1ኦ ጐይታ ሰራዊት፥ መሕደሪታትካ ከመይ ዝተፈተዉ እዮም!
2ነፍሰይ ንዓፀድ እግዚኣብሄር ትፈቱን ሃረር ትብልን ኣላ፤ ልበይን ስጋይን ብህያው እግዚኣብሄር ተሓጐሰ።
3ዒፍ እኳ ንባዕላ ቤት ረኸበት፤ ለዃዂቶውን ጨቓዊታ እተንብረሉ መንበሪ ረኸበት፤ ኦ ጐይታ ሰራዊት፥ ንጉሰይን ኣምላኸይን፥ ንሱ መሰውኢካ እዩ።
4ኵሎም ኣብ ቤትካ ዝነብሩ ብፁኣን እዮም፤ ንዘለኣለመ ኣለምውን የመስግኑኻ።
5ኦ ጐይታ ሓገዙ ኻባኻ ዝኾነ፥ ብልቡውን ላዕለዋይ መንገዲ ዝሓስብ ብፁእ እዩ።
6ብውሽጢ ለሰ ብኽያት፥ ኣብ ዝወሰንካዮ ስፍራ፥ መምህር ሕጊ በረኸት ይህብ።
7ካብ ሓይሊ ናብ ሓይሊውን ይኸዱ፤ ኣምላኽ ኣማልኽቲ ኣብ ፅዮን ይረአ።
8ኦ ኣምላኽ ሰራዊት፥ ፀሎተይ ስማዕ፤ ኦ ኣምላኽ ያእቆብ፥ ፅን በል።
9ኦ ጐይታ ምትእምማንና ረአየልና፤ ናብ ገፅ እቲ ዝቐባእኻዮውን ተመልከት።
10ካብ ኣእላፍ፥ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ኣደባባያትካ ትሐይሽ፤ ስለዙይ ኣብ ኣባይቲ ሓጥኣን ካብ ምንባርስ፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክድርበ መረፅኩ።
11እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምሕረትን ሓቅን ይፈቱ፤ እግዚኣብሄር ሞገስን ክብርን ይህብ፤ ነቶም ብቕንዕና ዝኸዱ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ሰናይ ዝኾነ ኣይኸልኦምን።
12ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ብኣኻ ዝተኣመነ ብፁእ እዩ።