1ኦ ህዝበይ፥ ንሕገይ ኣድምፁ፤ እዝንኹምውን ናብ ቃል ኣፈይ ፅን ኣብሉ።
2ኣፈይ ብምስላ እኸፍት፤ ነቲ ኻብ ቀደም ዝነበረ ምስላውን እናገር ኣለኹ።
3እቲ ዝሰማዕናዮን ዝፈለጥናዮን፥ ኣቦታትናውን ዘዘንተዉልና፥ ንዝመፅእ ትውልዲ ኻብ ደቆም ኣይሓብኡን።
4ናይ እግዚኣብሄር ምስጋናኡን ሓይሉን፥ ዝገበሮ ተኣምራቱን ተናገሩ።
5ንያእቆብ ዘቖሞ ምስክር ንእስራኤል ዝሰርዖ ሕጊ፥ ንደቆም ክምህርዎም ነቦታትና ኣዘዞም።
6እዙይ ከዓ እቲ ዝመፅእ ወለዶ ምእንቲ ኽፈልጦ፥ እቶም ገና ዘይተወለዱ ደቂ ድማ፥ ተሲኦም ንደቆም ክነግሩ እዮም፤
7ንሳቶም ከዓ ተስፋኦም ኣብ እግዚኣብሄር ክገብሩ፥ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ተግባር ከይርስዑ፥ ትእዛዛቱውን ምእንቲ ኽሕልዉ እዩ።
8ከም ኣቦታቶም ከይኾኑ፥ ዓላዊትን መራርን ትውልዲ፥ ልባ ዘየቕንዐት ትውልዲ፥ ነፍሳ ብእግዚኣብሄር ዘይተኣመነት ከይኾኑ።
9እቶም ቀስትን ፍላፃን ዝተዓጥቁ ደቂ ኤፍሬም፥ ብመዓልቲ ውግእ ንድሕሪት ተመለሱ።
10ኪዳን እግዚኣብሄር ኣይሓለዉን፤ ብሕጉ ምኽያድውን ኣበዩ።
11ረድኤቱን ነቲ ዘርኣዮም ተኣምራቱን ረስዕዎ።
12ኣብ ምድሪ ግብፂ፥ ኣብ በረኻ ጣኔዎስ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦታቶም፥ ተኣምራት ገበረ።
13ባሕሪ መቒሉ ኣሕለፎም፤ ንማይ ከዓ ኸም ኵምራ ኣቖሞ።
14መዓልቲ ብደመና፥ ምሉእ ለይቲ እውን ብብርሃን ሓዊ መርሖም።
15ኣብ ምድረ በዳ ነኻውሕ ጨደዶ፤ ካብ ቃላይ ከም ዝርከብ ብዙሕ ማይ ኣስተዮም።
16ዓይኒ ማያት ካብ ኰዅሒ ኣውፅአ፤ ንማይ ድማ ኸም ውሕጅ ኣፍሰሶ።
17ግና ንእኡ ምብዳል መሊሶም ደገሙ፤ ንልዑል ከዓ ኣብ ምድረ በዳ ኣቘጥዕዎ።
18ንነፍሶም ምግቢ እናደለዩ፥ ብልቦም ንእግዚኣብሄር ፈተንዎ።
19ንእግዚኣብሄርውን ከምዙይ ኢሎም ሓመይዎ፦ “እግዚኣብሄር ኣብ ምድረ በዳ ማእዲ ኽሰርዕዶ ይኽእል? እንሆ፥ ንኰዅሒ ወቕዐሞ ማይ ፈልፈለ፤ ውሕጅውን ወሓዘ፤ ግና እንጀራ ምሃብ ይኽእልዶ? ንህዝቡኸ ማእዲ ኽሰርዕዶ ይኽእል?”
