1ኦ ኣምላኽ፥ ናባኻ ዝለመንኩዎ ፀሎተይ ስምዐኒ፤ ንፀላኢ ኻብ ምፍራሕ፥ ንነፍሰይ ኣድሕና።
2ካብ ሻራ ኽፉኣትን፥ ካብ ብዝሒ ገበርቲ ዓመፅን ሰውረኒ።
3ንሳቶም መሪር ነገር ንምግባር፥ መልሓሶም ከም ሰይፊ ኣብልሑ፤
4ንንፁህውን ብስውር ንምውጋእ ቀስቶም ገተሩ፤ ድንገት ይነድፍዎ፤ ኣይፈርሑንውን።
5ንኣኣቶም ንባዕላቶም ክፉእ ነገር ኣፅንዑ፤ ሕቡእ መፃወድያ ኸፃውዱ ተማኸሩ፤ “መንከ ይሪአና” ድማ ይብሉ።
6ንዓመፃ ደለዩ፤ እናፈተኑውን ሃለቑ፤ ናይ ሰብ ሓሳቡን ልቡን ዓሚቝ እዩ!
7እግዚኣብሄር ልዕል ልዕል ይብል፤ ድንገትውን ብፍላፃ ይቘስሉ።
8ኣንደበቶም ድማ የሰናኽሎም፤ ኵሎም ዝርኢዎምውን ይድንግፁ።
9ኵሎም ሰባትውን ፈርሑ፤ ግብሪ እግዚኣብሄር ድማ ተናገሩ፤ ስራሑውን ኣስተውዓሉ።
10ፃድቕ ብእግዚኣብሄር ይሕጐስ፤ ብእኡ ኸዓ ይእመን፤ ኵሎም ቅኑዓት ልቢ ዕልል ክብሉ እዮም።