1ንእግዚኣብሄር ሓድሽ ምስጋና ኣመስግኑ፤ እግዚኣብሄር ተኣምራት ገይሩ እዩ እሞ፥ የማናይ ኢዱን፥ ቅዱስ ቅልፅሙንውን ንእኡ ምድሓን ገበረ።
2እግዚኣብሄር ምድሓኑ ኣፍለጠ፤ ፅድቁ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብ ገለፀ።
3ንያእቆብ ምሕረቱ፥ ንቤት እስራኤልውን ሓቁ ዘከረ፤ ኵሎም ኣብ ወሰናት ምድሪ ዘለዉ፥ ምድሓን ኣምላኽና ረአዩ።
4ኣቲ ምድሪ ዅልኺ ንእግዚኣብሄር ዕልል በሊ፤ ኣመስግኑ፥ ደስ ይበልኩም ዘምሩውን።
5ንእግዚኣብሄር ብመሰንቆ፥ ብመሰንቆን ብድምፂ በገናን ዘምሩሉ።
6ብእምብልታን ብድምፂ መለኸትን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ እግዚኣብሄር ዕልል በሉ።
7ባሕርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን፥ ዓለምን ኣብኣ ዝነብሩ ዅሎምን ይናወፁ።
8ወሓይዝ ኣፍላግውን ሓቢሮም በእዳዎም የጣቕዑ፤ እምባታትውን ደስ ይበሎም፤
9ንሱ ኣብ ምድሪ ኽፈርድ ክመፅእ እዩ እሞ፤ ንሱ ንዓለም ብፅድቂ፥ ንኣህዛብውን ብቕንዕና ኽፈርድ እዩ።