21እግዚኣብሄር እዙይ ሰሚዑ ተቘጥዐ፤ ኣብ ልዕሊ ያእቆብ ሓዊ ነደደ፤ ኣብ ልዕሊ እስራኤልውን ቍጥዓኡ ወፀ።
22ብእግዚኣብሄር ኣይኣመኑንሞ፥ ብምድሓኑውን ኣይተኣማመኑንሞ።
23ንደመና ብላዕሊ ኣዘዘ፤ በርታት ሰማይውን ከፈተ።
24ምእንቲ ኽበልዑ መና ኣዝነመሎም፤ እንጀራ ሰማይውን ሃቦም።
25ሰባት እንጀራ መላእኽቲ በልዑ፤ ክሳዕ ዝተርፎምውን ስንቂ ሰደደሎም።
26ካብ ሰማይ ንንፋስ ምብራቕ ኣተስኦ፤ ብሓይሉውን ንንፋስ ደቡብ ኣምፅአ።
27ኣብ ልዕሊኣቶም ስጋ ኸም ሓመድ፥ ነፈርቲ ኣዕዋፍውን ከም ሑፃ ባሕሪ ኣዝነመሎም፤
28ኣብ ማእኸል ሰፈሮም፥ ኣብ ዙርያ ድንኳኖምውን ወደቐ፤ በልዑ እምብዛውን ፀገቡ።
29እቲ ዝተመነይዎ ሃቦም፤ በልዑ፤ የመናውን ፀገቡ።
30ካብቲ ዝደለይዎ ኣየስኣኖምን፤ መብልዖም ገና ኣብ ኣፎም እንተሎ፥
31ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣቶም መፀ፤ ካብኣቶምውን ነቶም ዝበዝሑ ቐተለ፤ ንሕሩያን እስራኤልውን ኣሰናኸለ።
32ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን መሊሶም በደሉ፤ ብተኣምራቱውን ኣይኣመኑን።
33መዓልትታቶም ብኸንቱ ሃለቓ፤ ዓመታቶም ድማ ብሽኰላ ሓለፋ።
34እንትቐትሎም ሽዑ ይደለይዎ ነበሩ፤ ይምለሱ ናብ እግዚኣብሄርውን ይግስግሱ።
35ረዳኢኦም እግዚኣብሄር፥ መድሓኒኦምውን ልዑል እግዚኣብሄር ምዃኑ ዘከሩ።
36ብኣፎም ፈተውዎ፤ ብመልሓሶም ድማ ጠበርዎ።
37ልቦም ኣብ ቅድሚኡ ቕኑዕ ኣይኮነን፤ ብኺዳኑውን ኣይተኣመኑን።
38ንሱ ግና መሓሪ እዩ፤ ሓጢኣቶም ይቕረ በለሎም፤ ኣየጥፍኦምንውን፤ ንቝጥዓኡ ብዙሕ ጊዜ መለሶ፤ ብዅሉ መዓቱ ድማ ኣየቃፀለን።
39ወፂኡ ዘይምለስ መንፈስ፥ ስጋ ኸም ዝኾኑ ዘከረ።
40ኣብ ምድረ በዳ ብዙሕ ጊዜ ኣቘጥዕዎ፤ ኣብ በረኻውን ኣጕሃይዎ።
41መሊሶም ንእግዚኣብሄር ፈተንዎ፤ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ኣሕዘንዎ።
42ንሳቶም ንኢዱን፥ ነታ ኻብ ኢድ ፀላእቶም ዘድሓኖም መዓልትን፥
43ነቲ ኣብ ምድሪ ግብፂ፥ ዝገበሮ ተኣምራትን፥ ነቲ ኣብ በረኻ ጣኔዎስ ዝገበሮ ድንቂ ነገርን ኣይዘከርዎን።
44ንሩባታቶምን ንወሓዚ ማዮምን፥ ምስታይ ምእንቲ ኽስእኑ፥ ናብ ደም ለወጦ።
45ኣብ ልዕሊኣቶም ተናኸስቲ ዝምቢ ሰደደ፤ በልዕዎምውን፤ ብጭንቍራዕውን ኣጥፍኦም።
