1ኦ ጐይታ፥ ከማኻ መን እዩ? ኦ ኣምላኽ፥ ስቕ ኣይትበል፤ ሸለልውን ኣይትበል።
2እንሆ፥ ፀላእትኻ ኣውክዑ፤ እቶም ዝፀልኡኻውን ርእሶም ኣልዓሉ።
3ንህዝብኻ ተንኰል ይፍሕሱሎም፤ ኣብ ልዕሊ ቕዱሳንካውን ተማኸሩ።
4“ስም እስራኤል ደጊም ከይዝከርስ፥ ንዑ፥ ካብ ኣህዛብ ነጥፍኣዮም” በሉ።
5ሓቢሮም ኣብ ልዕሌኻ ተማኸሩ፤ ኣብ ልዕሌኻውን ኣሻረዉ፤ ቃል ኪዳን ተኣታተዉ።
6ድንኳናት ኤዶማውያንን እስማኤላውያንን፥ ሞኣባውያንን ኣጋራውያንን፥
7ሰብ ጌባልን ኣሞናውያንን ኣማሌቃውያንን፥ ፍልስጥኤማውያንን ሰብ ጢሮስን እዮም።
8ኣሶር ድማ ምስኣቶም ተሓባበረ፤ ምስ ኤዶማውያንን ሞኣባውያንን ስለ ዝሓበረ፥ ንደቂ ሎጥውን ሓገዝቲ ኾንዎም።
9ከምቲ ንምድያማውያንን፥ ንሲሳራን ኢያቢስን፥ ኣብ ሩባ ቂሶን ዝገበርካዮም ግበሮም።
10ንሳቶም ኣብ እንዶር ጠፍኡ፤ ከም ጐሓፍ ምድሪ እውን ኮኑ።
11ነሕሉቖምውን ከም ሔሬብን ከም ዜብን፥ ንዓበይቶምውን ከም ዛብሔልን ስልማናን ግበሮም።
13ኦ ኣምላኸይ፥ ከም በነንታ፥ ኣብ ቅድሚ ሓዊ ኸም ዘሎ ሓሰር፥ ግበሮም።
14ከምቲ ሓዊ ንዱር ዘባርዖ፥ ሃልሃልታውን ንእምባታት ዘቃፅሎ፥
15ከምኡ ብቝጥዓኻ ኣሳጕጎም፤ ብመቕሰፍትኻውን ኣደንግፆም።
16ስምካ ምእንቲ ኽፈልጡስ ንገፆም ብውርደት ሸፍኖ።
17ንዘለኣለም ይነወሩን ይሸበሩን፤ ይሕፈሩን ይጥፍኡን።
18ስምካ፥ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ እውን ንስኻ በይንኻ ልዑል ከም ዝኾንካ ይፍለጡ።