1ንእግዚኣብሄር ሓድሽ ምስጋና ኣመስግኑ፤ ኵልኻትኩም ኣብ ምድሪ እትነብሩ ንእግዚኣብሄር ኣመስግኑ።
2ንእግዚኣብሄር ኣመስግኑ፥ ንስሙውን ባርኹ፤ መዓልቲ መዓልቲ እውን ምድሓኑ ተናገሩ።
3ክብሩ ንኣህዛብ፥ ተኣምራቱውን ንዅሎም ወገናት ንገሩ።
4እግዚኣብሄር ዓብዪ፥ ምስጋናኡውን ብዙሕ እዩሞ፤ ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ድማ ዝፍራሕ እዩ።
5ኵሎም ኣማልኽቲ ኣህዛብ፥ ኣጋንንቲ እዮም፤ እግዚኣብሄር ግና ንሰማያት ፈጠረ።
6ግርማን ክብርን ኣብ ቅድሚኡ፥ ቅድስናን ግርማን ኣብ ውሽጢ መቕደሱ እዮም።
7ወገናት ኣህዛብ ንእግዚኣብሄር ኣምፅኡ፤ ክብርን ምስጋናን ንእግዚኣብሄር ኣምፅኡ።
8ንስሙ ዝግባእ ክብሪ፥ ንእግዚኣብሄር ሃቡ፤ መስዋእቲ ሒዝኩም ናብ ኣደባባያቱ እተዉ።
9ኣብ ዓፀድ ቅድስናኡ፥ ንእግዚኣብሄር ስገዱ፤ ኵላ ምድሪ ኣብ ቅድሚኡ ትንቀጥቀጥ።
10ኣብ ማእኸል ኣህዛብ “እግዚኣብሄር ነገሰ” በሉ፤ ከይትናወፅ ንዓለም ንሱ ኣፅንዓ፤ ንኣህዛብ ከዓ ብቕንዕና ይፈርድ።
11ሰማያት ይተሓጐሱ፤ ምድሪ እውን ደስ ይበላ፤ ባሕርን ምልኣታን ትናወፅ።
12በረኻን ኣብ ውሽጣ ዘሎ ዅሉን ደስ ይበሎም፤ ሽዑ ዅላቶም ኣእዋም ዱር፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደስ ክብሎም እዩ።
13ክመፅእ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኽፈርድ ክመፅእ እዩ እሞ፤ ንሱ ንዓለም ብፅድቂ፥ ንኣህዛብ ድማ ብቕንዕና ኽፈርድ እዩ።