46ብቋልያኦም ንቓቔጣ፥ ፍረ ስራሖም ከዓ ንኣንበጣ ሃቦ።
47ንወይኖም ብበረድ፥ ንበለሶም ከዓ በስሓይታ ኣጥፍአ።
48እንስሳኣቶም ንበረድ፥ ጥሪቶም ድማ ንሓዊ ሃበን።
49መቕሰፍቲ መዓቱ ኣብ ልዕሊኣቶም ሰደደ፤ መቕሰፍትን መዓትን፥ መከራንውን ብኽፉኣት መላእኽቲ ሰደደ።
50ንቝጥዓኡ መንገዲ ፀረገ፤ ንነፍሶምውን ካብ ሞት ኣየድሓናን፤ ንእንስሳኣቶምውን ኣብ ውሽጢ ሞት ዓፀወ።
51ንብዘሎ በዅሪ ግብፂ ቐተለ፤ ነቶም ናይ መጀመርታ ሓይሊ ፍረ ዝኾኑ፥ ኣብ ድንኳናት ካም ቀተሎም፤
52ንህዝቡ ግና ኸም ኣባጊዕ ኣውፈሮም፤ ኣብ በረኻውን ከም መጓሰ መርሖም።
53ብተስፋውን መርሖም፤ ኣይፈርሑንውን፤ ንፀላእቶም ግና ባሕሪ ደፈኖም።
54ናብ እምባ መቕደሱውን ኣእተዎም፤ ናብታ የማነይቲ ኢዱ ዝፈጠረታ፥ ናብዛ እምባ እዚኣ ኣእተዎም።
55ህዝቢ እስራኤል ክመፁ እንተለዉ፥ ንኣህዛብ ካብ ቅድሚኣቶም ኣባረሮም፤ ንርስቱውን ብገመድ ኣካፈሎም። ንህዝቢ እስራኤልውን ኣብ ኣባይቶም ኣንበረ።
56ግና ንልዑል እግዚኣብሄር ፈተንዎን ኣቘጥዑዎን፤ ንምስክሩውን ኣይሓለዉን።
57ተመለሱ፤ ከም ኣቦታቶም ድማ ጠለሙ፤ ከም ጠዋይ ቀስቲውን ተገልበጡ።
58ብዀረብታ መስገዲታቶም ድማ ኣቘጥዕዎ፤ ብዝተቐረፀ ምስልታቶምውን ኣቕንእዎ።
59እግዚኣብሄር ድማ ነዙይ ሰሚዑ ተቘጥዐ፤ ንእስራኤልውን ፈፂሙ ነዓቖም።
60ነታ መሕደሪ ሴሎ፥ እታ ኣብ ማእኸል ሰብ ሓዲሩላ ንዝነበረ ድንኳኑ ሓደጋ።
61ሓይላቶም ንምርኮ፥ ንሽልማቱውን፥ ናብ ኢድ ፀላኢኦም ኣሕሊፉ ሃበ።
62ንህዝቡ ኣብ ውሽጢ ዂናት ዓፀዎም፤ ንርስቱውን ሸለል በሎም።
63ነጕባዞም ሓዊ በልዖም፤ ደናግሎምውን ኣይሓዘናን።
64ካህናቶም ብሰይፊ ወደቑ፤ መበለታቶምውን ኣይበኸያሎምን።
65እግዚኣብሄር ካብ ድቃሱ ኸም ዝነቅሕ፥ ስኻር ወይኒ ኸም ዝሓደጎ ኸም ሓያል ሰብ ተስአ።
66ንፀላእቱውን ብድሕሪኡ ቐተለ፤ ናይ ዘለኣለም ሓሳርውን ሃቦም።
67ንድንኳን ዮሴፍውን ሓደጋ፤ ንነገድ ኤፍሬምውን ኣይሓረዮን፤
68ንነገድ ይሁዳ፥ ነቲ ዘፍቀሮ እምባ ፅዮን ግና ሓረዮ።
69መቕደሱ ኣብ ኣርያም ሰርሐ፤ ኣብ ምድሪ እውን ንዘለኣለም መስረታ።
70ንባርያኡ ዳዊት ሓረዮ፤ ካብ መጓሰ ኣባጊዕውን ወሰዶ።
71ንህዝቡ ያእቆብን፥ ንርስቱ እስራኤልን ምእንቲ ኽሕሉ፥ ካብ ዘጥብዋ ኣባጊዕ ኣምፅኦ።
72ብቕንዕና ልቡ ሓለዎም፤ ብጥበብ ኢዱውን መርሖም።