይ ኣልዓለ እሞ፥

6በቲ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ዝኾነ፥ ንሰማይን ኣብ ውሽጡ ዘሎን፥ ንምድርን ኣብ ውሽጣ ዘሎን፥ ንባሕርን ኣብ ውሽጣ ዘሎን፥ ብዝፈጠረ እግዚኣብሄር መሓለ እሞ፥ ከምዙይ በለ፦ “ደጊምስ ኣይድንጕን እዩ፤

7እንተ ኾነ፥ በተን እቲ ሻውዓይ መልኣኽ፥ ድምፂ መለኸት ዘስምዐለን መዓልቲታት፥ ከምቲ ነቶም ኣገልገልቱ ነቢያት ዝበሎም፥ ሽዑ እቲ ምስጢር እግዚኣብሄር ክፍፀም እዩ።”

8እቲ ኻብ ሰማይ ዝሰማዕኽዎ ድምፂ ደጊሙ ኸዓ፥ “ኪድ እሞ፥ ነታ ኣብ ኢድ እቲ ኣብ ባሕርን ኣብ ምድርን፥ ደው ኢሉ ዘሎ መልኣኽ ዘላ፥ ቅልዕቲ መፅሓፍ ውሰዳ” እንትብል ሰማዕኹ።

9ናብቲ መልኣኽ ከይደ ድማ፥ “ነታ ንእሽተይ መፅሓፍ ሃበኒ” በልክዎ። ንሱ ኸዓ፥ “ውሰዳ እሞ ብልዓያ፤ ንኸብድኻ መራር ክትከውን እያ፤ ኣብ ኣፍካ ግና፥ ከም መዓር ጥዕምቲ ኽትከውን እያ” በለኒ።

10ነታ ንእሽተይ መፅሓፍ ከዓ፥ ካብ ኢድ እቲ መልኣኽ ወሲደ፥ በላዕኽዋ፤ ኣብ ኣፈይ ከም መዓር ጠዓመትኒ፤ ምስ በላዕኽዋ ግና፥ ንኸብደይ መረረታ እሞ፥

11“ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ህዝብታትን፥ ኣህዛብን፥ ዝተፈላለየ ቛንቋታት ንዝዛረቡ ህዝብን፥ ነገስታትን፥ ደጊምካ ኽትንበ ኣለካ” በለኒ።

ትርጓሜ

ዮሃንስ ራእይ 10:1-7

እቲ ሃዋርያ ካልእ ትርኢት ረኣየ። እቲ ነዚ ምግላጽ ዘመሓላልፍ ዝነበረ ኣካል ምናልባት ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ነይሩ፣ ወይ ከኣ ክብሩ ንምግላጽ ነይሩ። ንሱ ክብሩ ይኸውሎ፣ እዚ ኸኣ ንዓይኒ ምድራዊ ሰብ ንምርኣይ ዝበዝሕ እዩ፤ ብዕልጋታቱ ድማ መጋረጃ ይገብር።

ቅብብል ቀስተ ደመና ኣብ ርእሱ ነበረ፤ ጐይታና ንቃል ኪዳኑ ኩሉ ግዜ ይዝክር። ድምጹ እቲ መፍርሂ ብሸውዓተ ነጐዳታት ይመልስ ነበረ፤ እዚ ኸኣ መንፈስ ኣምላኽ ንምግላጽ ዕዙዝን መፍርሕን መንገዲ እዩ። እቶም ትሕዝቶታት እተን ሸውዓተ ነጐዳታት ኣይንፈልጥን ኢና፣ ከምኡ’ውን ምኽንያት ንኸይፍለጣ ምሕባአን። ኣብ ታሪኽ ዓበይቲ ፍጻሜታት ኣለዉ፣ ምናልባት ምስ ቤተ ክርስቲያን ክርስቶስ ዝተኣሳሰሩ፣ እቶም ብግልጺ ትንቢት ዘይተገልጹ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ሌላም ብርቱ መልአክ ደመና ተጐናጽፎ ከሰማይ ሲወርድ አየሁ፤ በራሱም ላይ ቀስተ ደመና ነበረ፥ ፊቱም እንደ ፀሐይ እግሮቹም እንደ እሳት ዓምዶች ነበሩ፥ አማርኛ ENGNIV Then I saw another mighty angel coming down from heaven. He was robed in a cloud, with a rainbow above his head; his fa… English BCV ድሕሪዙይ ካልእ ብርቱዕ መልኣኽ፥ ደመና ተወንዚፉ፥ ካብ ሰማይ ክወርድ እንተሎ ረአኹ። ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸዓ፥ ቀስተ ደመና ነበረ፤ ገፁ ድማ ኸም ፀሓይ ብሩህ ነበረ፤ ኣእጋሩውን፥ ከም ኣዕማድ… ትግርኛ GAZBIB Ergasii immoo ergamaan aango-qabeessi biraa tokko waaqa keessaa utuu gad bu'uu nan arge. Inni duumessa ofitti maree, na… Afaan Oromoo BCV GIZ ወእምዝ ወረደ ካልእ መልአክ ዐቢይ እምሰማይ ወይትዐጸፍ ደመና ውስተ ርእሱ ወብሩህ ገጹ ከመ ፀሓይ ወእገሪሁ ከመ አዕማደ እሳት። giz GAZGAZ Ergasii immoo ergamaan aango-qabeessi biraa tokko waaqa keessaa utuu gad bu'uu nan arge. Inni duumessa ofitti maree, na… Afaan Oromoo AMHNIV ከዚህ በኋላ ሌላ ብርቱ መልአክ ደመና ተጐናጽፎ ከሰማይ ሲወርድ አየሁ፤ እርሱም በራሱ ላይ ቀስተ ደመና ነበር። ፊቱ እንደ ፀሓይ፣ እግሮቹ እንደ እሳት ዐምዶች ነበሩ። አማርኛ SWAHSUV Kisha nikaona malaika mwingine mwenye nguvu akishuka kutoka mbinguni, amevikwa wingu; na upinde wa mvua juu ya kichwa c… Kiswahili