1ንእግዚኣብሄር ምምስጋን ሰናይ እዩ፤ ኦ ልዑል እግዚኣብሄር፥ ንስምካ ዝማሬ ምቕራብ ሰናይ እዩ።
2ብንግሆ ምሕረትካ፥ ብለይቲውን ተኣማንነትካ ምንጋር ሰናይ እዩ።
3ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገናን ብእምብልታን፥ ብመሰንቆን፥ ንኣኻ ምምስጋን ሰናይ እዩ።
4ኦ ጐይታ፥ ብግብርታትካ ኣሐጒስካኒ ኢኻ እሞ፥ ብተግባር ኣእዳውካውን እሕጐስ።
5ኦ ጐይታ፥ ግብርኻ ኸመይ የመና ዓብዪ እዩ! ሓሳብካውን የመና ዓሚቝ እዩ!
6ሰነፍ ሰብ ኣይፈልጦን፤ ልቢ ዘይብሉውን ነዙይ ኣየስተውዕሎን እዩ።
7ሓጢኣተኛታት ሰባት ከም ሳዕሪ እንትበቝሉ፥ ኵሎም ገበርቲ ኽፉእውን እንትልምልሙ፥ ንዘለኣለም ምእንቲ ኽጠፍኡ እዩ።
8ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ግና ንዘለኣለም ልዑል ኢኻ።
9ኦ ጐይታ፥ እንሆ ፀላእትኻ ኽጠፍኡ እዮም እሞ፤ ኵሎም ገበርቲ ዓመፅውን ክብተኑ እዮም እሞ።
10ቀርነይ ግና ሓደ ቐርኒ ኸም ዘለዎ ጐባይ ልዕል ልዕል ይብል፤ ብሓድሽ ዘይቲውን ክቕባእ እየ።
11ዓይነይ ኣብ ፀላእተይ ክትርኢ እያ፤ እዝነይውን ኣብ ልዕለይ ብዝተልዓሉ ኽፉኣት ክትሰምዕ እያ።
12ፃድቕ ከም ስየ ይፈሪ፤ ከም ዝግባ ሊባኖስውን ይዓቢ።
13ኣብ ውሽጢ ቤት እግዚኣብሄር ተተኺሎም እዮም፤ ኣብ ውሽጢ ዓፀድ ኣምላኽናውን ይበቝሉ።
14ሽዑ ብዝለምለመ ሽምግልና ይፈርዩ፤ ሕጉሳት ኮይኖምውን ይነብሩ፤
15“ኣምላኽና እግዚኣብሄር፥ ሓቀኛ ኸም ዝኾነ ይነግሩ፤ ኣብኡውን ዓመፅ የለን።”