1እግዚኣብሄር ልቦም ቅኑዕ ንዝኾነ፥ ንእስራኤል ከመይ ሰናይ እዩ።
2ኣነ ግና ኣእጋረይ ክሰናኸላ፥ ኣካይዳይውን ከንደልህፅ ቀሪበ ነበርኩ።
3ሰላም ሓጢኣተኛታት ሪአ፥ ብዓመፀኛታት ቀኒአ ነይረ እየሞ።
4ንሞቶም ፃዕሪ የብሉን፤ ሓይሎምውን ጥንኩር እዩ።
5ከም ሰብ ኣብ ድኻም ኣይኮኑን፤ ምስ ሰብውን ኣይተገረፉን።
6ስለዙይ ትዕቢት ሓዞም፤ ንሓጢኣትን ንበደልን ከም ክዳን ተወንዘፍዋ።
7ኣዒንቶም ስብሒ ስለ ዝኾነ ወፀ፤ ልቦምውን ካብ ዝምነይዎ ንላዕሊ ረኸበ።
8ሓሲቦም ክፉእ ነገር ተናገሩ፤ ልዕል ልዕል ኢሎምውን ብዓመፃ ተናገሩ።
9ኣፎም ኣብ ሰማይ ኣንበሩ፤ መልሓሶምውን ኣብ ውሽጢ ምድሪ ተመላለሰ።
10ስለዙይ ህዝበይ ናብዙይ ይምለሱ፤ ፍፁም ጊዜ ኣብ ልዕሊኣቶም ይርከብ።
11“እግዚኣብሄር ከመይ ይፈልጥ? እቲ ልዑልከ ፍልጠትዶ ኣለዎ?” ይብሉ።
12እንሆ፥ እዞም ሓጥኣን እዚኣቶም ይሕጐሱ ኣለዉ፤ ኵልሻዕውን ሃብቶም የብዝሑ ኣለዉ።
13ከምዙይውን በልኩ፦ ኣነ ብኸንቱ እየ ንልበይ ዘፅደቕክዋ፤ ነእዳወይውን ብኸንቱ ብንፅህና ሓፀብኩ።
14ኵልሻዕውን ዝተገረፍኩ ኾንኩ፤ ፀርፈይውን በብንግሆ እዩ።
15ከምዙይ ኢለ እንተ ዝናገር ነይረስ፥ ንትውልዲ ደቅኻ ምበደልኩ ነይረ።
16ንኽፈልጥ ኢለውን ሓሰብኩ፤ እዙይ ግና ኣብ ቅድመይ ኣፀጋሚ ነበረ።
17ናብ መቕደስ እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝኣቱ፥ ንፍፃሜኣቶምውን ክሳዕ ዘስተውዕል ተሸገርኩ።
18ኣብ መንደልሃፂ ስፍራ ኣንበርካዮም፤ ናብ ጥፍኣትውን ደርበኻዮም።
19ከመይ ንጥፍኣት ኮኑ? ብድንገት ሃለቑ፤ ብሓጢኣቶም ድማ ጠፍኡ።
20ካብ ሕልሚ ኸም ዝነቅሕ፥ ኦ ጐይታ፥ ምስ ነቓሕኻ ንምልክቶም ተነውሮ።
21ልበይ ነዲዱ ኢዩሞ፤ ኰላሊተይውን መኺኹ እዩሞ።
22ኣነ ዝተንዓቕኩ እየ፤ ኣይፈለጥኩንውን፤ ኣብ ቅድሜኻ ኸም እንስሳ ኾንኩ።
23ግና ኣነ ዅልሻዕ ምሳኻ እየ፤ የማነይቲ ኢደይ ሓዝካኒ።
24ብምኽርኻ መራሕኻኒ፤ ምስ ክብሪውን ተቐበልካኒ።
25ኣብ ሰማይ ብዘይ ንስኻ መን ኣለኒ? ኣብ ምድሪኸ እንትርፊ ንኣኻ ዝደልዮ እንታይ ኣለኒ?
26ኦ ናይ ድሕነተይ ኣምላኽ፥ ልበይን ስጋይን ሃለቐ፤ እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ዕድለይ እዩ።
27እንሆ፥ እቶም ካባኻ ዝርሕቑ ኽጠፍኡ እዮም፤ ነቶም ካባኻ ርሒቆም ዘመንዝሩ፥ ኣጥፋእኻዮም።
28ንኣይ ግና ናብ እግዚኣብሄር ምቕራብ ይሕሸኒ፤ ብበርታት ጓል ፅዮን ኵሉ ምስጋናኻ ምእንቲ ኽናገር፥ መተኣማመንየይ እግዚኣብሄር እዩ።