1እግዚኣብሄር፥ ናይ በቐል ኣምላኽ እዩ፤ ናይ በቐል ኣምላኽ ተገለፀ።
2ኣታ ፈራዲ ምድሪ፥ ልዕል ልዕል በል፤ ንዕቡያት ፍዳኦም ፍደዮም።
3ኦ ጐይታ፥ ሓጢኣተኛታት ክሳዕ መኣዝ? ክሳዕ መኣዝከ እዮም ሓጢኣተኛታት ዝዕበዩ?
4ይከራኸሩ፥ ዓመፅውን ይዛረቡ፤ ኵሎም ገበርቲ ዓመፅ ይዘሃሩ ኣለዉ።
5ኦ ጐይታ፥ ንህዝብኻ ኣዋረዱ፤ ንርስትኻውን ኣጨነቑ።
6ንመበለትን ንደኽታምን ቀተሉ፤ ንስደተኛውን ቀተሉ።
7“እግዚኣብሄር ኣይርእን፤ ኣምላኽ ያእቆብውን ኣየስተብህልን እዩ” በሉ።
8ኣቱም ደናቝር ህዝቢ ኣስተውዕሉ፤ ሰነፋትከ መኣዝ ይልብሙ?
9እቲ እዝኒ ዝተኸለ ኣይሰምዕንዶ? እቲ ዓይኒ ዝፈጠረኸ ኣይርእንዶ?
10እቲ ንኣህዛብ ዝግስፅ፥ ንሰብ ጥበብ ዝምህርከ ንሱ ኣይግስፅንዶ?
11እግዚኣብሄር፥ ሓሳባት ሰብ ከንቱ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ።
12ንሓጢኣተኛ ጕድጓድ ክሳዕ ዝኰዓት፥ ካብ ክፉኣት ዘመናት ምእንቲ ኽርሕቕ፥ ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ዝገሰፅካዮ ሕግኻውን ዝመሃርካዮ ምስጉን እዩ።
14እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣይድርብዮምን፤ ንርስቱውን ኣይሓድጎምን።
15ፍርዲ ናብ ፅድቂ ኽሳዕ ዝምለስ፥ ኵሎም ቅኑዓት ልቢ ክኽተልዎ እዮም።
16ምእንቲ ኽፉኣት ዝከራኸረኒ መን እዩ? ምእንቲ ዓመፀኛታትከ ዝቃወመኒ መን እዩ?
17እግዚኣብሄር እንተ ዘይረድአንስ፥ ነፍሰይ ንቑሩብ ጊዜ ኣብ ሲኦል ምሓደረት ነይራ።
18እግረይ ኣንደልሃፀ ምስ በልኩ፥ ኦ ጐይታ፥ ምሕረትካ ረድአኒ።
19ኦ ጐይታ፥ ንልበይ ከም ብዝሒ መከራኣ፥ ምፅንናዕኻ ንነፍሰይ ኣሐጐሳ።
20ኣብ ልዕሊ ሕግኻ ዓመፅ ዝገብር፥ ዙፋን ዓመፅዶ ምሳኻ ኽሓብር ይኽእል እዩ?
21ንነፍሲ ፃድቕ የድብዩላ፤ ብንፁህ ደምውን ይፈርዱ።
22እግዚኣብሄር ግና መፀግዒ ኾነኒ፤ ኣምላኸይ ድማ፥ ናይ ተስፋይ ረዳኢ እዩ።
23ከም በደሎምን ከም ክፍኣቶምን ፍዳኦም ክኸፍሎም እዩ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽናውን ፈፂሙ ኸጥፍኦም እዩ።