1ብዝረድአና ብእግዚኣብሄር ደስ ይበልኩም፤ ንኣምላኽ ያእቆብውን ዕልል በሉ።
2መዝሙር ኣልዕሉ፤ ከበሮ ውቕዑ፤ ዘሐጕስ በገና ምስ መሰንቆ፥
3ብሰርቂ ወርሒ፥ በታ ዓባይ ፍልጥቲ በዓልና፥ መለኸት ንፍሑ።
4እዙይ ንእስራኤል ስርዓት እዩ፤ ናይ ኣምላኽ ያእቆብ ፍርዲውን እዩ።
5ካብ ምድሪ ግብፂ ምስ ወፀ፤ ንዮሴፍ ምስክር ኣቖመ፤ ዘይፈልጦ ቛንቋ ሰምዐ።
6“ዝባኑ ኻብ ሸኽሚ፥ ኣእዳዉውን ካብ ተገዛእነት ከፈር ኣርሓቕኩ።
7ብመከራኻ ፀዋዕኻኒ፤ ኣድሓንኩኻውን፤ ብዝተሰወረ ኣውሎ መለስኩልካ፤ ኣብ ማይ መሪባ ፈተንኩኻ።
8ህዝበይ፥ ክነግረካስ ስምዐኒ፤ ኦ እስራኤል ኣሰምዐልካ ኣለኹ።
9እንተ እትሰምዐንስ፥ ካልእ ኣምላኽ ኣይምኾነልካን፤ ንባዕዲ ኣምላኽውን ኣይምሰገድካን።
10ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኩኻ ኣምላኽካ እግዚኣብሄር ኣነ እየ፤ ኣፍካ ኽፈት፤ ኣነውን ክመልኦ እየ።”
11“ህዝበይ ግና ቓለይ ኣይሰምዑንን፤ እስራኤልውን ኣየዳመፁንን።
12ከም ስራሕ ልቦም ሓደግክዎም፤ ብሓሳብ ልቦምውን ከዱ።
13ህዝበይ ቃለይ ሰሚዖም እንተ ዝኾኑ! እስራኤልውን ብመንገደይ እንተ ዝኸዱ!
14ንዅሎም ፀላእቶም ቀልጢፈ መዋረድክዎም፤ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘጨንቕዎምውን ኢደይ መልዓልኩ ነይረ።
15ፀላእቲ እግዚኣብሄር ምተገዝእዎ ነይሮም፤ ጊዜኦምውን ክሳዕ ዘለኣለም ምኾነ ነይሩ።
16ስብሒ ስርናይውን መብልዖም ነይሩ፤ ካብ ኰዅሒውን መዓር መፅገቦም ነይሩ።”