1ኦ ጐይታ፥ ንምድርኻ ሞገስ ሃብካ፤ ንምርኮ ያእቆብውን መለስካ።
2ሓጢኣት ህዝብኻ ይቕረ በልካ፤ ኵሉ በደሎምውን ከደንካ።
3ንዅሉ መዓትካ ኣርሓቕካዮ፤ ካብ ቍጥዓ መቕሰፍትኻ ተመለስካ።
4ኦ ኣምላኽ ምድሓንና፥ ምለሰና፤ ንቝጥዓኻውን ካባና መልስ።
5ንዘለኣለምዶ ኽትቝጠዐና ኢኻ? ቍጥዓኻኸ ንውሉድ ወለዶዶ ኽተንውሕ ኢኻ?
6ኦ ጐይታ ትምለስን ተድሕንን ኢኻ፤ ህዝቢ እውን ብኣኻ ይሕጐስ።
7ኦ ጐይታ፥ ምሕረትካ ኣርእየና፤ ምድሓንካውን ሃበና።
8ኣነ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝብለኒ እሰምዕ ኣለኹ፤ ንህዝቡን ንፃድቃኑን ልቦም ናብኡ ንዝመልሱን፥ ሰላም ይናገር።
9ግና ኽብሪ ኣብ ምድርና ምእንቲ ኽሓድር እዩ፤ ምድሓኑ ነቶም ዝፈርሕዎ ቐረባ እዩ።
10ምሕረትን ሓቅን ተራኸባ፤ ፅድቅን ሰላምን ተሰዓዓማ።
11ሓቂ ኻብ ምድሪ በቘለት፤ ፅድቂውን ካብ ሰማይ ጠመተት።
12እግዚኣብሄር ምሕረቱ ይህብ፤ ምድሪ እውን ፍሪኣ ትህብ።
13ፅድቂ ቐቅድሚኡ ይኸይድ፤ ኣሰሩውን ኣብ መንገዲ ይሓድግ።